መሰላትን ናጽነታትን ኣብ ዴሞክራሲ
ኖርወይ ደሞክራስያዊት ሃገር እያ። ደሞክራሲ ዝብል ቃል መበቆሉ ግሪኽ ኮይኑ፣ ህዝባዊ ምሕደራ ማለት እዩ። ኣብ ኖርወይ ህዝቢ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ወከልቲ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፣ዞባዊ ባይቶን ሽማግለ ኮሙነን ብምምራጽ እዩ ንፖለቲካ ዘመሓድሮ። በዚ ከኣ ብዙሃን ይውስኑ። ይኹን ደኣ እምበር ብዙሃን ፖሊሲታቶም ክቐርጹ ከለዉ ንንኡሳን ጉጅለታት ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም።
ኣብ ሓደ ደሞክራሲ ተቐማጦ ዝተወሰነ መሰላትን ናጽነታትን ኣለዎም።
ሰብኣዊ መሰላት
ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ይምልከት፣ እዚ ከኣ ከም ደቅሰባት ዘለና መሰላት ደኣ እዩ እምበር ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ናይ ዓለም ስለንቕመጥ ወይ ዝተወስነ ሃይማኖት ስለዘለና ወይ ካብ ፍሉይ ብሄር ስለዝኾና ኣይኮነን። ብኸምኡ ኢና ድማ ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ እዩ ንብል። ሰብኣዊ መሰላት ብቐዳምነት ኣብ መንጎ ውልቀሰብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና እዩ ዝገልጽ።
ኣብ 1948 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለማዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ሰብ ዝምልከት ኣጽዲቑ።
ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ገላ ካብቲ ዝብሎ፣
- ደቅ ሰባት ነጻ ኮይኖም ይውለዱ፣ ማዕረ ሰብኣዊ ክብሪን ሰብኣዊ መሰላትን ከኣ ኣለዎም።
- ኩሎም ሰባት ሓደ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ኣለዎም ጾታ፣ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ዜግነት ወዘተ ብዘየገድስ።
- ኩሎም ሰባት ናጽነትን ውልቃዊ ዋሕስነትን ክረኽቡ መሰሎም እዩ።
- ግፍዒ ብኩሉ መልክዓቱ እጉድ እዩ።
- ኩሉ ሰብ ሕጋዊ ዋሕስነት ክህልዎ ኣለዎ።
- ኩሎም ሰባት ብመገዲ ነጻን ምስጢራዊን ምርጫ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገሮም ክጸልዉ መሰሎም እዩ።
ኣብ ኖርወይ ዓበይቲ ክፋላት ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕግታት ኣትዩ እዩ።
ማዕርነት
ብልምዲ ማዕርነት ዝብል ኣምር ደቅንስትዮን ደቅተባዕትዮን ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክህልዎም ከምዘለዎ ጌሩ እዩ ዝግለጽ። ሎሚ ግን እዚ ኣምር ዝሰፍሐ ትርጉም እዩ ዘለዎ፣ ኩሎም ሰባት ብዘየገድስ ዕድመ፣ብሄር፣ዓቕሚ፣ጾታ፣ ሃይማኖታዊን ጾታዊን ዝንባለ ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክህልዎም ኣለዎ።
ማዕርነት ክበሃል ከሎ ገለ ካብኡ፣ ጽልዋ ከተሕድር ማዕረ ዕድላት ክህልወካ፣ ሓላፍነትን ጾርን ብፍትሓዊ ዝኾነ መገዲ ክካፈል፣
ንዓመጽ ከምዘይትቃላዕ ዋሕስነት ክስመዓካ ከሎ እዩ።
ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት
ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ክበሃል ከሎ፣ ብዘይ ዝኾነ መቕጻዕቲ ነጻ ኮይንካ ሓሳባካ ፖለቲካን ሃይማኖትን ካልእን ምግላጽ፣ ነጻ ኮይንካ ምስ ካልኦት ምዝታይ፣ ነጻ ኮይንካ ምጽሓፍ ማለት እዩ
ይኹን ደኣ እምበር ድላይካ ምዝራብን ምጽሓፍን በት ሓደ ወገን፣ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ምዝራብን በቲ ካልእ ወገን ዝፈልዮ ደረት ኣሎ። በዚ ምኽንያት ንሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝድርት ሕግታት ኣለና። ንኣብነት ኣብ ህዝባዊ መጎተ ብኣፍ ኮነ ጽሑፍ ዓሌታዊ መግለጺታት ወይ ኣድልዎ ክትገልጽ ኣይፍቀድን።
ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ንውልቀሰባት፣ ንረድዮ፣ ቲቪን ጋዜጣታትን ይምልከት።
ሕጋዊ ዋሕስነት
ኣብ ኖርወይ ህዝቢ ጽቡቕ ሕጋዊ ዋሕስነት ኣለዎ። እዚ ማለት እዚ ዝስዕብ እዩ፣
- ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይተራእየ ዝኾነ ሰብ ክፍረድ ኣይክእልን እዩ። ጉዳይ ቤት ፍርዲ ማለት ወገን ዘይሕዙ ፈራዶ ክሱስ ገበነኛ ድዩ ኣይኮነን ይውስኑ፣ ወገን ዘይሕዙ ፈራዶ ከኣ ክሱስ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ መቕጻዕቲ ይልክዕ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ክሳብ ፖሊስ ገበናዊ ጉዳይ ዘጻርዩ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።
- ኩሎም ክሱሳት ዝከላኸለሎም ሰብ ክህሉ መሰሎም እዩ።
- ዝኾነ ሕጊ ሕሉፍ ክቕይር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ ዝነበረ ሕጊ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሕቶ ገበን ወይ መቕጻዕቲ ክውሰን ከሎ።
ናጽነት ሃይማኖትን ናጽነት እምነትን
ናጽነት ሃይማኖትን ናጽነት እምነትን ማለት ሰባት ነጻ ኮይኖም ዝደለይዎ ዓይነት ሃይማኖት ወይ መንፈሳውነት ክመርጹ ይኽእሉ። ዝኾነ ሰብ ንካልኦት ካብ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ወይ ማሕበራት ኣገዲዱ ከውጽእ ወይ ከእቱ መሰል የብሉን። ሰብ 15 ዓመት ካብ ዝመልኣሉ ኣትሒዙ ኣብ ማሕበራት፣መንፈሳዊ ጉጅለ ባዕሉ ክኣቱን ክወጽእን መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ብዘለዎ ሃይማኖታዊ ዝምድና ክህደንን ክቕጻዕን የብሉን።
ልክዕ ከምቲ ሰብ ነጻ ኮይኑ ሃይማኖት/መንፈሳውነት ክመርጽ ዝኽእል፣ ሃይማኖት ወይ መንፈሳውነት ኣይደልን እየ ክብል ዘለዎ ናጽነት ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ናጽነት ውድብ
ናጽነት ውድብ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብዚ ገለ ካብቲ ቀንዲ ኣገዳሲ እንሀለ
- ንሃድን ወይ መቕጻዕቲ ከይተቓላዕካ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ንረብሓ ኣባላተን ዝቃለሳ ውድባት ክትከውን መሰልካ እዩ።
- ንሃድን ወይ መቕጻዕቲ ከይተቓላዕካ ኣብል ማሕበር ሰራሕተኛ ክትከውን መሰልካ እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውን ኣድማ ክትገብር መሰልካ እዩ።