ብፍቓድካ ምኽፋል
መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኖርወይ ንምንታይ እዮም መንግስታዊ ድሕንነት ኣብ ምምዋል እጃሞም ከበርክቱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ፧ እዚ ብዙሕ መግለጺታት ኣለዎ፣ ገለ ካብኡ፣
- ማንም ሰብ መዓስ ከምዝሓምምን ካብ መንግስታዊ ሕክምና ሓገዝ ከድልየሉ ዝኽእል ግዜ ዝፈልጥ የለን።
- መንግስታዊ ድሕንነት ከም መድሕን ክቑጸር ይከኣል፣ ሰብ ከኣ እንተድልዩዎ ሓገዝ ክረክብ ከምዝኽእል ምፍላጥ ንባዕሉ ዋሕስነት እዩ ዝፈጥረሉ።
- ቀስ ብቐስ ብዙሕ ሕግታትን ስጉምትታትን ንህዝቢ ረብሓታትን መሰላትን ዝህብ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ተጌሩ፣ እዚ ከኣ ህዝቢ ክዕቅቦ ኣገዳሲ እዩ።