ኣረገውትን ጥዕናን
ኩሎም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ኖርወይ ብዕድመ ጦሮታ ይወጹ እዮም። ብዝሒ ናይዚ ጦሮታ ኣብ ናይ ቅድም ኣታዊ ስራሕ ስለዝምርኮስ ይፈላለ እዩ።
መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣብ ኖርወይ ኣብ ናቶም ቤት እዮም ዝቕመጡ። ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ካብ ኮሙነ ውን ሓገዝ ይግበረሎም እዩ ንኣብነት ኣብ ገዛ መጺአን ዝሕግዛ ነርስ፣ ግብራዊ ሓገዝ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ኮሙናዊ መውዓሊ ማእከል ናይ ምምጻእ ዕድል። ብዙሓት ባዕሎም ዝኽእልዎ ኣለዉ ወይ ብስድራቤቶም ጥራሕ ተሓጊዞም ዝኽእልዎ ኣለዉ።
ነፍስኻ ኣብ ክትኣልየሉ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምስ በጻሕካ ኣብ ሕክምና ቦታ ክወሃበካ ከተመልክት ኣለካ። ይኹን ደኣ እምበር ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ፍርቆም ኣብ ሕክምና እዮም ዝቕመጡ።
ኣብ ገዛ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ዝጥቀሙ ሰባት ነዚ ኣገልግሎታት ርእሰ-ብጽሒት ይኸፍሉ እዮም። ዝተረፈ ዋጋ ኣገልግሎታት ከኣ ኮሙነ ይኸፍሎ።ብዝሒ ዝኽፈል ርእሰ-ብጽሒት ካብ ኮሙነ ናብ ኮሙነ ይፈላለ እዩ።
ኣብ ሕክምና ዝቕመጡ ሰባት ውን ርእሰ-ብጽሒት ይኸፍሉ እዮም። ሓደ ቦታ ኣብ ሕክምና ከባቢ 800 000 ኮሮና ንዓመት እዩ ዋጋኡ። ተጠቃሚ ዝኸፍሎ ብዝሒ ኣብ ኣታዊኡ እዩ ዝሙርኮስ።
ኣረጋውያን መብዛሕትኡ ግዜ ፍልይ ዝበለ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣለዎም።
- ክንኣርግ ከለና ነፍስና እንዳኸመ ይኸይድ። ኣብ ቀላጽምን መለጋግቦን ዝያዳ ቃንዛ ይስመዓና ይኸውን ካብ ናይ ቀደም ከኣ ህርኩትነትና ይጓደል። እዚ ከኣ ጭንቀትን ተነጽሎን ከስዕብ ይኽእል።
- ከባቢ 100000 ኣረጋውያን ኣብ ኖርወይ ብጭንቀት ይሳቐዩ። ጥዕናኦም ከም ቀደሞም ብዘይምህላዉ ክኸውን ይኽእል ጠንቁ። ግን ጽምዋን ተነጽሎን ውን ጠንቂ ክኸውን ይኽ እል። ብዙሓት ኣረጋውያን ናይ ምዝካር ክእለቶም ክዳኸም ንቡር እዩ፣ ብዙሓት ሕማም ረሲዕ የጥርዩ እዮም።
- ብዙሓት ኣረጋውያን ናይ ምዝካር ክእለቶም ክዳኸም ንቡር እዩ፣ ብዙሓት ሕማም ረሲዕ የጥርዩ እዮም። ሕማም ረሲዕ ሓንጎልና ይጉዳእ፣ ከምኡውን ናይ ምዝካር ክእለት፣ ስምዒታትንን ማሕበራዊ ዓቕምናን ይጉዳእ።
- ገሊኦም ክኣርጉ ከለዉ ሸውሃቶም ይዕጾ እዩ። በዚ ምኽንያት መኣዛታት ክጎድሎም ይኽእል፣ ወይ ልክዕ መኣዛታት ኣይረኽቡን። እዚ ንዓቕሚ ምኽልኻል ነፍሲ ኣዳኺሙ ንሕማማት ወይ ረኽሲታትን ብቐሊሉ ከምዝቃልዑ ይገብር።