ጥዕና ኣስናን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ጥዕና ኣስናን
- ቈልዑን መንእሰያትን ክሳዕ ደቂ 19 ዓመት ዝዀኑ በብእዋኑ ቍጽጻር ሕኽምና ስኒ ንኽግበረሎም ናብቲ መንግስታዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ስኒ ይጽውዑ እዮም። ወጻእታት ሕክምና ስኒ መንግስቲ እዩ ዝኸፍሎ።
- መንእሰያት ኣብ ህዝባዊ ናይ ስኒ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ካብ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ 25 ሚእታዊት ክኸፍሉ እንከለዉ፣ መንግስቲ ድማ 75 ሚእታዊት ይኸፍል።
- ዓበይቲ ባዕላቶም ናብ ብሕቲ ሓኪም ስኒ ክኸዱ ኣለዎም። ኣብ ዓመት ሓንሳብ መርመራ ስኒ ንምግባር ኣብ ሓኪም ስኒ ምኻድ ልሙድ እዩ።
- ሓደ ቈልዓ ወይ መንእሰይ ምትዕርራይ ስኒ ዘድልዮ እንተዀይኑ ወለዲ ግድን ብጽሒቶም ክኸፍሉ ኣለዎም።
ሕክምና ኣስናን ቈልዑ
ወለዲ ኣብ ጥዕና ኣስናን ደቆም ሓላፍነት ኣሎዎም። ሽኮር ንኣስናን ጐዳኢ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ንበልዖን ንሰትዮን ነገራት ንኣብነት ቸኮላታ፡ ብሽኮቲ፡ ልሱልስ መስተ፡ ጽማቝ፡ ምቁር ሕብስትን ካራሜላን ትሕዝቶ ሽኮር ኣሎዎም። ኵሉ ሰብ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ፡ ንግሆን ምሸትን ኣስናኑ ብብራሽ ከጽርዮ ኣለዎ። ድኹም፡ ረጋፊ ኣስናን ነቲ ሓድሽ ዝበቁል ኣስናን’ውን ሕማቕ ከም ዝኸውን ክገብሮ ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ ኣስናን ናይ ቈልዑ ገና ካብ ንእስነቶም ኣትሒዝካ ምክንኻን ኣድላዪ እዩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ጽቡቕ ጥዕና ኣስናን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ተመያየጡ።
- ናብ ሓኪም ስኒ ክንደይ ግዜ ምኻድ ኣድላዪ ዀይኑ ይስምዓካ፧
- ኣብ መንጎ ኣመጋግባን ጥዕና ኣስናንን ዘሎ ምትሕሓዝ ተመያየጡሉ።
- መንግስቲ ንወጻእታት ሕክምና ኣስናን ቈልዑ ይኸፍሎ ናይ ዓበይቲ ግን ኣይከፍሎን፡ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይመስለኩም፧
- ኣብ ኖርወይ ቈልዑ ነቲ ዝጐረፈ ኣስናኖም ኣብ ማይ ዝመልአ ቢኬሪ የቐምጡዎ እዮም። ኣብ እዋን ለይቲ ናይ ስኒ ጓልሕድርትና/ታንፌን መጺኣ ድማ ኣብቲ ቢኬሪ ገንዘብ ተቐምጠሎም። ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ ልምድታት ትፈልጥዶ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ቈልዑን መንእሰያትን ክሳዕ . . . . . . . . . . . . . ዝኣኽሉ ክትትል ጥዕና ስኒ ንኽገብሩ ብስሩዕ ይጽውዑ እዮም።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣስናንካ ኣብ ከክንደይ ግዜ ክተጽርዮ ኣለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ናይ ስኒ ሕክምናዊ ኣገልግሎት መን እዩ ዝኸፍል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መንእሰያት ንናይ ስኒ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክንደይ ይኸፍሉ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧