ጭብጢ
ኩሎም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ብዙሕ መሰላትን ግዴታትን ኣለዎም።
እዚ ንኣብነት፣ ኩሎም ቆልዑ ንቤት ትምህርቲ ክኸዱ መሰል ኣለዎም᎓ ከምኡ’ውን ኩሉ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ንክሕከም መሰል ኣለዎ። ኩሉ ዝሰርሕ ዘበለ ንኣብነት ቀረጽ ንክኸፍል ግዴታ ኣለዎ፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰልኣንዪቨልሰ (ዓመታዊ ኣታዊን ቀረጽን ዝገልጽ ጸብጻብ) ከነረክብ ከሎና፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ንክንህብ ግዴታ ኣሎና። ብተወሳኺ ብዛዕባ ተቐማጦ ኖርወይ ዝምልከት ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ሲስተም ብእምነት ዝተመስረተ ኣዩ።
ዋላ’ኳ ተቈጻጻሪ ሲስተም እንተሃለወ፡ ሓሊፉ ሓሊፉ ጥራይ እዩ ዚቈጻጸር። እቶም ተቐማጦ ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዚህቡን ነቲ ዝተወሰነ ሕግጋትውን ከምዘተግብርዎን እቲ መንግስቲ ይኣምኖም እዩ። እቲ ኹሉ ሲስተም በዚ መትከል ዝተመስረተ እዩ። ነዚ ሲስተም ከታልል ዝተረኽበ ሰብ’ውን ዝተፈላለየ መቕጻዕቲ ይረክብ። እዚ ከኣ ብገንዘብ ፡ ብማእሰርት ብኣገልግሎት ሕብረተሰብን ይቕጻዕ። .