ታሪኻዊ ምዕባለ
ኖርወይ ነዊሕ ዝጸንሐ ባህሊ ኣለዋ ንቤት ትምህርትን ስልጠናን ዝምልከት። ኣብ 18 ክፍለዘመን ቁጠባዊ ኩነታት ሃገር ብጣዕሚ ሕማቕ ኔሩ። ይኹን ደኣእምበር ትምህርቲ ከም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስለዝተቖጽረ ኩሎም ቆልዑ ትምህርቲ ክኸዱ ከምዘለዎም ተወሲኑ፣ መንግስቲ ከኣ ነዚ ክኸፍለሉ ከምዝኾነ።
- ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 18 ክፍለዘመን ግዴታዊ፣ ነጻ ትምህርቲ ንኩሎም ቆልዑ ተኣታትዩ፣ ንኣወዳትን ኣዋልድን። እቲ ዕላማ ኩሉ ሰብ ምንባብ ክመሃር ምእንታን መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሎም ከንብቡ። ኩሉ ሰብ ውን ትምህርቲ ክርስትና ክወሃቦ።
- ኣብቲ እዋን መዓልታዊ ትምህርቲ ምምልላስ ንቡር ኣይነበረን። ብዙሓት ቆልዑ ትምህርቲ ኣብ ሳልስቲ ወይ ንገለ ሳምንታት ኣብ ዓመት እዮም ዝመሃሩ ኔሮም።
- ምስ ግዜ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንዳወሰኸ ከይዱ። ንኣብነት ምጽሓፍ፣ቁጽሪን ደርፊን ግዴታዊ ዓይነታት ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ መጀመርታ 19 ክፍለዘመን።
- ኣብ 1936 ቆልዑ ብውሑዱ ሸውዓተ ዓመታት ትምህርቲ ክመሃሩ ከምዘለዎም ተወሲኑ። ካብ 1997 ከኣ 10 ዓመት ግዴታዊ ትምህርቲ ተኣታትዩ።
- ኣብ ባይቶ ኖርወይ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንኩሉ መደባት ትምህርቲ ዝተፈላለየ ቤት ትምህርታት የጽድቕዎ። ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ከኣ ትሕዝቶ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሃገር ምሉእ ተመሳሳሊ ይኸውን።