መሰል ቈልዑን መንእሰያትን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Det at det finnes en barnelov i Norge, er et eksempel på en av kjerneverdiene i samfunnet: Alle mennesker er likeverdige og beskyttet av lover og rettssystemet, uavhengig av legning, funksjonsevne, seksualitet og alder. Barn har det samme rettsvernet som voksne.

Tips til undervisninga

Det at det finst ei barnelov i Noreg, er eit døme på ein av kjerneverdiane i samfunnet, nemleg at alle menneske er likeverdige og er verna av lover og rettssystemet, uavhengig av legning, funksjonsevne, seksualitet og alder. Barn har det same rettsvernet som vaksne.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på viktige lover, regler og verdier som omhandler barn og unges rettigheter og rettsvern

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

መሰል ቈልዑን መንእሰያትን

En jente i toårsalderen står i en eng. Hun holder en løvetann og smiler bredt. Foto
GettyImages

መሰል ቈልዑን መንእሰያትን

ኣብ ኖርወይ “ሕጊ ቈልዑ “ዝብል መጸውዒ ዘሎዎ ሕጊ ኣሎና። እዚ ንቈልዑን መንእሰያት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦምን ዘገልግል ኮይኑ፡ ግቡኣት ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆምን መሰል ቈልዑ ኣብ ልዕሊ ወለዶምን ብዙሕ ይገልጽ።

ገለ ካብቲ ኣብ ሕጊ ቈልዑ ሰፊሩ ዝርከብ ኣገደስቲ ነጥብታት፡

  • ሓደ ቈልዓ ምስ ተወልደ ናብ ሃገራዊ መዝገብ ህዝቢ (ፎልከረጂስተር) መልእኽቲ ይስደድ። ኣደን ኣቦን ናይቲ ቈልዓ መን ምዃኖምን እቶም ወለዲ ብሓባር ዝነብሩ ምዃኖምን ክሕበር ኣለዎ።
  • ከም ንቡር፡ ወለዲ ቀንዲ ሓላፍነት ደቆም ኣሎዎም። ቈልዑ ድማ ካብ ወለዶም ክንክንን ሓልዮትን ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
  • ወለዲ ደቆም 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልኡ ምግቢ፡ ክዳንን ካልእ ጽቡቕ ህይወት ንኽህልዎም ዘድሊ ነገራትን ክቕርቡሎም ኣለዎም።
  • ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ኣተዓባብያ ክገብሩሎም ግቡእ ኣለዎም። ንሳቶም ወትሩ ብዛዕባ’ቲ ንደቆም ዘገድሶምን ዘድልዮምን ነገራት ክሓስቡ ኣለዎም። ሕጊ ቈልዑ ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዑ ጐንጽ ምጥቃም ይኽልክል።
  • ወለዲ ደቆም ኣብቲ ግድነታዊ ዝኾነ ናይ መባእታን ጁንዮር ደረጃ ትምህርቲ/grunnskoleopplæring ከም ዝሳተፉ ክገብሩ ኣለዎም። ንሳቶም ደቆም ምስ ክእለቶምን ድሌቶምን ዝሰማማዕ ስልጠና ንክረኽቡ ዕድል ክፈጥሩሎም ኣለዎም።
  • እቶም ወለዲ ወላ ነንበይኖም ዚነብሩ ይዅኑ እቶም ቈልዑ ብኽልቲኦም ወለዲ ክእለዩ መሰል ኣሎዎም።
  • እቲ ቈልዓ ባዕሉ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉ እዋን እቶም ወለዲ ናይ ምውሳን ግቡእን መሰልን ኣሎዎም። ወለዲ እቲ ቈልዓ እናዓበየ ክመጽእ ከሎ፡ እንታይ ከም ዝሓስብ ዝያዳ ከተኵሩሉ ኣለዎም። ሓደ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ፡ ወለዲ ብዛዕባ ነቲ ጕዳያት’ቲ ቈልዓ ዝምልከት ውሳነ ቅድሚ ምግባሮም ርእይቶኡ ክሰምዑዎ መሰል ኣሎዎ። እቲ ሕጊ ቈልዓ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ነቲ ንሱ ዝህቦ ርእይቶ ዓቢ ኣተኵሮ ክግበረሉ ኣለዎ ይብል።
  • ሓደ 15 ዓመት ዝመልኦ ቈልዓ ብዛዕባ ንትምህርቱ ዝምልከት ሕቶታት ክውስን ኣብ ማሕበራት ኣባል ክኸውን ይኹን ክገድፎ ባዕሉ ክውስን መሰል ኣሎዎ።
  • ኣብ ኖርወይ እኹል ናይ ዝብሃል ሰብ ዕድመ 18 ዓመት’ዩ። እዚ ማለት ድማ ሕጋዊ ውዕላት ክገብርን ገንዘቡ ባዕሉ ክቈጻጸሮን ዕድመኡ ኣኺሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብዚ ንድሕሪት እቶም ወለዲ ሓላፍነት የብሎምን።

ብሓባር ተዘራረቡ

Jente tenker  på hva slags klær hun vil velge. Foto
ነታ ቀይሕ ጎልፎ ደልየያ!
Far og sønn forbereder seg til fotballtrening. Foto
GettyImages ኣነ ድሕሪ ሕጂ ናብ ልምምድ ኵዕሶ እግሪ ክኸይድ ኣይደልን'የ።
Sønn snakker med mot. Foto
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ህንጻ ትምህርቲ ክመሃር ከመልክት ደልየ ኣለኹ።
Mor snakker til sønn. Foto
GettyImages ካልእ ዓይነት ሞያ ዝሕሸካ ኣይመስለካን፧ ቍጽሪ ትፈቱ እንዲኻ ግዲ።ተማሂርካ መሃንድስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
  • ብዛዕባ’ዘን ስእልታት ተዘራረቡ። እዚ ምስ ሕጊ ቈልዑ እንታይ ምትእስሳር ኣሎዎ።
  • ኣብ ካልኦት ትፈልጠን ሃገራት ቈልዑ ንዓታቶም ብዘገልግል ሕጊ ይሕለዉዶ፧
  • ሕጊ ቈልዑ ምህላዉ ማለት ንወለዲ እንታይ’ዩ፧
  • ሓደ ቈልዓ ጽቡቕ ህይወት ንኽህልዎ እንታይ ዘድልዮ ይመስለካ፧
  • ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቈልዓ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ክመርጽ ከሎ ወለዲ እንታይ ዓይነት ተራ ክህልዎም ኣለዎ፧
  • ኣብ ውሳኔታት ሕጊ ቈልዑ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘሎዎ ኣየናይ ይመስለካ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሕጊ ቈልዑ ንመን እዩ ዘገልግል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ሕጊ ቈልዑ ብዛዕባ ኣብ ኣተዓባብያ ዓመጽ ምጥቃም እንታይ ይብል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ቈልዑ ኣብ ቤትትምህርቲ መባእታ ንኽሳተፉ ምክትታል ሓላፍነት ዘሎዎ መን'ዩ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሕጊ ቈልዑ ብዛዕባ ወለዲ ንደቆም ዘሎዎም ግቡኣት ብዙሕ'ዩ ዝገልጽ።
ደቂ 15 ዓመት ዝዀኑ ቈልዑ ካብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ውድባት ኣባል ክኾኑ ወይ ኣባልነቶም ክስሕቡ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።
እቶም ወለዲ ብሓባር ዘይነብሩ እንተዀይኖም እቲ ቈልዓ ምስ ታ ኣደ ክኸውን ጥራይ'ዩ መሰል ዘለዎ።
ዕድመ እኹል ሰብ ኣብ ኖርወይ 16 ዓመት'ዩ።
ሓደ ሰብ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ ወለዲ ሕጋውን ቍጠባውን ሓላፍነት የብሎምን።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሓደ ቈልዓ ምስ ተወልደ ናብ ቤትጽሕፈት መዝገብ ህዝቢ መልእኽቲ ይስደድ።
ቈልዑ ካብ ወለዶም ክንክን ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
ወለዲ ደቆም 15 ዓመት ክሳዕ ዝመልኡ ምግብን ክዳውንትን ክቕርቡሎም ኣለዎም።
እቲ ቈልዓ ባዕሉ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉ እዋን እቶም ወለዲ ክውስኑ ግቡእን መሰልን ኣሎዎም።