ምስ ገዛ ምትሕብባር
ወለዲ ደቆም ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ኣለዎም። ቤት ትምህርቲ ምስ ወለዲ ብምትሕብባር ኣብዚ ዕዮ እዚ ክድግፎም ይደሊ።ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተኻእሎም መጠን ብዙሕ ክመሃሩ ቤት ትምህርቲ ምስ ገዛ ተማሃራይ ክትሓባበር ኣገዳሲ እዩ።
ተማሃራይ፣ ወለዲን መምህርን ብሓባር ክዛረቡ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ትምህርታዊ ምዕባለ፣ ተማሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመይ ከምዘሎ ክዘራረቡ ኣለዎም። ብውሑዱ ዓመታዊ ክልተ ከምዚ ዓይነት ዝርርባት ክህሉ ኣለዎ።
ወለዲ ካብ ትምህርቲ ዝመጽእ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ከንብብዎን ጽቡቕ ጌሮም ክርድኡዎን ኣገዳሲ እዩ። ቆልዑ መደብ ዕዮ ገዛ ወይ/ድማ እዋናዊ መደባት ይወሃቦም እዩ። ኣብዚ መደባት ከኣ እታ ክላስ ኣብቲ ዝተፈላለየ ዓይነታት ትምህርቲ እንታይ ትዓዪ ከምዘላ ከተንብብ ትኽእል። ኣገደስቲ መልእኽትታት ንወለዲ ወይ ኣለይቲ ውን ኣብዚ መደባት ተጻሒፉ ኣሎ። ወለዲ ከኣ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልዎም ንመምህር ወይ ካልኦት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ክውከሱ ይኽእሉ።
ወለዲ ምስ መምህርን ካልኦት ወለዲን ክራኸቡ ልሙድ እዩ። ብዛዕባ ክላስን ኣከባቢ ክላስን፣ ብዛዕባ መደባትን ንጥፈታትን ይዛረቡ። ብውሑዱ ዓመታዊ ክልተ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ይካየድ ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ምስቶም ካልኦት ወለዲ ምልላይ ጽቡቕ እዩ።