ረብሓታት ድሕንነት
እዘን ስእልታት ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ካብ ዝርከብ ረብሓታት ድሕንነት የርእያ ኣለዋ።
ረብሓታት ድሕንነት ኖርወይ ኣድማሳዊ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ሰብ ክረብሓሉ መሰል ኣለዎ።
ሽሕ ኳ ሰብ ረብሓታት ድሕንነት ክጥቀመሉ መሰሉ እንተኮነ፣ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።
ገሊኡ ረብሓታት ድሕንነት ንነዊሕ ክፋላት ሂወትና ንጥቀመሉ። ንኣብነት ገሊኡ ካብዚ ረብሓታት ድሕንነት ትምህርትን ጦሮታን ኮይኑ፣ ብድሕንነታዊ ሕብረተሰብና ይምወል። ኩሎም ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ኖርወይ 10 ዓመት ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃን ክመሃሩ መሰልን ግቡእን ኣለዎም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይመሃሩ እዮም። ብዙሓት ካባና ውን ዕድለኛታት ኮይና ክሳብ ብዕድመ ጦሮታ ንወጽእ ብሂወት ንጸንሕ ኢና።
ገሊኡ ረብሓታት ድሕንነት ሓደ ግዜ ወይ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ንጥቀመሉ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ ነጻ እዩ፣ ናብ ሓኪም ክንከይድ ከለና ግን ርእሰ-ብጽሒት ንኸፍል ኢና።
ካልእ ረብሓታት ድሕንነት ከኣ ኣብ ጽንኩር እዋናት ሂወት ክሕግዘና እዩ ዕላማኡ፣ ንኣብነት ሽቕለት ኣልቦነት ወይ ብኩራት ሕማም ካብ ስራሕ። ኣብ ከምዚ እዋናት ዝግበረልና ቁጠባዊ ሓገዝ ዕላማኡ ሂወትና ክሳብ ዝመዓራረ ግዝያዊ እዩ።