ናብ ስራሕ ዝወስድ መንገድታት

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Det er vanlig å starte arbeidslivet sitt i Norge med vikariater, engasjementer, småjobber, osv.

Det er viktig å snakke om hva nettverk har å si, både for det sosiale sin del, men også for å få jobb. Diskuter hvordan man kan få flere mennesker i nettverket sitt. Fungerer dette på ulike måter i Norge og i deltakernes hjemland?

Tips til undervisninga

Det er vanleg å starte arbeidslivet sitt i Noreg med vikariat, engasjement, småjobbar osv.

Det er viktig å snakke om kva nettverk har å seie, både for det sosiale sin del, men òg for å få jobb. Diskuter korleis ein kan få fleire menneske i nettverket sitt. Fungerer dette på ulike måtar i Noreg og i heimlanda til deltakarane?

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

bruke kunnskap om arbeidslivet til å ta hensiktsmessige valg knyttet til opplæring, utdanning og arbeid

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ናብ ስራሕ ዝወስድ መንገድታት

Et nærbilde av en manns hender som skriver på en PC. På PC-en ser vi en CV. Mannen søker jobber. Foto
GettyImages

ኣብ ኖርወይ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ ዝተፈላለየ ኣማራጽታት ኣሎካ፦

  • መርበባት ርክብ ምጥቃም
  • ኢንተርኔት፦ nav.no ከምኡ’ውን finn.no
  • ግዜያዊ ሰራሕተኛ ዝቘጽራ ትካላት

ብዙሓት ኣስራሕቲ መወከሲ ዝኾኑ ሰባት ክህልዉኻ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዖም። ነቶም ናይ ቀደም ኣስራሕቲ እቲ ኣመልካቲ ኣብቲ ስራሕ ከመይ ከም ዝነበረ ይውከሱዎም። ናይ ቀደም ሓላፊኻ ወይ መሳርሕትኻ ዝነበረ ሰብ ጽቡቕ መወከሲ ክኸውን ይኽእልዩ።

ኣብ ኖርወይ ናይ መጀመርያ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ ክምስሩልካ ዝኽእሉ ሰባት ስለ ዘይብልካ ወይ መርበብ ርክባትካ ጸቢብ ስለ ዝኾነ። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ተሞክሮ ንምውሳድ ንውሱን እዋን ምስራሕ ወይ ኣብ ገለ ዓይነት ኮርስ (ስልጠና) ወይ ተመሳሳሊ ምስታፍ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሓደ ሰብ ብመንገዲ ልምምድን ዝተፈላለየ ንኣሽቱ ስራሓት ብምፍጻምን ነቲ መርበብ ርክቡ ከማዕብልን መወከስታት ከጥርን ይኽእል።

ካብ ሱሳ ክሳብ ሰማንያ ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ስራሕ መወዓውዒ ኣይግበረሉን’ዩ፡ የግዳስ ብመርበብ ርክባት ከም ዝመሓላለፍ’ዩ ዝዝረብ። መርበብ ርክባትና ክብሃል ከሎ ኵላቶም ንፈልጦም፡ ንራኸቦምን ምስኣቶም ርክብ ዘሎና ሰባትን’ዮም። መርበብ ርክባታና ብስድራቤትና፡ ብኣዝማድና፡ ብንፈልጦም ሰባት፡ ብመሳርሕትና፡ ብጐረባብትና፡ ብመምህራንናን ብኣለይቲ ጕዳይናን ዝቘመ ክኸውን ይኽእል።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብ ሃገርካ ስራሕ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ’ዩ ልሙድ፧
  • ኣብ ኖርወይ ስራሕ ትረኽበሉ ዝተፈላለየ መንገድታት ተዘራረቡ።
  • ናብ ኖርወይ ቅድሚ ምምምጻእካ ኣብ መርበብ ርክብካ በዓል መን ነይሮም፧ ኣብዚ ሕጂ እዋንከ ኣብ መርበባት ርክብካ በዓል መን ኣለው፧
  • ኣብ ኖርወይ ዓቢ መርበብ ርክብ የድልየካዶ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢኻ ትረኽቦ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

መወከሲ እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

መርበብ ርክብ እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ንክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ምልክታ ምውጻእ ልሙድ ድዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ስራሕ ትደሊ እንተ'ሊኻ ኣብ ኣየናይ መርበብ ሓበሬታት ኢኻ ክትርኢ ዘለካ፧

==finn.no== ን ==regjeringen.no==
==nav.no== ን ==finn.no==
==stortinget.no== ን ==nav.no==

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ስራሕ ክትደሊ ከለኻ መርበብ ርክባትካ ክትጥቀመሉ ኣለካ።
ኣብ nav.no ኰነ ኣብ finn.no ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ክርከብ ይከኣል እዩ።
ሓደ መወከሲ ሰብ እንታይ ክእለት ከም ዘሎካ ዝነግረልካ ኣባል ስድራቤት እዩ።
ተሞክሮ ምእንቲ ክትረክብ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ልምምድ ምግባር ኣይምከርን እዩ።
ብዙሓት ክፉት ስራሕ ቦታታት ኣብ ምልክታ ክፉት ስራሓት ብፍጹም ኣይወጽኡን እዮም።