ንግስነት ኖርወይ

ኖርወይ ንግስነት ዘለዋ ሃገር እያ። ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ንግስነት ዘለዋ ሃገር ንጉስ ወይ ንግስቲ እያ። ኣብ ኖርወይ ንጉስ ድሩት ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ ዘለዎ፣ ግን ከኣ ሰሙናዊ ንሚኒስተራት መንግስታዊ ሽማግለ የካይደሎም ብምዃኑ፣ ንኩሉ ወግዓዊ ውሳኔታት መንግስቲ ይፍርም ብምዃኑን ሕግታት ብባይቶ ዝጸደቐ ይቕበል ምዃኑን፣ ስማዊ ዝኾነ ተራ ኣለዎ።
ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5 ይበሃል። ምስ ንግስቲ ሶንያ ምርዑው እዩ። ክልተ ቆልዑ ኣለዎም- ልእልቲ ማርታ ሉኢሰ(1971 ዝተወልደት)፣ ልኡል ሆኮን ማግኑስ(1973 ዝተወልደ)። ልኡል ሆኮን ማግኑስ ድሕሪ ኣቦኡ መዚ ንጉስ ክወርስ እዩ። ጓሉ ኢንግሪድ ኣለክሳንዳራ(2004 ዝተወልደት) ድሕሪኡ ንግስቲ ትኸውን።