መሰላትን ግቡኣትን ኣብ ስራሕ ዓለም
ስራሕዓለም ኖርወይ ብሕግታትን ውዕላትን ዝተቐየደ እዩ፣ ንኣብነት ሕግታት ስራሕን ዕረፍቲን።
ኣብ ባይቶ ኖርወይ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንሕግታት የጽድቑ፣ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታት ከኣ ብመገዲ ማሕበራቶም ውዕላት ይሰማምዑ።
ሕግታት ንኹሎም ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ይምልከት፣ ውዕላት ግን ንዝተወሰኑ ሞያታት ይምልከት።
ኣብነታት ብሕጊ ዝተወሰነ መሰላት፣
- ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ኖርወይ ናይ ስራሕ ኩንትራት ክህልዎም መሰሎም እዩ። ገለ ትሕዝቶ ኩንትራት ከኣ ስምምዕ ደሞዝን ግዜ ስራሕን እዩ።
- ሓደ ንቡር ናይ ስራሕ ሰሙን 37,5 ሰዓታት እዩ።
- ሰራሕተኛታት ኣብ ኖርወይ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሳምንታት ዕረፍቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መሰሎም እዩ።
- ሰራሕተኛታት ኣብ ኖርወይ ባዕሎም ወይ ደቆም እንተሓሚሞም ምሉእ ደሞዝ እንዳተኸፈሎም ንገለ መዓልታት ካብ ስራሕ ከብኩሩ መሰሎም እዩ።
- ቆልዑ ዝወልዱ ሰራሕተኛታት ደሞዝ እንዳተኸፈሎም ዕረፍቲ ክወስዱ መሰሎም እዩ።
ሰራሕተኛታት ኣብ ግዜ ትምህርቲ ደሞዝ ክኽፈሎም መሰሎም እዩ።