ስራሕ ምድላይ
ኣብ ኖርወይ ዋላ ኳ ሽቕለት ኣልቦነት ትሑት ይኹን፣ ነጻ ስራሕ ብዙሕ ውድድር ክህሉዎ ይኽእል እዩ። ስራሕ ዝደሊ ሰብ ንጡፍ ክኸውን ኣለዎ። ትፈልጦም ሰባትን መርበብካን ክትጥቀመሉ ኣገዳሲ እዩ፣ ከምኡውን ክትሰርሕ ድሌት ከምዘለካ ከተርኢ። ብዙሓት ነጻ ስራሕ እብ ኢንተርነት ወይ ጋዜጣ ምልክታ ይወጽእ እዩ።
ትደልዮ ስራሕ ምስረኸብካ፣ ምልክታ ክትጽሕፍ ኣለካ፣ ሲቪ ከኣ ተረክብ። ሲቪ መን ምዃንካ፣ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከምዘለካን እንታይ ከምዝገበርካን እዩ ዝገልጽ። እቲ ትጽሕፎ ምልክታ ጽቡቕ ክኾነልካ እኹል ግዜ ክትጥቀም ኣገዳሲ እዩ፣ ምእንታን ወሃቢ ስራሕ ምናልባት ናብ ቃለመሕተት ስራሕ ክጽውዓካ።
ቅድሚ ኣብ ቃለመሕተት ምቕራብካ፣ ጽቡቕ ጌርካ ክትዳሎ ኣሎካ። ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ትካል ክትእክብ ኣለካ። ምናልባሽ ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ትካል ከተንብብ ትኽእል ትኸውን ወይ ነቲ ትካል ዝፈልጥ ሰብ ክትሓትት ትኽእል ትኸውን፧
ዝተፈላላየ ሕቶታት ውን እንታይ ክምልስ እየ ኢልካ ኣቐዲምካ ክትሓስበሉ ኣለካ። ወሃቢ ስራሕ እንታይ ክሓትት እዩ፧ እንታይ ኢልካ ኸ ክትምልስ ኢኻ፧