ጭብጢ
መባእታን ማእከላይ ደረጃን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ
ንንኣሽቱ መንእሰያት ኣስታት 16 ዓመት ምስ ኮኑ እዮም መባእታን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝውድኡ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ ንዝወድኡ ንዕኦም ዝኸውን ብዙሕ ስራሕ የለን፣ መብዛሕትኦም ዳርጋ ኩሎም ከኣ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክቕጽሉ ይመርጹ።
ብጀካ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ብዝሕ ዝበላ ብሕታውያን ኣለዋ። ኣብ ብሕታዊ ቤት ትምህርታት ስድራቤት መምሃሪ ገንዘብ ይኸፍሉ እዮም። ይኹን ደኣእእምበር ርእሰ-ብጽሒት ጥራሕ እዮም ዝኸፍሉ፣ እቲ ዝተረፈ ዋጋ መምሃሪ ከኣ መንግስቲ ይኸፍሎ።
ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብና ዝበዘሐ ሞያታትን ስራሕን ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ይሓትት እዩ። ንድሕንነታዊ ሕብረተሰብ ውን ኣገዳሲ እዩ ብዝተኻእለ መጠን ዝበዝሑ ትምህርቲ ክመሃሩ። ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ከኣ ፍርያትና ንዕቅብን ሓድሽ ስራሕ ንፈጥርን።ብዘይ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘይብሉ ህዝቢ ድሕንነታዊ ሕብረተሰብናን ረብሓታቱን ክንዕቅቦ ከጸግመና እዩ።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ነጻ እዩ።
ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ መጻሕፍቲ ይልቅሑ እዮም፣ መጽሓፊ ናውትን ከምኡታትን ግን ባዕሎም ክገዝኡዎ ኣለዎም።