መንግስቲ፣ ኣውራጃታትን ኮሙነታትን
ኣብ ኖርወይ 11 ዞባታትን 356 ኮሙነታትን ኣለዋ።(ኦስሎ ኮሙነን ዞባን እያ።)
ዞባታትን ኮሙነታትን ጆግራፍያዊ ከባቢታትን ፖለቲካዊ ምሕደራ ዘለወን ኣሃዱታት እየን።ፊልከስኮሙነን ኮሙነን ኣብ ብዝሕ ዝበለ ጉዳያት ባዕለን ክውስና መሰል ኣለወን፣ ዋላ መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ዝውስን እንተኾነ። መንግስቲ ንፊልከስኮሙነታትን ኮሙነታትን ደረት ይሕንጽጸለን። መንግስቲ ብሃገር ደረጃ ይውስን፣ ፊልከስኮሙነን ኮሙነን ከኣ ኣብ ከባቢአን ይውስና።
ፖለቲካውን ምምሕዳራውን መሪሕነት
መንግስቲ፣ዞባዊ ምምሕር (ፊልከስኮሙነታትን) ኮሙነታትን ብህዝቢ ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ይምርሑ። እዚ ማለት ፖለቲከኛታት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ይዛተዩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣየናይ ፖሊሲታት ከምዝምልከት ይውስኑ። ቢሮክራሰኛታት-ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ፊልከስኮሙነታትን ኮሙነታትን እዮም ነዚ ፖሊሲታት ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ።