ግዱድ መርዓ
ግዱድ መርዓ
ገለ ካብ ሕጊ መርዓ፡
- ዝዀነ ይኹን ሰብ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኡ፡ ምርዑው ዘየሎ ኣብ ኖርወይ ድማ ሕጋዊ መንበሪ ዘሎዎን ሰብ ኣብዚ ይኽእል’ዩ።
- ኵሉ ዝፍጸም ሓዳር ብፍታው ክግበር ኣለዎ። ደቂ’ንስትዮን ደቂትባዕትዮን ማዕረ መጻምድቶም ናጻ ዀይኖም ክመርጹ መሰል ኣሎዎም። ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብጎነጽ፡ ናጽነት ምኽላእ፡ ጸቕጢ ምግባር ወይ ብምፍርራሕ ምግዳድ መውስቦ ምግባር ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዕ ይኽእል። ተሓባባሪ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይቕጻዕ።
- ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ወይ ተመሳሳሊ ጾታ ዘሎዎም ሰባት ሓዳር ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።
መጻምድቲ ምርካብ
ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓዳር፡ እቶም ክልተ ክምርዓዉ ዝደልዩ ዘለው ሰባት ባዕላቶም ነንሓድሕዶም ተራኺቦም ክምርዓዉ ይውስኑ።
ብቤተሰብ ዝግበር ሓዳር፡ ወለዲ ወይ ስድራቤት መጻምድቲ ንደቆም ክረኽብሎም ኣገዳሲ ተራ ኣሎዎም። እቶም ቈልዑ ነቲ ምርጫ ናይ ወለዶም ይቕበሉዎ።
ግዱድ መርዓ፡ ወለዲ ንደቆም መጻምድቲ ይረኽቡሎም፡ ይውሓድ ይብዛሕ ድማ ንኽምርዓው ብዙሕ ጸቕጢ ይገብሩሎም። ኣብ ኖርወይ ሓደ ሰብ ንኽምርዖ ምግዳድ ክልኩል’ዩ። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንኽምርዖ ዘገድድ ወይ ጸቕጢ ዝገብር ሰብ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሕጊ ኖርወይ ግዱድ መርዓ/መውስቦ ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ፡ እቲ ንኽምርዖ ዝተገደደ ወይ ጸቕጢ ዝተገብረሉ ሰብ ናብ ቤትፍርዲ ኖርወይ ብምኻድ ነቲ ሓዳር ከፍርሶ ይኽእል’ዩ። እዚ እንተ ደንጐየ መርዓ ካብ ዝተገብረሉ ግዜ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ክኸውን ኣለዎ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ መንጎ እዚ ሰለስተ ዓይነት ሓዳር ንጹር ደረት ኣሎዶ፧
- ምግዳድ ንዝብል ንገልጸሉ መንገዲ ዝተተፈላለየ ክኸውን ይኽእልዶ፧
ሚና ጓል 18 ዓመት እያ። ንሳ ጓል 10 ዓመት ከላ ምስ ወለዳ ናብ ኖርወይ መጺኣ። ሕጂ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ወዲኣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምጅማር ብተስፋ ትጽበ’ላ። ንሳ ሲቪል መሃንድስ ክትመሃር ኣመልኪታ ቦታ ንምርካብ ብሃንቀውታ ትጽበ’ላ።
ኣብ መጻኢ ክትምርዖን ቈልዑ ክትወልድን ትደሊ እያ። ንሳ ልክዕ መዓስ ከም ትምርዖን ንመን ከም ትምርዖን ባዕላ ክትውስን’ያ ትደሊ። እንተኾነ ወለዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ሓዳር ብዙሕ ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ብዛዕባ ሓደ ኣብ ዓዶም ዘሎ እሞ ንሚና ምሉእ ብምሉእ ዝበቅዕ ዘመዶም እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ሚና ለይቲ ጽቡቕ ኣይትድቅስን ኣላ። ድሌት ወለዳ ተኽብር’ኳ እንተዀነት ብዛዕባ ህይወታ ግን ባዕላ ክትውስን’ያ ትደሊ።
- ብዛዕባ ኵነታት ሚና ተመያየጡ።
- ወለዳ ከመይ እዮም ዝሓስቡ፧
- ነዚ ስድራቤት’ዚ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ዝኸውን እንታይ’ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ክትምርዖ ብሕጊ ዝፍቀደካ መዓስ'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ክምርዖ ዝኽእል መን'ዩ?
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ስድራቤት ንደቆም መጻምድቲ ንክረኽብሎም ኣገዳሲ ተራ ምስ ዝጻወቱ እቲ ሓዳር በየናይ መለለዪ ይፍለጥ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧