ምኽንሻብ

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om hva negativ sosial kontroll, vold i nære relasjoner, tvangsekteskap og kjønnslemlestelse er, om juridiske og personlige konsekvenser av dette, og om aktuelle hjelpetilbud

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ምኽንሻብ

ብልዕቲ ምቝራጽ ወይ ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ’ንስትዮ ንግዳማዊ ክፋል ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ ዝጐድእ ወይ ዘልግስ መጥባሕቲ ኰይኑ፡ ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘይብሉ እዩ። ማዕረ ክንደይ ዝኣክል ዓቢ ጕድኣት ወይ ንኡስ ጕድኣት ወይ ምልጋስ ተጌሩ ብዘየገድስ ኵሉ ከም ምኽንሻብ’ዩ ዝቝጸር።
ኣብ ኖርወይ ምኽንሻብ ክልኩል እዩ። ምኽንሻብ ጐዳኢ እዩ፡ ነታ ጓል ድማ ኣብ ምሉእ ህይወታ ከቢድ ጸገም ከስዕበላ ዝኽእል’ዩ።

ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ማዕርነትን መንጎ ጾታ ዘሎ ማዕርነት ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ እዩ። ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣካላቱ ክውስን ከም ከም ትሑዝ እዩ ዝሕሰብ። ስለዚ፡ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ነዚ ክብርታት’ዚ ዝጥሕስ’ዩ። እዚ ነቲ ኣህጉራዊ ስምምዓት ዝጥሕስ’ውን’ዩ። ኣብተን ምኽንሻብ ዝውቱር ዝዀነለን ሓያሎ ሃገራት’ውን እንተኾነ ክልኩል’ዩ።

  • ኮነ ኢልካ ብልዕቲ ናይ ሓንቲ ጓል ወይ ሰበይቲ ምጕዳእ ክልኩል’ዩ።
  • ብልዕቲ ሓንቲ ጓል ወይ ሰበይቲ ንምጕዳእ ዝዀነ ይኹን ሓገዝን ዕድላትን ምሃብ ክልኩል እዩ።
  • ንሓንቲ ጓል ካብ ኖርወይ ኣውጺእካ ናብ ወጻኢ ሃገር ብምውሳድ ብልዕታ ምጉዳእ ክልኩል እዩ።
  • እታ ጓል ወይ እታ ሰበይቲ ወላ’ኳ ክትክንሸብ እንተ ተሰማምዓት ክልኩል’ዩ።
  • ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኸንሸበ ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ ደጊምካ ክተሕድሶ ወይ ዳግማይ ምልጋብ’ውን ክልኩል’ዩ።
  • ነዚ ሕጊ’ዚ ምጥሓስ ዝህሉ መቕጻዕቲ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ እዩ።
  • ከቢድ ምኽንሻብ ኣብ ዝፍጸመሉ ግዜ፡ እቲ ነዚ ተግባር’ዚ ዝፈጸመ ሰብ ክሳዕ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል።
  • ኣብ ብዙሕ ሞያታት ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ናይ እምነት/ሃይማኖት ሕብረተሰብ ምኽንሻብ ንምኽልካል ግቡእ ኣሎዎም። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም ግን ነቲ ናይ ምኽልካል ል ግቡኦም ይጥሕሱዎ ኣለዉ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ብገንዘብ ወይ ክሳዕ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከቕጽዕ ይኽእል።

ምንጪ፡ Lovdata

ኣብዚ ሓንቲ ንምኽንሻብ ዝተቓልዐት ወይ እቲ ሓደጋ ዘንጸላልዋ ዘሎ ጓልኣንስተይቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል’ያ፡

  • ቀዋሚ ሓኪም
  • ማእከል ጥዕና
  • ፖሊስ
  • ኣንጻር ግዱድ መርዓ፡ ምኽንሻብ ብልዕትን ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር ዝጻረር በዓል ሞያ ጕጅለ ቴለ፡ 478 090 50
  • ቀይሕ መስቀል ቴለፎን 815 55 201
  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ኤምባሲ ኖርወይ ምርኻብ ይከኣል።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ስለምንታይ እዩ ኣብ ገሊኡ ባህልታት ንደቂኣንስትዮ ምኽንሻብ ልሙድ፧
  • ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ልምዲ`ዚ ደው ንምባል እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
  • እቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ጽኑዕ ሕግታት ብኸመይ ንደቂኣንስትዮ ንኸይግረዛ ክከላኸል ይኽእል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣሰቃቒ ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ ምትግባር ንኽንደይ ዓመት ክትእሰር ትኽእል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ዘሎካ ናይ ምክልኻል ግዴታ እንተ ዘየማላእካ ማዕረ ክንደይ ክትቅጻዕ ትኽእል፧

ነዚ ምሉእ ሓሳብት መልኣዮ

እታ ጓል ወይ እታ ሰበይቲ ንምኽንሻብ ወላ እንተ ተሰማምዐት

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ