ኣብ ሂወትካ ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል
ኩሉ ዓይነት ጎነጽ ኣብ ኖርወይ ብሕጊ እጉድ እዩ፣ ጎነጽ ስድራቤትን፣ኣብ መንጎ ፍቑራት፣ መቓምጥቲን ሰብ ቃልኪዳንን የጠቓልል።
ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ፣ ምኽንሻብን ብጸቕጢ ንካልእ ሰብ ከምዝምርዖ ምግባርን ውን ከም ጎነጽ እዩ ዝቑጸር።
ብዛዕባ ጎነጽ ኣብ መንጎ ቀረባ ኣባላት ስድራቤት ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ፣ትኽእል፣ www.kompetansenorge.no/vold.