ዓበይትን ትምህርትን
ሕብረተሰብና ብቐጻሊ እንዳተቐየረ እዩ ዝኸይድ፣ እዚ ከኣ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣሎ። ሰራሕተኛታት ብቐጻሊ ፍልጠቶም ከሕድሱን ሓድሽ ነገራት ክመሃሩን ኣለዎም።
ዓበይቲ ሓድሽ ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ፣ ናይ ቅድም ትምህርቶም ክውስኹሉ ይኽእሉ ወይ ዓይነታት ትምህርቲ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ብምውሳድ ንሓደስቲ ጠለባት ስራሕዓለም ከማልኡ ይኽእሉ።
ብዙሓት ኣዳለውቲ ዝተፋላለዩ ኮርሳት ንዓበይቲ የዳልዉ እዮም። ከም ኣብነት፣ ኮርስ ትፈትዎ ዝንባለታት፣ ኮርስ ቋንቋ፣ ብቕዓት ዘውህብ ኮርስ። መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብከፊል ነዚ ኮርሳት ይምውሎ እዩ።
ሓላፍነት መባእታን ማእከላይን ደረጃ ናይ ኮሙነ ኮይኑ፣ ዞባዊ ምምሕዳር (ፊልከስኮሙነ) ከኣ ንዓበይቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎ። ዓበይቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ወይ ካልኣይ ደረጃ ክወስዱ መሰል እንተደኣሃልዩዎም ብነጻ እዩ ዝወሃብ ትምህርቲ። ብዙሓት ብሕታውያን ቤትትምህርታት ውን ኣለዋ ንዓበይቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘምህራ።
ደለይቲ ስራሕ ብመገዲ ናቭ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮርሳት ክሳተፉ ይኽእሉ። ዕላማኡ ተሳተፍቲ ኮርስ ንስራሕ ብቑዓት ከምዝኾኑ ምግባር እዩ። ናቭ ወጻኢታት ይሽፍኖ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ውን ንተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት መሳተፊ ኮርስ ገንዘብ ይኸፍሎም።