ታሪኽ፣ ጂኦግራፍን ኣነባብራን

ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ኖርወይ

Vikingskip

ዘመን ቫይኪንግ

ኣብ መንጎ 8ን 11 ክፍለ ዘመን፡ ዘመን ቫይኪንግ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብቲ መጀመርታ ዘመነ ቫይኪንግ ኖርወይ ሃገር ኣይነበረትን፡ እንተኾነ ግን ንኣሽቱ ሃገራት ነናተን ንጉስ ዝነበረን እየን ነይረን። ኣብ 872 ዓመተ ምሕረት ግን ሃራልድ ሆርፋርገ ዝበሃል እቲ ቀዳማይ ቫይኪንግ ንጉስ ኣብ ሙሉእ ኖርወይ ነገሰ። ኣብቲ ዘመን እቶም ኣብ ስካንዲነቪያ ዚነብሩ ቫይኪንግ ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም። ብዙሓት ቫይኪንግ ናብ ካልእ ሃገረ ኣውሮጳ ተጓዒዞም ኢዮም። ገሊኦም ነጋዶ ነይሮም፡ ኣቑሑት ይሸጡን ይዕድጉን ካልኦት ከኣ ዚሰርቁን ዚቀትሉን ተዋጋእቲ ነይሮም፡፡ ሎሚ ግን ብዛዕባ ቫይኪንግ ክንዛረብ ከሎና ተዋጋእቲ ምንባሮም ኢና ንሓስብ። ክርስትና ኣብ ኖርወይ ኣብ 1000 ዓመተ ምሕረት ኣቢሉ እዩ ኣትዩ። ክርስትና ኸኣ ነቲ ናይ ቀደም እምነት ኣማልኽቲ ኑረነ ተኪእዎ። Borgund stavkirke

ሕብረት ዴንማርክ – ኖርወይ

ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዴንማርክ ዓቢ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ኖርወይ ከተሕድር ኪኢላ፡ ካብ 1397 ጀሚሩ ኸኣ ኖርወይ ብዕላዊ ሕብረት ምስ ዴንማርክን ሽወደንን ጀሚራ። እቲ ሕብረት ሓደ ሓባራዊ ንጉስ ነይሩዎ ንሱ ኸኣ ወዲ ዴንማርክ ኔሩ። በብቁሩብ ሽወደን ካብቲ ሕብረት ኣንሳሒባ እንተኾነ ግን ሕብረት ኖርወይን ዴንማርክን ክሳብ 1814 ጸኒሑ። እቲ ፖለቲካ ካብ ዴንማርክ ይምራሕ ኔይሩ። ኮፐንሃገን ባህላዊ ማእከል እያ ኔራ፡ ኖርወጂያውን ከኣ ብቋንቋ ዴንማርክ እዮም ዚጽሕፉን ዜንብቡን ዝነበሩ። ሓረስቶት ኖርወይ ኣብ ኮፐንሃገን ንዝርከብ ንጉስ ግብሪ ይኸፍሉ ነይሮም።.

ምፍራስ ሕብረትን ሓዲሽ ሕብረትን

Eidsvoll1814 - © Stortingsarkivet/ foto: Teigens fotoatelier as

1814 ኣብ ታሪኽ ኖርወይ ኣገዳሲት ዓመተምሕረት እያ። 17 ግንቦት ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኖርወይ ናታ ቅዋም መስሪታ። ኣብ መጀመርታ 19 ክፍለዘመን ብዙሕ ኲናታት ኔሩ ኣብ ኤውሮፓ። ሓደ ካብኡ ኣብ መንጎ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝነበረ ዓቢ ውግእ እዩ። ደንማርክ-ኖርወይ ምስ ፈረንሳ ወጊነን ስለዝነበራ ፈረንሳ ኲናት ምስተሳዕረት ንጉስ ደንማርክ ንኖርወይ ናብ ሽወደን ከረክባ ተገዲዱ፣ ሽወደን ምስ ዓዲ እንግሊዝ እያ ወጊና ኔራ።

ኣብ 1814 ኣብ መንጎ ዳንማርክን ኖርወይን ዘሎ ሕብረት ፈሪሱ። ብዝሕ ዝበሉ ኖርወጃውያን ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ኖርወይ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን እያ ኢሎም ተተስፍዮም ኔሮም፣ 112 ልዑል ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ከኣ ካብ ደቡባዊ ክፋል ናይዚ ሃገር መጺኦም ኣብ ኣይድስቮል ኣብ ዞባ ኣከርስሁስ ተኣኪቦም። ሓደ ካብቲ ኣብኡ ክገብሩዎ ዝደለዩ ዕማማት ከኣ ንልኡላዊት ኖርወይ ዝኸውን ቅዋም ምጽሓፍ እዩ ኔሩ። ይኹን ደኣ እምበር ኖርወይ ብግዴታ ብሕብረት ምስ ሽወደን ተቖሪና ፣ኣብ ሕዳር 1814 ከኣ ሕብረት ሽወደንን ኖርወይን ተመስረተ። ሕብረት ምስ ሽወደን ካብቲ ናይ ቅድም ምስ ደንማርክ ዝነበረ ሕብረት ፍኹስ ዝበለ እዩ ኔሩ። ኖርወይ ቅዋማ ምስ ገለ ለውጥታት ክትዕቅብ ክኢላ፣ ከምኡውን ውሽጣዊ ርእሰ-ምሕደራ ኔሩዋ። ፖለቲካ ጉዳያት ወጻኢ ብሽወደን ይምሕደር ኔሩ፣ ንጉስ ክልቲአን ሃገራት ከኣ ሽወደናዊ እዩ ኔሩ።
Eidsvollbygningen

ሃገራዊ ፍቕርን መንነት ኖርወይን

Brudeferd i Hardanger (Hans Gude & Adolph Tidemand, © Nasjonalmuseet for kunst, arkitektur og design)

ኣብ ከባቢ መፋርቕ ዓመታት 1800 ኣብ ኤውሮፓ ኣብ ስነጥበብን ባህልን ሃገራዊ ፍቕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝንባለ ክዓቢ ጀሚሩ። ፍሉይ ሃገራዊ መለለዪታት ምጉላሕ ኣገዳሲ ኮይኑ፣ ከምኡውን ኣዕቢኻን ኣጸቢቕካን ምቕራብ። ኣብ ኖርወይ ከኣ ውቁብ ባህሪኣ ተሓርዩ ይቐርብ ኔሩ፣ ከምኡን ሕብረተሰብ ሓረስቶት ከም ‘’ፍሉይ ኖርወጃውነት’’ ይርአ ኔሩ። ሃገራዊ ፍቕሪ ብመገዲ ስነ-ጽሑፍ፣ ስእሊን ሙዚቃን ይግለጽ ኔሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኖርወጃውያን ኣብ ናይ ገዛእ ርእዞም ሃገራዊ መንነት ዘለዎም ንቕሓት እንዳዛየደ ከይዱ። ኣብ ብዙሓት ሰባት ኖርወጃዊ ምዃን ኩርዓት እንዳሕደረ መጺኡ፣ ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ እዛ ሃገር ልኡላውነታ ክትረክብ ልዑል ድሌት ሓዲሩ።

ኣማይት ዓመታት ምስ ደንማርክ ኣብ ሕብረት ድሕሪ ምጽናሕ ጽሑፋዊ ቋንቋ ኖርወይ ዳንማርከኛ እዩ ኔሩ። እቲ ሎሚ ከም ቡክሞል ንፈልጦ ጽሑፋዊ ቋንቋ ካብ ዳንማርከኛ ዝመጸ እዩ። ሃገራዊ ፍቕሪ ልዑል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ኖርወጃውያን ጽሑፋዊ ቋንቋኦም ናቶም እምበር ካብ ናይ ደኒሽ ዝመጸ ክኸውን የብሉን በሃልቲ ኔሮም። በዚ ምኽንያት መርማሪ ቋንቋ ኢቫር ኦሰን ኣብ ኖርወይ ብምሉኡ ብምጋሽ ቋንቋዊ ኣብነታት ካብተን ዝተፈላለየ ላህጃታት ኣኪቡ። ነዘን ኣብነታት ብምጥቃም ከኣ ሓደሽ ጽሑፋዊ ቋንቋ መስሪቱ፣ ኒኖርሽክ። ኒኖርሽክን ቡክሞልን ካብ 19 ክፍለዘመን ኣትሒዙ ብዙሕ ማዕቢሉ እዩ፣ ግን ኖርወይ ጌና ክልተ ወግዓዊ ዓይነታት ቋንቋ ኖርሽክ ኣለዋ፣ኣብ ርእሲ ሳሚስክን ክቨንስክን።

ምዕባለ ኢንዱስትሪ ኣብ ኖርወይ

Fabrikkarbeidere 1880, (Oslo Museum, fotograf: Per Adolf Thorén)

ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለዘመን ከባቢ 70 ሚእታዊት ህዝቢ ኖርወይ ኣብ ገጠር እዩ ዝቕመጥ ኔሩ። መበዛሕትኦም ከኣ ኣብ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን እዮም ዝዋፈሩ ኔሮም። ንብዙሓት ሂወት ጽንኩር ኔሩ። ብዝሒ ህዝቢ እንዳወሰኸ ይኸይድ ኔሩ፣ ንኹሉ ሰብ እኹል መሬትን ስራሕን ድማ ኣይነበረን። ጎኒ ጎኒ እዚ ከኣ ኣብ ከተማታት ለውጥታት ክርአ ጀሚሩ።ብዙሓት ፋብሪካታት ይኽፈታ ኔረን፣ ብዙሓት ድማ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ስራሕ ንኽረኽቡ ይግዕዙ ኔሮም። ሂወት ከተማ ንብዙሓት ዝሰርሓ ስድራቤታት ጸንኪሩወን ኔሩ። መዓልታት ስራሕ ነዊሕ፣ ኩነታት ኣቐማምጣ ከኣ ከቢድ ነበረ።ስድራቤታት ብዙሕ ግዜ ብዙሓት ቆልዑ ኔሮመን፣ ስድራቤታት ውን ብሓባር ኣብ ንእሽተይ ቤት ምስፋር ልሙድ ኔሩ። ስድራቤታት መነባብሮ ንኽክእሉዎ ውን ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ፋብሪካታት ይሰርሑ ኔሮም። ኣብ መንጎ 1850ን 1920ን ዝነበረ ዓመታት ልዕሊ 800 000 ኖርወጃውያን ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።

ናጻ ባዕላ ዝኸኣለት ሃገር

ኣብ 1905 ሕብረት ምስ ሽወደን ፈሪሱ። ንብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ኖርወጂያን ባይቶን ንጉስ ሽወደንን ብዛዕባ ብዙሕ ጉዳያት ፖለቲካ ዘይምስምማዕ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ብዙሓት ሰባት ኖርወይ ናጻ ባዕላ ዚኸኣለት ሃገር ክትከውን ኣለዋ ብማለት ሓሳቦም ገሊጾም። 7 ሰነ 1905 ባይቶ ኖርወጂያን ካብዚ እዋን ጀሚሩ ንጉስ ሽወደን ንጉስና ኣይኮነን ከምኡ’ውን ሕብረት ምስ ሽወደን ፈሪሱ እዩ ኢሉ ኣዊጁ። መልሰ-ግብሪ ሽወደን ከኣ ብርቱዕ ነይሩ። ዳርጋ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ውግእ ክባራዕ ቁሩብ ተሪፍዎ ነይሩ። ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ክልተ ረፈረንደም ተገይሩ፡ ውጽኢቱ ኸኣ ሕብረት ምስ ሽወደን ይፍረስ ዝብል ነይሩ። እቲ መንግስቲ ኸኣ ንጉሳዊ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ። ነቲ ልኡል ካርል ወዲ ዴንማርክ ውን ከም ሓዲሽ ንጉስ ኖርወይ ተመሪጹ፣ ስም ንጉስ ሆኮን ዝብል ኖርወጂያዊ ስም ተዋሂብዎ። ንጉስ ሆኮን 7ይ ካብ 1905 ጀሚሩ ንጉስ ኖረወይ ነይሩ። ኣብ 1957 ከኣ ዓሪፉ።

ኣብቲ መጀመርታ ፍርቂ ናይ 20 ክፍለ ዘመን

Vannkraftverk

ቀዳማይ መፋርቕ 19 ክፍለዘመን

ኖርወይ ሓይሊማይ ብምጥቃም አለክትሪክ ከተፍሪ ጀሚራ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ብዙሓት ኢንዳስትሪታት ተመስሪተን። ጉልበት ስራሕ ኣድላይነቱ እንዳዛየደ ከይዱ፣ ከተማታት ከኣ ዕብየተን ቀጺሉ። ርእሱ ዝኸኣለ ሕጊ ትካላት ሓይሊ ማይ ብብሕታዊ ኣካላት ከምዝህነጽ ጌሩ፣ ግን እቲ ባህርያዊ ሃብቲ ሓይሊ ማይ ግን ኣብ ዋንነት መንግስቲ ከምዝጸንሕ ተጌሩ።

ካብ 1914-1918 ዝነበረ ዓመታት 1 ይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤውሮፓ ይኸይድ ኔሩ። ኖርወይ ዋላ ኳ ኣብቲ ኲናት ብንጥፈት ኣይትሳተፍ፣ ቁጠባዊ ሳዕቤናት ግን ጸልዩዋ እዩ። ኣብ 1930 ዝነበራ ዓመታት ኣብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ቁጠባዊ ቅልውላው ኔሩ። ብዙሓት ስርሖምን ገዝኦምን ስኢኖም። ዋላ ኳ ኩነታት ኣብ ኖርወይ ማዕረ ካልእ ቦታታት ጽንኩር ኣይንበር፣ ‘’ጽንኩራት ዓመታት 1930ታት’’ ብምባል ይዝከር እዩ።

2ይ ውግእ ዓለም 1939/1940 – 1945

Stortinget med tysk banner 1940-45, (Oslo Museum, ukjent fotograf)

2 ይ ኲናት ዓለም መስከረም 1939 ጀርመን ንፖላንድ ምስ ወረረታ ጂሚሩ። ኖርወይ ብሓይልታት ጀርመን 9 ሚያዝያ ተወሪራ። ቃልሲ ኣብ ኖርወይ ንገለ ሳምንታት ጥራሕ ምስ ጸንሐ እያ ኖርወይ ኢዳ ሂባ። ንጉስን መንግስትን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዶም፣ ኣብኡ ኮይኖም ከኣ ኖርወይ ነጻ ከውጽኡ ቃልሶም ቀጺሎም። ኖርወይ ሽዑ ምስ ጀርመን ምሕዝነት ዝነበሮ፣ ግን ከኣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይተመርጸ መንግስቲ ትመሓደር ኔራ፣ ብ ቪድኩን ክዊስሊንግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ።

ሽሕ’ኳ ኣብ መሬት ኖርወይ ብዙሕ ቀጥታዊ ግጥማት እንተዘይነበረ፣ ብዙሓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኔረን፣ ሽርሒ ዝፍጽማ፣ ዘይሕጋዊ ጋዜጣታት ዝዕድላን ሲቪላዊ ኣብያ ዝውድባን፣ ኣንጻር ወረርቲ ጀርመናውያን ዘይንጡፍ ተጻብኦ ዘርእያ ኔረን እየን።

ብዙሓት ኣብዘን ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝነበሩ ካብ ሃገር ክስደዱ ተገዲዶም። ኣብ ግዜ 2 ይ ኲናት ዓለም ከባቢ 50000 ኖርወጃውያን ናብ ሽወደን ተሰዲዶም።
ኣብ ሰሜን ኖርወይ ብዙሓት ተቐቲሎም፣ መብዛሕትኡ ክፋል ፊንማርክን ኑርድ-ትሩምስን ከኣ ፈሪሱ ጸኒሑ ጀርመናውያን ካብኡ ምስ ኣንሳሓቡ። ሂትለር ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መብዛሕትኡ ህንጻታታትን ትሕተ-ቅርጺን ኣንዲዶሞ፣ ምእንታን ሰራዊት ሶቭየት ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጸጋታት ከይጥቀሙሉ።
ኣማስያኦም ጀርመናውያን ኣብ ብዙሓት ግንባራት ክሰዓሩ ጀሚሮም፣ ኣብ ግንቦት 1945 ከኣ ኢዶም ክህቡ ተገዲዶም። ከባቢ 9500 ኖርወጃውያን ብምኽንያት እዚ ኲናት ሞይቶም።

ኖርወይ ኣብ ዘመናዊ ዘመን

En oljeplattform

ድሕሪ ኲናት ሃገር ዳግመ ህንጻ የድልያ ኔሩ። ልዑል ዋሕዲ ኣቕሓ ኔሩ፣ ንህዝቢ ከኣ እኹል ገዛውቲ ኣይነበረን። ዳግመ ህንጻ ብዝቐልጠፈ ክሰልጥ ምትሕብባርን ሓድነትን ግድን ኔሩ። መንግስቲ ንቑጠባን ምህላኽን ብከቢድ ይቆጻጸሮ ኔሩ።

ድሕሪ ኲናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩአን) ተመስሪቱ። ቀዳማይ ዕላማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ፍትሕን ሰላምን ከምዝሰፍን ምግባር እዩ። ኖርወይ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ኣብዚ ውድብ ዝኣተወት እያ፣ ኣብ ሕዳር 1945።

ድሕሪ ኲናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃገራት ኤውሮፓ ቁጠባዊ ሓገዝ ክቕበላ ዕድል ከፊታትለን። እዚ ቁጠባዊ ሓገዝ ብውጥን-ማርሻል ይፍለጥ፣ ነተን ተቐበልቲ ሃገራት ከኣ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ጠለባት ጠሊባ። ኖርወይ ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ኮሮና ደገፍ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ኣመሪካ ተቐቢላ። ኣብ 1949 ኖርወይ ካልኦት 11 ሃገራትን ውዕል ኣትላንቲክ ፈሪመን። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ሰሜን ኣትላንቲካዊ ውድብ ምክልኻል ናቶ ተመስሪቱ። ጥቡቕ ዝምድና ኣብ መንጎ ምዕራብ ኤውሮፓን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዓመታት 1950ን 1960ን ቁጠባ ኖርወይ ብተዛማዲ ጽቡቕ ኔሩ፣ መንግስቲ ንህዝቢ መነባብሮኡ ዘመሓይሽ ለውጥታት ኣተኣታትዩ። ኣብ 60-ታት ብዙሓት ትካላት ነዳድን ጋዝን ኣብ ኣፍደገ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ከናድያ ደልየን። ልክዕ ከምቲ ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ሓይሊ ማይ ዝተገብረ ሃብቲ ነዳዲ ውን ኣብ መንግስታዊ ዋንነት ተዓቂቡ፣ ብሕታውያን ትካላት ከኣ ንኽደልያ፣ ፍሒረን ነዳዲ ከውጽኣ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ንዝተወሰነ ጊዜ ፍቓድ ክገዝኣ ተፈቒዱለን። ኣብ 1969 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ነዳዲ ተረኺቡ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ከኣ ኖርወይ ከም ነዳዲት ዘለዋ ሃገር ማዕቢላ። ኣብዚ እዋን እዚ ኖርወይ ኣብ ዓለምና ካብተን ዝለዓለ ሰደድ ነዳዲ ዘለወን ሃገራት ኮይና ኣላ፣ ነዳዲ ኢንዳስትሪ ከኣ ኣብ ቁጠባ ኖርወይ ልዑል ተራ ይጻወት።

ዓበይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ውን ኣብ ምዕባለ ዘመናዊት ኖርወይ ዓቢ ተራ ተጻዊተን እየን። ብፍላይ ከኣ ምንቅስቓስ ሸቃሎን ምንቅስቓስ ደቀንስትዮን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቶም። ምንቅስቓስ ሸቃሎ መበቆሉ ካብ 17 ክፍለዘመን ዋላ ኳ እንተኾነ ካብ ዓመታት 1880 ኣትሒዙ እዩ ተወዲቡ ናይ ኢንዳስትሪ ስራሕ እንዳበዝሐ ምስ ከደ። ካብ ዓመታት 1920 ከኣ እዚ ምንቅስቓስ ጽልዋኡ እንዳ ዓበየ ከይዱ። ምንቅስቓስ ሸቃሎ ንሸቀልቲ ዝሓሸ ኩነታት ስራሕ ክግበር ተቓሊሱ፣ ገለ ካብኡ ዝሓጸረ መዓልታት ስራሕ፣ ዝሓሸ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ስራሕ፣ መድሕን ሕማምን መሰል ቁጠባዊ ደገፍ ኣብ ግዜ ሽቕለት ኣልቦነትን እዮም ኔሮም።

ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብና ንመሰላት ደቀንስትዮ፣ ማዕርነት ኣብ መንጎ ጾታታትን፣ ደቅተባዕትዮን ደቅንስትዮን ማዕረ ዕድላት ክህልዎም ተቓሊሰን እየን። መሰል ፍትሕ፣ መሰል ምክልኻል ጥንሲ፣ ባዕለን ምንጻል ጥንሲ ክውስና፣ ከምኡውን ደቀንስትዮ ኣብ ነፍሰን ባዕለን ክውስና መሰል ክህልወን ካብቲ ንምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ኣገደስቲ ዝነበረ ጉዳያት እዩ። ኣብ 1978 ሕጊ ምኹላፍ ጥንሲ(ሕጊ ምንጻል) መጺኡ። እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ዝህቦ መሰላት፣ ጥንሲ ቅድሚ መበል 13 ሰሙን ደቀንስትዮ ጥንሲ ክንጽላ ከምዝኽእላ እዩ።

/

ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብና ንመሰላት ደቀንስትዮ፣ ማዕርነት ኣብ መንጎ ጾታታትን፣ ደቅተባዕትዮን ደቅንስትዮን ማዕረ ዕድላት ክህልዎም ተቓሊሰን እየን። መሰል ፍትሕ፣ መሰል ምክልኻል ጥንሲ፣ ባዕለን ምንጻል ጥንሲ ክውስና፣ ከምኡውን ደቀንስትዮ ኣብ ነፍሰን ባዕለን ክውስና መሰል ክህልወን ካብቲ ንምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ኣገደስቲ ዝነበረ ጉዳያት እዩ። ኣብ 1978 ሕጊ ምኹላፍ ጥንሲ(ሕጊ ምንጻል) መጺኡ። እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ዝህቦ መሰላት፣ ጥንሲ ቅድሚ መበል 13 ሰሙን ደቀንስትዮ ጥንሲ ክንጽላ ከምዝኽእላ እዩ።

 

ጭብጢ

ሎሚ ኖርወይ

ሎሚ ኖርወይ ዘመናዊት ዴሞክራሲያዊት ዝለዓለ ድሕንነት ዘለው ሃገር እያ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ጽቡቕ ኤኮኖሚ ዘለዎም እዮም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመጠኑ ልዕል ዝበለ ትምህርቲ ኣለዎ። ደቂ ተባዕትዮ ኾነ ደቀኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ይዋስኡ እዮም። እቲ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ ሕግጋትን ስርዓትን ይምራሕ እዩ። እዚ ነቶም ነበርቲ ትምህርቲ፣ ሓገዝጥዕናን ሓገዝ ኤኮኖሚን ከም ኣድላዪነቱ ውሕስነት ይገብረሎም።
እዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብቴክኖሎጂን ኮምፒዩተርን ቁልጡፍ ምዕባለ ተረኺቡ። እዚ ኸኣ ንኖርወጂያን ሕብረተሰብ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ብዙሕ ቦታ ስራሓት ክኽፈት ተኻኢሉ፣ ኣሰራርሓ መልክዕ ተለዊጡ፣ ግላዊ ናብራ ናይቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ’ውን ተለዊጡ።
ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ኖርወይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘለዋ ሕብረትሰብ ኮይና።
.