ሓዳርን ስድራቤትን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ሓዳርን ስድራቤትን
ሓዳርን ስድራቤትን
- ሰላሳ ሚእታዊት ካብቶም ብሓባር ዝነብሩ መጻምድቲ እዮም። ሰብዓ ሚእታዊት ካብቶም ብጽምዲ ዝነበሩ ድማ ምርዑዋት እዮም።
- ገምጋማዊ ዕድመ ንፈለማ ግዜ ዝምርዓዉ ደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ኣብ መንጎ ሰላሳን ኣርብዓን ዓመት’ዩ።
- ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዓመት ካብ ሓምሳ ሽሕ ቅሩብ ልዕል ዝበሉ ቆልዑ ኣብ ኖርወይ ይውለዱ።
- ደቂ’ንስትዮ ኣብ ኖርወይ ነፍስወከፈን 1,4 ቈልዑ ኣቢለን ይወልዳ (2023)።
ምንጪ፡ SSB
ዝተፈላለየ ዓይነታት ስድራቤታት
መብዛሕትኦም ሰባት ሓደ ክፋል ናይ ሓንቲ ስድራቤት’ዮም። ገለ ካብኣቶም ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራቤቶም ክነብሩ ከለዉ ገለ ኸኣ ንበይኖም ዝነብሩ እዮም። እቶም ንበይኖም ዝነብሩ መብዛሕትኡ ግዜ ስድራቤት ኣሎዎም። እንተኾነ እቶም ስድራቤታቶም ምናልባት ኣብ ካልእ ገዛ፡ ኣብ ካልእ ከተማ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ።
ሓንቲ ስድራቤት ክብሃል ከሎ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ዝነበሩን ሓባራዊ ቍጠባ ዘሎዎምን ሰባት ማለት’ዩ። ሓንቲ ስድራቤት ብሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰብ ክትቐውም ትኽእል። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኖርወይ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ብገምጋም ካብ ክልተ ሰባት ቍሩብ ብዝሕ ዝብሉ ሰባት ይነብሩ።
ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ኖርወይ ከመይ ክትመስል ከም ትኽእል ዘርኢ ገለ ኣብነታት እንሆ -
ሰብሓዳር
ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ኖርወይ ዳርጋ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ መጻምድቲ ይምርዓዉ። ሓደ ዝምርዖ ሰብ ልዕሊ 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ ብፍታው ክኣ ክምርዖ ኣለዎ። ካብ 2009 ኣትሒዙ ክልተ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘሎዎም ሰባት ኣብ ኖርወይ ክመራዓዓዉ መሰል ኣሎዎም። ዝተመራዓዉ ነንሓድሕድኩም ክትተኣላለዩ ግቡእ ኣሎዎም። ለቓሕ ዝልቅሑ ሰብሓዳር ክልቲኦም ነዚ ለቓሕ’ዚ ተሓተትቲ እዮም። እቲ ብሓባር ዝዓደጉዎ ንብረት ድማ ብሓባር ይውንኑዎ። እዚ ወላ እቲ ሓደ ሰብ ጥራይ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝሰርሕ ይኹን ብሓባር ይውንኑዎ። ካብ 2020ን ጀሚሩ ኣብ ኖርወይ ዝተወልዱ ህጻናት ብመሰረቱ ወለዲ ናይ ሓባር ወለዲ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ነቶም ተመርዕዮም ብሓንሳብ ዝነብሩ፡ ብሓባር ተኣኻኺቦም ዝነብሩ ወይ ብሓባር ዘይነብሩ ወለዲ ይምልከት።
ዳርጋ ኣርባዓ ሚእታዊት ካብቶም ዝምርዓዉ ድሒሮም ክፋትሑ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ደቂትባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ፍትሕ ክሓቱ ይኽእሉ። እቲ ቀንዲ መምርሒ ፍትሕ ቅድሚ ምሕታትካ ንሓደ ዓመት ተፈላሊኻ ክትጸንሕ ኣለካ ዝብል’ዩ። እቲ ሓዳር ተገዲድካ ዝኣተኻዮ እንተዀይኑ ወይ ከኣ ኣብቲ ሓዳር ዓመጽ እንተ ኣጋጢሙ ግን ብኡንብኡ ፍትሕ ክፍጸም ይከኣል’ዩ ።
ዳርጋ ሰብዓን ሓሙሽተን ሚእታዊት ካብ ኩላቶም ቈልዑ ምስ ኣዲኦምን ኣቦኦምን ዝነብሩ እዮም። ድሕሪ ፍትሕ እታ ኣደን እቲ ኣቦን ቈልዓ ናይ ምእላይ ግቡእን መሰልን ኣሎዎም።
ብዙሓት ሰባት ከይተመርዓዉ ንዝተወሰነ እዋን ብሓባር ክነብሩ ይመርጹ። መጻምዲ/ samboere ኣብ ነንሓድሕዶም ሓደ ዓይነት ቍጠባዊ ወይ ሕጋዊ መሰላትን ግቡኣትን የብሎምን። ስለዚ፡ ብዙሓት ናብ ጠበቓ ብምኻድ ኣብ እዋን ምፍልላይ ንውርሻ ወይ ምምቓል ንብረት ዝምልከት ውዕል ይፈራረሙ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ስድራቤት እንታይ እዩ፧
- ብዛዕባ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓባራዊ ናብራ ተዘራረቡ።
- ብዛዕባ ግዝፊ ሓደ ስድራቤት ኖርወይን ዓድኻን ተዘራረቡ። እዚ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕብረተሰብ እንታይ ክነግረና ይኽእል፧ እዚ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን መዳይ ዜጋታት እንታይ ሳዕቤን ኣሎዎ፧
- እቶም ዝፋትሑ ወለዲ ንደቆም እቲ ዝሓሸ መንገዲ ክኣልይዎም ዝኽእሉ ተመያየጡ።
- ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ዝምርዓዉ ስለምንታይ መጻምድቲ ጥራይ ክኾኑ ዝመርጹ ብሓባር ተዘራረቡ።
ኣናን ሞርተንን ምርዑዋትን ክልተ ንኣሽቱ ቈልዑ ዘሎውዎምን እዮም። እቶም ቈልዑ ናብ መውዓሊ ሕጻናት ይኸዱ፡ ኣናን ሞርተንን ከኣ ምሉእ ስራሕ ኣሎዎም። ንሳቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጥቓ ወለዲ ኣና ገዛ ዓዲጎም። እቲ ገዛ ክቡር ስለ ዝኾነ ብዙሕ ናይ ባንክ ለቓሕ ኣሎዎም። ብተወሳኺ ክልቲኦም ናይ ትምህርትን መኪናን ለቓሕ ኣሎዎም። ክልቲኦም ደኺሞም’ዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ስራሕ ገዛ መን ክገብሮ ከም ዘለዎን እቲ ገንዘቦም ብኸመይ ከባጽሑዎ ከም ዝኽእሉን ይቋየቑ። ኣብ ሓደ ርሱን ቈይቍ ከለዉ ኣና፡ “ካብዚ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን’የ። ኣነ ፍትሕ’የ ዝደሊ” ኢላ!
- ብዛዕባ ኵነታት ኣናን ሞርተንን ብሓባር ተዘራረቡ። መዓልታዊ ናብራኦም ንምቅላል እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
- ኣናን ሞርተንን ክፋትሑ እንተ መሪጾም ኣብ ልዕሊ እታ ስድራቤት እንታይ ሳዕቤናት ክመጽእ ይኽእል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ስድራቤት እንታይ ማለት'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ኣብ ሓንቲ ገምጋም ስድራ ቤት ክንደይ ሰባት ይነብሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ተመርዒኻ ቈልዑ ምስ ወለድካ ሓላፍነት ምዕባይ ዝወስድ መን'ዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧