ዝተፈላለየ ፍታሓት ጥዕና
ፍታሓት ቀዋሚ ሓኪም
ብምሉኦም ተቐማጦ ሓፈሻዊ ክእለት ጥዕና ዘለዎ ቀዋሚ ሓኪም ክግበረሎም መሰሎም እዩ። ሰብ እንተሓሚሙ መጀመርታ ነዚ ቀዋሚ ሓኪም እዮም ዝውከሱ። ቀዋሚ ሓኪም ናቱ ተሓከምቲ ቅድሚ ካልኣት ቀዳምነት ክህቦም ግቡኡ እዩ። ቀዋሚ ሓኪም እዩ ተሓከምቲ ናብ ክኢላ ሪፈር ዝብል።ኣብዚ ብምእታው ቀዋሚ ሓኪም ምቕያርን ብዛዕባ ጥዕና ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምርካብን ይከኣል እዩ፡ https://helsenorge.no
ሓኪም ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ፣ ተሓካሚ ከየፍቀደሉ ብዛዕባ ተሓካሚን ሓኪምን ዝተዛረብዎ ንዝኾነ ሰብ ክዛረብ ኣይክእልን።
ፋርማሲ
ፋርማሲታት ፈውሲ ይሸጣ እየን፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኣፋውስ ውን ጥዕናዊ ምኽርን ማዕዳን ክህባ ይኽእላ። ዝበዝሐ ኣፋውስ ኣብ ፋርማሲ ጥራሕ ኢኻ ክትገዝእ ትኽእል። ገሊኡ ኣፋውስ ከም ፈውሲ ቃንዛ ኣብ ናይ ኣስቤዛ ድኳን ወይ እንዳ ነዳዲ ክትገዝእ ትኽእል። ዋጋታት ካብ ፋርማሲ ናብ ፋርማሲ፣ ከምኡውን ካብ ድኳን ናብ ድኳን ክፈላለ ይኽእል።
ብዙሕ ዓይነት ኣፋውስ ብሓኪም ወረቐት እዩ ዝወሃብ። እዚ ማለት ምስ ሓኪም ከይተዘራረብካ ክትገዝኦም ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓኪም ኣብ ወረቐት እንታይ ዓይነት ፈውሲ ከምዘድልየካን ብኸመይ ከምትወስዶን ክጽሕፍ ኣለዎ።
ፈውሲ ወረቐት ርእሰ-ብጽሒት( ብሎረሰፕት)
ነዊሕ ሕክምና ዘድልዮ ሕዱር ሕማም እንተሃልዩካ፣ ማለት ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሕማም፣ እሞ ኸኣ ብውሑዱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፈውሲ ወይ ካልእ ንብረት ንሰለሰተ ኣዋርሕ ዘድልየካ እንተኾይኑ ብብሎረሰፕት ፈውሲ ክወሃበካ ይኽእል። ብብሎረሰፕት ፈውሲ ክወሃበካ ከሎ ምሉእ ዋጋ ፈውሲ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ ማለት እዩ። ርእሰ-ብጽሒት ጥራሕ ትኸፍል፣ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ወጻኢታት ግን መንግስቲ ይኸፍሎ።
ርእሰብጽሒት ብብሎ ረሰፕት ትኸፍሎ ምስቲ ንሓኪም ትኸፍሎ ርእሰ-ብጽሒት ተቖጺሩ ነጻ ወረቐት የውህብ።
ሓኪም ስኒ
ቆልዑን መንእሰያትን ክሳብ 18 ዓመት ትመልእ ብቐጻሊ ናብ ናይ ስኒ ቁጽጽር ይጽዉዑ እዮም። መንግስቲ እዩ ነዚ ሕክምና ስኒ ዝኸፍሎ። ኣብ መንጎ 18ን 20ን ዓመት ዘለዉ መንእሰያት ከኣ ካብ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ 25 ሚእታዊት ክኸፍሉ ኣለዎም፣ መንግስቲ ከኣ ዝተረፈ 75 ሚእታዊት ይኸፍሎ። ዓበይቲ ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ምሉእ ዋጋ ክኸፍሉ ኣለዎም ንሕክምና ስኒ። ዓበይቲ ባዕሎም ናብ ናይ ብሕቲ ሓኪም ስኒ ክኸዱ ኣለዎም፣ ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ኣብ ሓኪም ስኒ ቁጽጽር ምኻድ ከኣ ልሙድ እዩ።
ቆልዓ ወይ መንእሰይ ኣስናን ምእሳር እንተ ኣድልዩዎም ወለዲ ርእሰ-ብጽሒት ክኸፍሉ ኣለዎም።
ምድቃስ ኣብ ሆስፒታል
ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ ነጻ እዩ። ኩሉ ወጻኢታት ንሕክምና፣ ኣብ ሆስፒታል ትጸንሖ ግዜን መግቢን ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን።
ሆስፒታል ምድቃስ ኣቐዲሙ ዝተመደበ እንተኮይኑ ባዕልኻ ሆስፒታል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።ሕክምና ክግበረልካ ናይ ምጽባይ ግዜ ክፈላለ ስለዝኽእል ኣብዚ ዝስዕብ ምርኣይ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ .
ኣብ ኖርወይ ገለ ውሑዳት ብሕታዊ ሆስፒታላት ኣለዋ። ብሕታዊ ሆስፒታል እንተመሪጽካ መሐከሚ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።
ፖሊክሊኒካዊ ሕክምና ኣብ ሆስፒታል
ፖሊክሊኒካዊ ሕክምና ክበሃል ከሎ፣ ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ይግበረልካ ግን ኣብቲ ሆስፒታል ኣቲኻ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። ንቆጸራ ትጽዋዕ፣ ሕክምናኻ ምስ ወዳእካ ከኣ ገዛኻ ትኸይድ። ፖሊክሊኒካዊ ሕክምና ክግበረልካ ከሎ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዋሚ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓኪም ርእሰ-ብጽሒት ትኸፍሎ ትኸፍል ኢኻ።
ክኢላ ሓኪም
ክኢላ ሓኪም ክበሃል ከሎ፣ ከም ኣብነት ጋይነኮሎጂስት፣ ሓኪምቆርበት፣ ሓኪም ኣእዛን-ኣፍንጫ-ክሳድ ወይ ሓኪም ክኢላ ኣብ ሕማማት ቆልዑ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ እንዳ ክኢላ ሓኪም ቆጸራ ክግበረልካ እንተኮይኑ ኣቐዲምካ ካብ ቀዋሚ ሓኪምካ ወይ ካልእ ሓኪም ሓፈሻዊ ጥዕና ሪፈር ክብለካ ዝሓሸ እዩ። ሪፈር ከይበሉኻ ብቐጥታ ናብ ክኢላ ሓኪም እንተከይድካ፣ ልዕል ዝበለ ርእሰ-ብጽሒት ክትከፍል ኣለካ።
ኣምቡላንስ
ኣምቡላንስ ምድዋል እንተድልዩካ፣ ናብ ህጹጽ ተሌፎን ክትድውል ትኽእል(113)። ሽዑ ንማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣምቡላንስ ክትረኽቦም ኢኻ። ቅኑዕ ሓበሬታ ክትህቦም ኣገዳሲ እዩ።
መን ኢኻ፧
(ስም፣ቁጽሪ ተሌፎን፣ ካበይ ትድውል ኣለኻ)
እንታይ ኣጋጢሙ፧
( ክንደይ ተሃስዮም፣ ከቢድ ማህሰይቲ ድዩ ወዘተ)
ኣበይ ኣለኻ፧
(ልክዕ ኣድራሻ ወይ ቦታ)
ህጹጽ ሕክምና
ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ሓኪም ዕጹው ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፣ ንማእከላይ ዴስክ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ክትውከሶም ትኽእል (116117)
ኩለን ኮሙነታት ኖርወይ ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና ኣለወን። ኖርማል ቤትጽሕፈታት ሓካይም ዕጹው ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምሸት፣ለይቲን ቀዳመሰንበትን ህጹጽ ሕክምና ክፉት እዩ። ኣብ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ትህልወሉ ግዜ ነቲ ሕክምና ርእሰ-ብጽሒት ትኸፍል ኢኻ፣ ወጻኢታት ንንብረት፣ መርመራታት ተመሳሳሊን ተወሳኺ እዩ።
ናትካ ማእከል ህጹጽ ሕክምና ኣበይ ከምዝርከብ ክትርኢ ኣለካ!