ድሕነት ቈልዑ

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Det er viktig at barnevernet presenteres som en institusjon som er der for å hjelpe barnet, og at det aller beste er hvis foreldre selv tar kontakt og får hjelp når de ser at de trenger det.

I tillegg til barnevernet har vi også familievernkontorer som jobber for å støtte og hjelpe familier.

Tips til undervisninga

Det er viktig at barnevernet blir framstilt som ein institusjon som er der for å hjelpe barnet, og at det kjem fram at det er best om foreldre sjølve tek kontakt og får hjelp dersom dei ser at dei treng det.

I tillegg til barnevernet finst det òg familievernkontor som jobbar for å støtte og hjelpe familiar.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på hvordan offentlige etater, som for eksempel barnehage, skole og barnevern, kan støtte familier

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ድሕነት ቈልዑ

ምእላይን ምዕባይን ቈልዑ ብቐዳምነት ናይ ወለዲ ሓላፍነት’ዩ። ገለ ወለዲ ንኣብነት ብሰንኪ ኣጸጋሚ ኵነታት መነባብሮ ንሓጺር ወይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ቤት ጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ፡ ንስድራቤታትን ንቈልዑን ክሕግዝ ይኽእል። ኣብ ኩላተን ምምሕዳራት ኖርወይ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ኣሎ።

ታሪኽ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ኣብ ኖርወይ ካብ መበል 19 ዘመን ዝጅምር’ዩ። ኖርወይ ኣብ ዓለም እታ ኣብ ተነቃፊ መነባብሮ ዝርከቡን ተወሳኺ ሓገዝን ዕቝባን ዘድልዮምን ቈልዑን ንምሕጋዝ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንድሕነት ቈልዑ ዘቘመት ናይ መጀመርታ ሃገር ኰይና። እቲ ናይ መጀመርያ ሕጊ፡ ሕጊ መጕዚትነት (ቨርገሮድስሎቨን) ዝብል ኣብ 1900 ኣብ ግብሪ ውዒሉ።

ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ዝቘመ እዩ

  • ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ፣ ቈልዑን መንእሰያትን ውሑስ ኣተዓባብያ ክህልዎም የረጋግጽ።
  • ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ፤ ቈልዑ፡ መንእሰያትን ስድራቤታትን ኣብ ገዛ ጸገም ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ሓገዝን ደገፍን ይህብ።
  • ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ፡ ከም ኣብነት ምኽሪ ምሃብ፡ ዕረፍቲ (ንዝኸብዶም ወለዲ) ተሓጋጋዚ ምርካብን ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ናይ ሓገዝ ስጕምትታት ኣሎዎ። ወለዲ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ንምርካብ ባዕላቶም ክሓቱ ይኽእሉ።
  • ኣገዳስቲ ዕማማት ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ስድራቤት ናይ ስራሕ ምትሕብባር ብምግባር ንቈልዑ ምክልኻል’ዩ።
  • ኣድላዪ እንተዀይኑ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ነቶም ካብ ወለዶም ዕቝባ ዘድልዮም ቈልዑ ዝኸውን ሓድሽ ስድራቤት ክረክብ ይኽእል።
  • ኵላቶም ኣብ ቤትጽሕፈት ድሕነት ሕጻናት ዝሰርሑ ምስጢር ምዕቃብ ግቡእ ኣሎዎም።
  • ኵላቶም ምስ ቈልዑ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ስድራቤት ዓመጽ ከም ዘሎ እንተ ጠርጢሮም ንቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ክሕብሩ ግቡእ ኣሎዎም።
  • ኩላቶም ሻቕሎት ቈልዓ ዘሎዎም ንቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ክሕብሩ ኣለዎም።

ቈልዑን ዓበይትን ምስ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ብኸመይ ክራኸቡ ይኽእሉ፧

ኩላቶም ምምሕዳራት ቀትሪ ክፉት ዝዀነ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ኣሎወን። ቈልዑን ዓበይትን ኣብኡ ናብኡ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብ እዋን ምሸትን፡ ለይትን ኣብ ቀዳመ ሰንበትን፣ ቈልዑ ወይ ካልኦት ብዛዕባ ሓደ ቈልዓ ዝተሻቐሉ ሰባት፡ ናብቲ ናይ ህጹጽ ቴለፎን ቈልዑን መንእሰያትን ቍጽሪ ስልኪ 116 111 ክድውሉ ይኽእሉ።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ተራ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ተመያየጡ።
  • ቈልዑ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት’ዮም ካብ ስድራቤቶም ምክልኻል ዘድልዮም፧
  • ብዙሓት ኣብ ኖርወይ ሓደስቲ ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ቤትጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ተጠራጠርቲ እዮም። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

እቲ ኣብ ኖርወይ ዝወጽአ መጀመርያ ሕጊ ድሕነት ቈልዑ፡ ማለት ሕጊ ቫርገሮድስ መዓስ'ዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብያተ ጽሕፈት ድሕነት ቈልዑ ኣበይ ንረኽቦ፧

ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ

ኩላቶም ምስ ቈልዑ ዝሰርሑ ሰባት፡ ብዛዕባ ..... እንተ ተጠራጢሮም ንኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ክሕብሩ ግቡእ ኣለዎም።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ታሪኽ ድሕነት ቈልዑ ኣብ ኖርወይ ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን እዩ ጀሚሩ።
ኣብ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ምጥቃምን ጎነጽ ምፍጻምን ይፍቀድ እዩ።
ኣብ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ዝሰርሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስጢር ምዕቃብ ግቡእ ኣሎዎ።
ምስ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ክራኸቡ ዝኽእሉ ዓበይቲ ጥራይ'ዮም።
ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ፡ መንእሰያትን ቈልዑን ውሕስነት ዘለዎን ዓመጽ ዘይብሉን ኣተዓባብያ ክዓብዩ ከረጋግጽ ግቡእ ኣለዎ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ነቶም ንሓጺር ወይ ንነዊሕ እዋን ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑን ስድራቤታትን ክሕግዞም ይኽእል'ዩ።
እቲ ኣብ ምምሕዳር/ኮሙነ ዝርከብ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ኣብ እዋን ቀትሪ ክፉት ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ዕማም ድሕነት ቈልዑ፡ ንቈልዑ ምክልኻል እዩ።
ህጹጽ ግዜ ቴለፎን ንቈልዑን መንእሰያትን ቍጽሪ ተለፎን 116 111 እዩ።
ኩላቶም ኣብ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ዝሰርሑ ሰባት ምስጢር ምዕቃብ ግቡእ ኣሎዎም።