ኢንትሮ- ፕሮግራም
ሓደሽቲ ወጻእተኛታት ኣብ ኖርወይ ዕድላቶም ንምምሕያሽ ኢንትሮዳክሽንፕሮግራም ኣሎ(ብመሰረት ሕጊ ኢንትሮዳክሽን)። ኢንትሮዳክሽንፕሮግራም መላለዪ ሕብረተሰብ ኖርወይ ኮይኑ፣ ኮሙነ እዩ ነዚ ፕሮግራም ሓላፍነት ዝስከም።
ኢንትሮ ፕሮግራም ነቶም ወጻእተኛታት ኣብ ስራሕ ዓለምን ሕብረተሰብ ኖርወጂያን ንኽሳተፉ ዕድል ይህብ። ዕላምኡ ኸኣ ነቲ ወጻእተኛታት ኣበራታቲዕካ ብቁጠባ ባዕሎም ኪኢሎም ክነብሩ ምግባር እዩ።
ገለ ወጻእተኛታት ኣብ ኢንትሮ ፕሮግራም ንኽካፈሉ መሰልን ግዴታን ኣለዎም። እንተኾነ ግን ኩሎም ኣይኮኑን። እዚ ዝኸውን ብመሰረት እቲ ዚወሃብ ፍቓድ መንበሪ እዩ።
እዞም ዚስዕቡ ጉጅለ ኣብ ኢንትሮ ፕሮግራም ንኽካፈሉ መሰልን ግዴታን ኣለዎም፣
- ስደተኛታት፣
- ብሰብኣዊ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም፣
- ምዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉጅለታት ብምትእኽኻብ ስድራቤት ዝተጸንበሩ ሰባት፣
- ርእሱ ዝኸኣለ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሰባት እቲ ሰብ ባዕሉ ወይ ደቁ ንግፍዒ ወይ ንጎነጽ ኣብ ሓዳር ስለዝተቓለዑ፣ ንግዴታዊ ሓዳር ስለዝተቓልዑ ወይ ድሕሪ ፍትሕ ብምኽንያት ማሕበራዊን ባሃላዊን ኩነታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ብምዃኖም
እዚ ግና እቲ ሰብ መሰረታዊ ስልጠና እንተ ኣድልይዎ ጥራይ እዩ።