ስድራቤትን
ዓመታዊ ኣብ ኖርወይ ከባቢ 60 000 ቆልዑ ይውለዱ። ኣብ ኖርወይ ደቀንስትዮ ብገምጋም ነፍስወከፈን ክልተ ቆልዑ ይወልዳ። ሰለስተ ካብ ኣርባዕተ ቆልዑ ምስ ክልቲኦም ወለዶም ይቕመጡ። እቶም ዝተረፉ ሓደ ርብዒት ከኣ ወይ ምስ ሓደ ወላዲኦም ይቕመጡ ወይ ምስ ሓደ ወላዲኦምን ሓድሽ መጻምድትን ይቕመጡ።
ሰለስተ ካብ ኣርባዕተ ብሓደ ዝቕመጡ ሰብ ሓዳር ምርዑዋት እዮም፣ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰብ ሓዳር ግን ከይተመርዓዉ ብሓደ ይቕመጡ። ደቀንስትዮ ኮኑ ደቅተባዕትዮ መጀመርታ ዝምርዓዉሉ ገምጋማዊ ዕድመ ልዕሊ 30 ዓመት እዩ። ብዙሓት ክሳብ ዝምርዓዉ ንዓመታት ብሓደ ይቕመጡ። ዓመታዊ ከኣብ 10000 ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ይፋትሑ።ምስ ዓመታዊ ቃል ኪዳን ዝኣስሩ ክነጸጻር ከሎ ዳርጋ ፍርቂ ይኸውን ኣሎ። ዳርጋ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኖርወይ ሎሚ በይኑ ይቕመጥ።