ተፈጥሮን ዕቃበ ከባብን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Samtalestarter

Hassan: Så fin jakke du har! Er den ny?
Amir: Den er i alle fall ny for meg. Jeg kjøpte den i bruktbutikken nede i sentrum.
Hassan: Brukt? Har du ikke råd til å kjøpe nye klær?
Amir: Joda, jeg har jo det. Men jeg synes det er viktig å handle brukt når man kan. Det er bra for miljøet og bra for lommeboka. Og du sa jo at jakka var fin!

Matsvinn: Fortell gjerne deltakerne om at en del butikker selger ut varer som nærmer seg utløpsdato til redusert pris, apper som «Too Good To Go», «Throw no more» og «NoFoodWaste», butikker som Holdbart.no, osv.

Utforsk

Tips til undervisninga

Samtalestartar

Hassan: Så fin jakke du har! Er ho ny?
Amir: Ho er i alle fall ny for meg. Eg kjøpte henne i bruktbutikken nede i sentrum.
Hassan: Brukt? Har du ikkje råd til å kjøpe nye klede?
Amir: Jau, eg har då det. Men eg tykkjer at det er viktig å handle brukt når ein kan. Det er bra for miljøet og bra for lommeboka. Og du sa jo at jakka var fin!

Matsvinn: Fortel gjerne deltakarane om at ein del butikkar sel ut varer som nærmar seg utløpsdatoen til redusert pris, appar som Too Good To Go, Throw No More og NoFoodWaste, butikkar som Holdbart.no, osv.

Utforsk

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

bruke kunnskap om hvilke konsekvenser bruk og misbruk av ressurser har for et bærekraftig miljø og samfunn

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ተፈጥሮን ዕቃበ ከባብን

blåveis. Foto.

ተፈጥሮን ዕቃበ ከባብን ዝብል ጽንሰሓሳብ ምስ ምዕቃብ ተፈጥሮን ስርዓት ኤኮን (økosystem/ህይወት ዘለዎን ዘይብሉን ኣብ ሓደ ከባቢ ብስኒት ዝነብሩ) ዝተሓሓዝ ኣበሃህላ እዩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዝርአ ለውጥታት ደረት ምግባርን ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ዘምጽኡዎ ጕድኣት ብዛዕባ ምጽራይን ምጽጋንን ዝገልጽውን’ዩ። ተፈጥሮን ዕቃበ ከባብን ደቂሰባት፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ድሕሪ ግዜ’ውን ጽቡቕ ናይ ህይወት ሃዋህው ከም ዝህልዎም ዘውሕስ’ዩ።

ደጊምካ ምጥቃምን መሊሽካ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባርን

ደጊምካ ምጥቃም ክብሃል ከሎ ንሕና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዘይንጥቀመሉ ነገራት ካልኦት ሰባት እንደገና ክጥቀሙሉ ከለዉ ማለት’ዩ። መሊሽካ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባር ክብሃል ከሎ ኵሉ ነገራት ተበታቲኑ ናብ ጥረ ነገራት ይፈላለ’ሞ ብሓድሽ መንገዲ ወይ መኺኹ ናብ ሓድሽ ፍርያት ይቕየር ማለት’ዩ። ኣብዚ መወዳእታ ዓመታት መሊሽካ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባር ኣዝዩ ህቡብ ኰይኑ’ሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘህልኹዎ ነገራትን፡ ተጠቒምካ-ምጕሓፍ ኣተሓሳስባ ዝያዳ ንቕሓት ምግባርን፡ ክዳውንቲ፡ ኣቕሑን ካልእን ነገራትን ካልኦት ሰባት ዝተጠቕሙሉ ክዕድጉ ይመርጹ’ለው።

Møbler på et loppemarked. Foto
plastgranulat fra resirkulert plast. Foto
GettyImages

ነገራት ከከም ዓይነቶም ፈላሊኻ ምርካብ

ኩሉ ነባሪ ኖርወይ ኣብ ዓመት ብዙሕ ኣማኢት ኪሎ ጎሓፍ ይጉሕፍ። ኣብ ሓያሎ ምምሕዳራት እቶም ነበርቲ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ጐሓፍ ይፈላለዩዎ እዮም። ነዚ ኢና ኸኣ ከከም ዓይነቱ ፈላሊኻ ምጕሓፍ ኢልና ንጽውዖ። ገለ ገለ ነገራት ኣብ ገዛና ከለና ከከም ዓይነቱ ንፈላልዮ፡ ካልእ ነገራት ድማ ናብ መምለሲ ቦታ ከነብጽሖ ኣሎና ንኸውን። ኣብ መምለሲ ቦታ ንዝተፈላለየ ዓይነት ጐሓፍ ዝኸውን ኮንተይነራት ኣሎ። ሓያሎ ምምሕዳራት ከም ኣቕሑ ገዛ፡ መሕጸቢ ማሺናት፡ ናይ ደንበ ቈጽለ መጽሊ/ኣታኽልቲ ዝጐሓፉ፡ ሰንኬሎታት ቀለምን ዝኣመሰለ ክንድርብዮ ንደሊ ዓበይቲ ኣቕሑ፡ ከነብጽሓሉ ንኽእል ናይ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መኣከቢ ዓበይቲ መደበራት ኣሎወን።

ምጕሓፍ ምግቢ

ምግቢ ብላሽ ምብኻን ማለት ክብላዕ ዝኽእል ምግቢ ክድርበ ከሎ ወይ እቲ ምግቢ ንሰብ ዘይኰነ ንኻልእ ነገር ከገልግል ከሎ እዩ። ኣብ ደረጃ ዓለም ሓደ ሲሶ ካብቲ ኵሉ ዝፈሪ ምግቢ ይድርበ እዩ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት 417,000 ቶን ዝብላዕ መግቢ ንድርብዮ ኢና። እዚ ካብ ምግቢ ኢንዱስቱሪታት፡ ምግቢ ድኳናት፡ ኣብያተምግብን ካልኦት ንበልዓሉ ቦታታትን ካብ ናይ ብሕቲ ስድራቤታት ዝመጽኣ ምግቢ እዩ። እቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝጐሓፍ ምግቢ ንነፍስወከፍ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝጠመየ ሰብ ንምምጋብ እኹል ምዀነ ነይሩ።

ልቀት ሓምለዋይ ጋዝ

ኣብ ኖርወይ ልቀት ሓምለዋይ ጋዝ ብቐፃሊ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ልቀት ካብ ነዳድን ጋዝን መውፅኢ፣ ኢንዱስትሪ ዕደና ከምኡ’ውን ተሽከከርቲ ይምንጩ።

ኣብ 2024 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኖርወይ ካብ ዝተመዝገባ ናይ ነዳዲ መካይን ንላዕሊ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ይበዝሓ ነይረን። እቲ ዕላማ ዳርጋ ኩለን ዝሽየጣ ሓደሽቲ መካይን ዜሮ ልቀት ዘለወን ተሽከርከርቲ ክኾና እዩ። ዜሮ ልቀት ዘለዎ ተሽከርካሪ ሓምለዋይ ጋዝ ኣይይፍንውን። ካልእ ዕላማ ድማ ዝኾነ ይኹን ወሰኽ መጓዓዝያ ተጓዓዝቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ብሽክለታ ወይ ብእግሪ ክማላእ ኣለዎ ዝብል እዩ። ስለዚ ዋላ በዝሒ ህዝቢ እንተወሰኸ ትራፊክ መካይን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክውስኽ የብሉን።

Rester av spiselig mat etter et måltid. Foto.
GettyImages

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ነፍስወከፍና ንተፈጥሮን ከባብን ንምክንኻን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
  • ብዛዕባ ደጊምካ ምጥቃምን መሊሽካ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባርን ተዘራረቡ።
  • ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ነገራት ትዕድግዶ፧ ስለምንታይ ወይ ስለምንታይከ ኣይፋል፧
  • ብዛዕባ በብዓይነቱ ጌርካ ጐሓፍ ምጕሓፍ ተዘራረቡ። ስለምንታይ ኢና ከከም ዓይነቱ ጌርና ብምፍላይ ጐሓፍ ንጕሕፍ፧ ከከም ዓይነቱ ጌርና ጐሓፍ ፈሊና ምስ ዘይንጕሕፎ እንታይ የጋጥም፧
  • ብዛዕባ ምጕሓፍ ምግቢ ብሓባር ተዘራረቡ። ስለምንታይ ኢና ክንድዚ ዝኣክል ምግቢ ንድርቢ፧ ምግቢ ትድርቢዶ፧ ስለምንታይ ወይ ስለምንታይ ኣይትድርብን፧ እቲ ንድርብዮ ምግቢ ንውሑድ ክኸውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
  • ምጥቃም ናይ ብሕቲ መኪና ብኣንጻር ምጥቃም ህዝባዊ መጐዓዝያ ተዘራረቡ። ኵሉ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ሰብ ህዝባዊ መጐዓዝያ ምጥቃም ማዕረ ዕድል ኣሎዎዶ፧ ስለምንታይ ወይ ስለምንታይ የብሉን፧
Buss. Uklart bilde. Foto.
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ደጊምካ ምጥቃም ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት'ዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ነፍስወከፍ ኣብ ኖርወይ ነባሪ ኣብ ዓመት መጠን ክብደቱ ክንደይ ዝኾነ ጐሓፍ ይጕሕፍ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረፅ

ኣብ ኖርወይ ዝለዓለ ምኽንያት ልቀት ሓምለዋይ ጋዝ እንታይ እዩ?

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ምዕቃብ ተፈጥሮን ከባብን ማለት ሰባት፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ጽቡቕ ኵነታት ህይወት ከም ዝህልዎም ምግባር ማለት'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ህቡብነት (ተገዳስነት) ደጊምካ ምጥቃም እናነከየ ይኸይድ ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ሃልኪን ምጕሓፍን ዝነበሮም ኣረኣእያ ዝያዳ ክነቕሑሉ ይደልዩ ኣለዉ።
ኣብ ሓያሎ ምምሕዳር ከባቢታት እቶም ነበርቲ ጐሓፎም ፈላልዮም እዮም ዘረክብዎ።
ዓበይቲ ነገራት ኣብ መደበር ደጊምካ ምጥቃም ክነረክቦም ንኽእል ኢና።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ልዕሊ 400,000 ቶን ክብላዕ ዝኽእል ምግቢ ንጕሕፍ።
ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ልዕሊ 400,000 ቶን (4,000,000 ኩንታል) ክብላዕ ዝኽእል ምግቢ ንጕሕፍ።
ኣብ ኖርወይ ዝለዓለ ልቀት ሓምለዋይ ጋዝ ዝፈጥር ሕርሻ እዩ።
ኣብ ኖርወይ ፡ መርዛም ጋዝ-ኣልቦ-መካይን ምህላው ፖለቲካዊ ዕላማ እዩ።
ኣብ ኖርወይ ሰባት ብእግሮም ንኽጐዓዙን ብሽክለታ ንኽጥቀሙን ዘኽእሎም ኵነታት ምጥጣሕ ሓደ ሸቶ እዩ።

ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ

ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብኸመይ መንገዲ ዓቀብቲ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክንከውን ከም ንኽእል ዘርኢ ስእልታት ኣየናይ'ዩ፧ ብዙሕ መልስታት ምሃብ ይከኣል'ዩ።