ምርጫታትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Gå inn på hjemmesidene til noen av de største politiske partiene og les om hva de står for. Læreren bør også ha oversikt over og formidle de politiske forholdene lokalt i kommunen der deltakerne bor.

Da norske kvinner fikk stemmerett i 1913, var det som et av de første landene i verden. Sammenlikn gjerne med land deltakerne kjenner til.

Diskusjonsspørsmål, om aktuelt: Vil det at kvinner også har stemmerett gjøre noen forskjell på resultatene av politiske valg, tror dere?

Tips til undervisninga

Gå inn på heimesidene til nokre av dei største politiske partia og les om kva dei står for. Læraren bør òg ha oversikt over og formidle dei lokale politiske tilhøva i kommunen der deltakarane bur.

Noreg var eit av dei første landa i verda der kvinner fekk stemmerett. Det hende i 1913. Samanlikn gjerne med andre land som deltakarane kjenner til.

Diskusjonsspørsmål dersom det er aktuelt: Trur de at det har noko å seie for resultata av politiske val at kvinner òg har stemmerett?

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på hvordan demokratiet i Norge fungerer, knyttet til de tre statsmaktene og prinsippet om maktfordeling, politiske partier og valgordningen

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet
Utforsking

ምርጫታትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን

ኣብ ኖርወይ ኣብ ከክልተ ዓመት ፖለቲካዊ ምርጫ ይካየድ እዩ። ኣብ መንጎ ናይ ባይቶ ምርጫን ናይ ምምሕዳር/ኮሙነ ምርጫን (ናይ ዞባውን ናይ ምምሕዳራት ምርጫ) በብተራ ይካየድ።

እተን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብቲ ጉባኤታተን መደብ የውጽኣ። ኣብቲ ናይ ሰልፊ መደበን ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ማለት ክሳብ ኣብቲ ዝመጽእ እዋን ምርጫ ኣብ ኣየናይ ጕዳያት ኣተኵረን ክዓያ ከም ዝደልያ ብጽሑፍ የስፍራ።

ኣብ ኖርወይ ኣብ ድምጺ ምርጫ ምሃብ ብምስጢር እዩ። እዚ ማለት ከኣ ነየናይ ሰልፊ ድምጽና ከም ዝሃብና ንኻልኦት ምንጋር ኣየድልየናን ማለት'ዩ። ኣብ ብዙሕ እዋናት ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ዝርከቡ ሰባት ንዝተፈላለያ ሰልፍታት ድምጺ ምሃብ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ነየናይ ሰልፊ ከም ትድግፍ ናይ ገዛእ ርእስኻ ርእይቶ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

መሰል ድምጺ ምሃብ

  • ኣብ ኖርወይ ድምጺ ምሃብ ዕድመ 18 ዓመት እዩ።
  • ኣብ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ) ንክትመርጽ ናይ ኖርወይ ዜጋ ዘለካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ ምርጫ ዞባውን ምምሕዳራት ንምምራጽ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኖርወይ ትነብር ዝነበርካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ 1898 ዓ.ም ኖርወጃውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ ምርጫ ድምጺ ምሃብ መሰል ክወሃቦም ከሎ ኣብ 1913 ዓ.ም ከኣ ኖርወጃውያን ደቂ-ንስትዮ ምርጫ ድምጺ ምሃብ መሰል ረኺበን።

ፖለቲካዊያን ሰልፍታት

ኣብ ኖርወይ ኣስታት ዕስራ ዝኾና ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣለዋ። ምርጫ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ካብ መንጎአን ንኽትመርጽ ብዙሕ ኣማራጽታት ኣሎካ።
ነተን ዓበይቲ ዝብሃላ ሰልፍታት ካብ “ሶሻሊስቲክ (ደሳዊ) ” ናብ “ቡርገርሊ(ዓቃቢ)” ብምባል ብሓርፋፍ ደረጃ ከምዚ ዝስዕብ ክንሰርዐን ንኽእል ኢና፡

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብተን ትፈልጠን ሃገራት ፖለቲካዊ ምርጫ ብኸመይ ይካየድ፧
  • ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ድምጺ ምሃብ ኣገዳሲ ይመስለካዶ፧ ስለምንታይ እወ፧/ ስለምንታይከ ኣይፋል፧
  • ብዛዕባ እተን ኣብ ኖርወይ ዘለዋ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እንታይ ትፈልጥ፧
  • ብዛዕባ እዘን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን እንታይ መርገጺ ከም ዘሎወን ንምፍላጥን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ መን ይብሃል/ትብሃል፧ ነየናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይውክል/ትውክል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ክንደይ እዋን ፖለቲካዊ ምርጫታት ይግበር፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ዝካየድ ምርጫ ድምጺ ምሃብ ምስጢራዊ እዩ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ክንደይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣለዋ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኖርወጃውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ 1913 ድምጺ ምሃብ መሰል ተዋሂቡዎም።
ንሰልፍታት ካብ "ሶሻሊስታውያን/ማሕበራውያን" ክሳብ "ዓቃባውያን" ኢልና ከንምድበን ንኽእል።
ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ዞባን ምምሕዳር ከባብን ድምጺ ንምሃብ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ።
ኣብ ኖርወይ ድምጺ ናይ ምሃብ ዕድመ 16 ዓመት እዩ።
ኣብ ምርጫ ሃገራዊ ስቶርቲንገ ድምጺ ንምሃብ ናይ ኖርወይ ዜጋ ክትከውን ኣለካ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ዓመት ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ይግበር።
እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ሃገራዊ ኣኼባታተን ፖለቲካዊ መደበ ይውስና።
ኣብ ኖርወይ ዝግበር ምርጫ ድምጺ ምሃብ ብምስጢር ኣይኰነን ።
ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ዘለዉ ሰባት ንሓደ ሰልፊ ክመርጹ ኣለዎም።
ኣብ ኖርወይ ዳርጋ ዕስራ ዝኾና ሰልፍታት ፖለቲካ ኣለዋ።

ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ

ነተን ዓቃባውያን ሰልፍታት ዝኾና ኣብቲ ክቢ ጠውቕ።

choice-image

ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ

ነተን ሶሻሊስታዊ/ማሕበራዊ ሰልፍታት ዝኾና ኣብቲ ክቢ ጠውቕ።

choice-image