ሰብኣዊ መሰላት

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Læreren må sjekke hvilket forhold deltakerne har til FN og menneskerettigheter.

Hvilke menneskerettigheter kjenner deltakerne til? Om det passer, diskuter deltakernes hjemland og menneskerettigheter.

Tips til undervisninga

Læraren må finne ut kva deltakarane veit og tenkjer om FN og menneskerettane.

Kva for menneskerettar kjenner deltakarane til? Om det passar, diskuter menneskerettar og heimlanda til deltakarane.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om menneskerettigheter som ytringsfrihet og vern mot diskriminering

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ሰብኣዊ መሰላት

Illustrasjonsfoto.
GettyImages

ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ሰብ ዝምልከት’ዩ። እዚ መሰላት’ዚ ዘሎና ሰባት ስለ ዝዀንና ደኣ’ምበር - ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ስለ ንነብር ወይ ከኣ ኣባላት ሓደ ሃይማኖት ወይ ዓሌታዊ ጕጅለ ስለ ዝዀንና ኣይኰነን። ስለዚ ኢና ድማ ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ እዩ ንብል።

ኣብ 1948 ዓ.ም ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ተኣዊጁ። ኩላተን እተን 193 ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣዋጅ’ዚ ተቐቢለኖኦ እየን። ዓበይቲ ክፋላት ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ኣብ ሕግታት ኖርወይ ሰፊሮም እዮም።

ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ገለ ካብቲ ዝገልጾ ነገራት፡-

  • ኩላቶም ሰባት ሓደ ዓይነት ሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ መሰላትን ሒዞም፡ ናጻ ኮይኖም እዮም ተወሊዶም።
  • ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዜግነትን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዘየገድስ ኩላቶም ሰባት ሓደ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎዎም።
  • ኩላቶም ሰባት ናጽነትን ውልቃዊ ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም
  • ኵሉ ዓይነት ምስቓይ ክልኩል እዩ።
  • ኩላቶም ሰባት ግቡእ ናይ ፍርዲ ውሕስነት ክህልዎም ኣለዎም።
  • ኩሉ ሰብ ናጻ ዝኾነን ብምስጢር ምድማጽ ዝግበር ምርጫ ብምስታፍ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ክጸሉ መሰል ኣሎዎ።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ነቲ ብ ው.ሕ.ሃ. ዝተኣወጀ ሰብኣዊ መሰላት ትፈልጦዶ፧
  • ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘሎ ኵነታት መነባብሮ ገለ ጽልዋ ዘለዎ ይመስለካዶ፧
  • ኩላተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ንኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ይስዕቦኦ ድየን፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

መዓስ እዩ ናይ ው.ሕ.ሃ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ተወሲኑ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሰብኣዊ መሰላት ንመን ዝምልከት'ዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ካብዞም ኣማራጽታት ኣየኖት እዮም ሰብኣዊ መሰላት ዘይኮኑ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ ምሉእ ሓሳባት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ንሕና ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ (ዓለምለኻዊ) እዩ ንብል።
ንሕና ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ኣይኮነን ንብል።
ንሕና ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ዓይነት'ዩ ኢና ንብል።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ናይ ው.ሕ.ሃ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1948 ጸዲቑ።
ኩላቶም ሰባት ማዕረ ሰብኣዊ መሰል ኣሎዎም።
ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ፍሉይ ኵነታት ንሰባት ምስቓይ ሕጋዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል።
ዓቢ ክፋል ውሳኔታት ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ኣብ ሕግታት ኖርወይ ተዋሃሂዱ (ኣትዩ) ኣሎ።
ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምርጫ ድምጺ ምሃብ ክፉት ክኾኑ ኣለዎም፡ እንታይ ከም ዘድመጽካ ድማ ክትነግር ኣለካ ይብል።