ታሪኻዊ ምዕባለ
ካብ ካዝና ድኻታት ናብ ድሕንነታዊ ሕብረተሰብ
ስርዓተ ድሕንነት ኖርወይ ሎሚ ንህዝቢ ብምሉኡ እዩ ዘገልግል።
100 ዓመት ይገብር ከምዚ ኣይነበረን። ሽዑ መንግስታዊ ናብዮት እዩ ዝበሃል ኔሩ። ናይ መጨረስታ ውጹዓትን ድኻታትን ጥራሕ እዩ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝግበረሎም ኔሩ፣ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ፍልልይ ኔሩዎ።
መብዛሕትኡ ዘሎ ረብሓታት ድሕንነት ቀስ ብቐስ ዝመጸ እዩ። ገሊኡ ረብሓታት ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም(1940-1945)፣ ዝበዝሐ ረብሓታት ግን ድሕሪኡ እዩ መጺኡ።
ሓደ ረብሓ ድሕንነት ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኣሎ። ቆልዑ ካብ 1739 ኣትሒዞም ቤት ትምህርቲ ብነጻ እዮም ዝመሃሩ ዘለዉ!
ብዙሕ ካብዚ ረብሓታት ሰራሕተኛታት ተቓሊሶም ዘምጽእዎ እዩ። ዝሓለፋ 60-70 ዓመታት ብተዛማዲ ስፍሕ ዝበለ ፖለቲካዊ ስምምዕ ጸኒሑ ድሕንነት ህዝቢ ምውሓስ ሓላፍነት መንግስቲ ከምዝኾነ።