ታሪኽ፣ጆግራፊ መነባብሮ

ኩነታት ኣየር

ኣብ ኖርወይ ኣርባዕተ ወቕትታት ኣሎ፣ ጽድያ፣ክረምቲ፣ቀውዒ፣ ሓጋይ

ኩነታት ኣየር ኖርወይ ኣብተን ዝተፈላለያ ክፋላት ናይዚ ሃገር ነንበይኑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፋል ሃገር ውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዙሕ ፍልልያት ክህሉ ይኽእል እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ከባቢታት ፍኹስ ዝበለ በረድ ዝወሓዶ ሓጋይ ኣለዎ፣ ኣብ ውሽጣዊ ክፋል እዚ ሃገር ዝርከብ ከባቢታት ግን ቆራሪ ሓጋይ ብዙሕ በረድ ዝበርዶ እዩ። ብኣንጻሩ ግን ውሽጣዊ ክፋላት እዚ ሃገር ክራማቱ ዝወዓየን ዝነቐጸን እዩ። ቨስትላንደ ካብ ኦስትላንደት ንላዕሊ ዝናብ ይወቕዖ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገምገም ባሕሪ ብዙሕ ንፋስ ኣሎ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቀውዒ።ብርሃን መዓልቲ ውን ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዓቢ ፍልልይ ኣሎዎ። ኣብ ግዜ ሓጋይ(ዊንተር) ሰሜን ገጽካ ክትከይድ ከለኻ መዓልታት እንዳ ሓጸረ ይኸይድ። ኣብ ሃመርፈስት፣ ኣብ ውሽጣዊ መሬት ኤውሮፓ ጫፍ ሰሜን ትርከብ ከተማ፣ ዳርጋ ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ጸላም ግዜ ኣሎ ኣብ ግዜ ሓጋይ። ብጭራሱ ብርሃን መዓልቲ ኣይርአን። ኣብ ግዜ ክረምቲ(ሳመር) ግን ኣንጻር እዩ። ሽዑ ጸሓይ ለይቲ ትበርቕ፣ እዚ ከኣ ጸሓይ ፍርቂ ለይቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Midnattssol

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርውን ንውሓት ቀትሪ ኣብ ግዜ ክረምቲን ሓጋይን ይፈላለ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ደቡብ ምሉእ ጸላም ወይ ጸሓይ ፍርቂለይቲ የለን።

ዓንኬል-ፖላር ካብ ሙ ኢ ራና ቅሩብ ንሰሜን ትሓልፍ እያ፣ ነቲ ምሉእ ግዜ ጸላምን ጸሓይ ፍርቂ ለይቲ ዘለዎ መሬትን ትፈሊ።

ጭብጢ

ዲግሪ

ኣብ ኖርወይ እቲ ዝለዓለ ሙቐት ዝተለከዐ 35,6 ዲግሪ ሰልስዮስ እዩ (ኔስቢየን 20 ሓምሌ 1970)
ኣብ ኖርወይ እቲ ዝቆረረ ግዜ ዝተለከዐ 51,4 ዲግሪ ሰልሲዮስ ትሕቲ ዜሮ እዩ (ካራሾክ 1 ጥሪ 1886).

ማእከላይ ዋዒ ዘለዎ ንፋስ

ዋላ’ኳ ኖርወይ ኣብ ሰሜን ተጸጊዓ እንተ ሃለወት፡ ካብተን መብዛሕተአን ኣብ ሰሜናዊ ዓለም ዝርከባ ቦታታት ክሊማኣ ዝወዓየ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣቲ ካብ ወሽመጥ ሜክሲኮ ማእከላይ ኣመሪካ ዚነፍስ ማእከላይ ዋዒ ዘለዎ ንፋስ ናብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ኣቢሉ ስለዚንፍስ እዩ፡ ኣዚ ኸኣ ሙቐት ይህብ።