እቶም ቀዳሞት ኖርወጃውያን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Læreren bør sjekke ut tidlig historie i deltakernes hjemland.

Snakk om overgangen til kristendommen. De eldste stavkirkene bærer preg av at menneskene ikke var villige til helt å forkaste den gamle gudetroen. De inkluderte symboler fra førkristen gudetro, for eksempel dragehoder (Midgardsormen) i bygningene.

Tips til undervisninga

Læraren bør orientere seg om den tidlege historia i heimlanda til deltakarane.

Snakk om overgangen til kristendomen. Dei eldste stavkyrkjene ber preg av at menneska ikkje var villige til å forkaste den gamle gudetrua heilt. Dei brukte symbol frå den førkristne religionen, til dømes drakehovud (Midgardsormen), i bygningane.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på noen av de viktigste historiske hendelsene og prosessene som har dannet grunnlaget for framveksten av demokratiet i Norge  

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

እቶም ቀዳሞት ኖርወጃውያን

Et kart over Europa. Kartet er fra 1778, og er gammelt og brunt.
GettyImages

ዘበነ በረድ

ቅድሚ ነዊሕ ነዊሕ እዋን ሰሜናዊ ክፋል ኤውሮጳ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ሜተሮ ብዝበጽሕ ረጒድ ቀጸላ በረድ ዝተሸፈነ እዩ ነይሩ። በብቝሩብ እቲ ሙቐት ክውስኽ ምስ ጀመረ ድማ እቲ በረድ በብቝሩብ ይመክኽ ኣሎ።

መዋእል እምኒ (10,000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ –2000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ)

Syv trepinner med forskjellige former for stein knyttet til dem ligger på et pelsunderlag. Foto
GettyImages

እቶም ቀዳሞት ሰባት ቅድሚ ኣስታት ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ዓመት ኣቢሎም ናብ ኖርወይ መጺኦም። ኣብ ክረምቲ ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ደቡባዊ መሬታዊ ክፋል ኤውሮጳን ገማግም ባሕሪ ኖርወይን ዝርከብ ቀንዲ መሬት በረድ ነይሩ፡ ሰባትን እንስሳታትን ከኣ በቲ ልዕሊ በረድ ገይሮም ናብ ኖርወይ መጺኦም ኢልና ንኣምን። ስነጥንታዊ ዳህሳስ ከም ዝሕብሩ ሰባት ብፍረታት፡ ቃንጥሻ፡ ዓሳን ዝሃደኑዎም እንስሳታትን ይነበሩ ከም ዝነበሩ ኣዩ። ካብ ኣእማን፡ ኣዕጽምትን ኣእዋምን ዝተሰርሐ ናውትን ኣጽዋርን ይጥቀሙ ነይሮም። ስለዚ ኢና ከኣ ነዚ እዋን’ዚ መዋእል እምኒ ኢልና ንጽውዖ።

ኣብ ኖርወይ ሕርሻ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ተጀሚሩ።

መዋእል ኣስራዚ (1800 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ–500 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ)

ድሕሪ ገለ እዋን ሃብታማት ሓረስቶት ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ናውቲ፡ ኣጽዋርን ስልማትን ክረኽቡ ክኢሎም። እቶም ሓረስቶት ነፍራስ ከም ጐተትቲ እንስሳ ክጥቀምሎም ጀሚሮም፡ እተን ደቂ’ንስትዮ ድማ ምፍታልን ካብ ጸምሪ ኣባጊዕ ምእላም ክዳውንትን ተማሂረን።

ነዚ እዋን እዚ መዋእል ኣስራዚ ኢልና ንጽውዖ። እቲ ኣብ መዋእል ኣስራዚ ዝነበረ ኵነታት ኣየር ካብዚ ሎሚ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ኵነታት ኣየር ዝቐለለ እዩ ነይሩ።

መዋእለ ሓጺን (500 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ–1050 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ)

ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ኵነታት ኣየር ምስ’ዚ ሎሚ ንፈልጦ ኵነታት ኣየር ዝመሳሰል’ዩ ነይሩ። ሰባት ኣብ ኖርወይ ሓመድ-ሓጺን ካብቲ ማዕድን ኣምኪኽካ ሓጺን ምስራሕ ተማሂሮም፡ ነቲ ሓጺን ከኣ መሳርሕታት ኣጽዋርን ንምስራሕ ተጠቒሞምሉ። ነዚ መሳርሕታት’ዚ ብምጥቃም ድማ ሕርሻ ምክያድ ዝቐለለ ኮይኑ፡ ዝያዳ ምግቢ ክፈሪ ድማ ጀሚሩ። ብዝሒ ህዝቢ ወሲኹ። ነዚ እዋን’ዚ መዋእል ሓጺን ኢልና ንጽውዖ።

ዘበነ ቪኪንግ (800 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ–1050 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ)

እቶም ዝሃብተሙን ዝሓየሉን ሓረስቶት ኣብቲ ዝዓበየ ሕርሻታት ይነብሩ ነይሮም። እዞም ዓበይቲ ሓረስቶት እዚኣቶም ኣሕሉቕ ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም። ንመሬቶም ዝከላኸሉ ወተሃደራት ድማ ነይሮሞም። ኣብ መወዳእታ ዓመተ 700 ገለ ካብቶም ኣሕሉቕ ካብ ኖርወይ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ተጓዒዞም። ገለ ካብኣቶም ክኢላታት ነጋዶ’ኳ እንተ ነበሩ ይዋግኡን ይዘምቱን ነይሮም። ቪኪንግ ተባሂሎም ድማ ተጸዊዖም።

ኣብ ዓመተ 872 ዓ.ም እቲ ቪኪንግ ሃራልድ ሆርፋግረ ኣብ መላእ ኖርወይ ንጉስ ኰይኑ።

ናይ ቪኪንግታት ሃይማኖት ምስ ኣማልኽቲ ኑረነ፡ ጽቡቕ እኽሊ ምሕፋስ፡ ፍርያምነት መሬትን ኣብ ውግእን ብኸመይ ክሕገግዙ ከም ዝኽእሉ ምስ ዝብል ዛንታታት ዝተኣሳሰር‘ዩ። ገለ ካብቶም ቪኪንግ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገበሩዎ ጕዕዞ ምስ ክርስትና ድሕሪ ምልላዮም ነቲ እምነት ሒዞሞ ናብዚ ሃገሮም ተመሊሶም። ክርስትና ናብ ኖርወይ ኣብ ዓመተ 1000 ኣትዩ። ኣብ ታሪኽ ኖርወይ ኣገዳሲት ዓመት 1030 ዓ.ም እያ። ኣብ ጥቓ ትሮንድሃይም ኣብ ትርከብ ስቲክለስታድ ውግእ ተገይሩ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ክርስትያን ዝነበረ ኡላቭ ሃራልድሶን ኣንጻር’ቶም ካብ ትሮንደላግ ዝመጽኡ፡ ኣብ ጥንታዊ ሃይማኖት ቪኪንግ ዝኣምኑ ሓያላት ኣሕሉቕ ተዋጊኡ። ሽሕ’ኳ ኡላቭ ኣብቲ ውግእ እንተ ተሳዕረ ክርስትና ግን ኣብ ሰባት ዝያዳ ተሰማዕነት እናረኸበ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ክርስትና ነቲ ኣረጊት ናይ ኑረነ ኣምላኻ እምነት ስዒሩ ተቘጻጺሩዎ።

Tegning av vikinger på vikingferd. Illustrasjon.
Nasjonalmuseet ቅብኣ «ኡላቭን ራነን ኣብ ቪኪንግ» ብሃልፍዳን ኤገዲይስ ዝተሳኣለት(1899)
Detaljer fra en stavkirke
GettyImages

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብ ሃገርካ ዘሎ ጥንታዊ ታሪኽ ትፈልጦዶ፧
  • ነቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘጋጠመ ነገር ምስቲ ኣብ ሃገርካ ኣብቲ እዋን’ቲ ዘጋጠመ ከተነጻጽሮ ትኽእልዶ፧
  • ናብ ኖርወይ ቅድሚ ምምጻእካ ብዛዕባ ቪኪንግ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ፧
  • ቪኪንግታት ኣብ ታሪኽ ዓድኻ ጽልዋ ነይሩዎምዶ፧
  • ሰባት ብኸመይን ስለምንታይን ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ሃይማኖት ክልውጡ ከም ዝኽእሉ ብሓባር ተዘራረቡ። እዚ ንህይወት ሰባት ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል፧ ኣብ ዓድኻ ነዚ ዝመሳስል ነገር ኣጋጢሙ ይፈልጥዶ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

እቶም ቀዳሞት ሰባት ናብ ኖርወይ መዓስ መጺኦም፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ መዋእል ብሮንዞ ኣብ ኖርወይ እንታይ ተፈጺሙ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኵነታት ኣየር ምስዚ ሎሚ ንፈልጦ ዝመሳሰል ዝኾነሉ ኣብ ኣየናይ እዋን እዩ ነይሩ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

መዋእል ቪኪንግ ካብ 800 ክሳዕ 1050 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ነይሩ።
ኣብ ዘበነ በረድ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ብረጒድ ቀጸላታት በረድ ተሸፊኑ ነይሩ።
ቪኪንግ ብመሰረቱ ክርስትያን'ዮም ነይሮም።
ሰባትን እንስሳታትን ባሕሪ ሰጊሮም ብጃልባ እዮም ናብ ኖርወይ መጺኦም ኢልና ኢና ንኣምን።
ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ሕርሻ ተጀሚሩ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ቪኪንግ ኣብ ኣማልኽቲ ናይ ኖረነ ይኣምኑ ነይሮም።
ክርስትና ኣብ መዋእል ሓጺን እዩ ናብ ኖርወይ ተኣታትዩ።
ገለ ሰባት ካብ ቪኪንግ ክኢላታት ነጋዶ እዮም ነይሮም።
ውግእ ናይ ስቲክለስታድ ኣብ 1030 ዓ.ም ነይሩ።
ኣብ መዋእል ብሮንዞ ወዲሰብ ካብ ኣእማን፡ ኣዕጽምትን ዕንጨይትን ዝተሰርሑ ኣጽዋር ይጥቀም ነይሩ።

ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ

ንግዜ ቪኪንግ ዘመልክት ስእሊ ኣየናይ እዩ፧

ኣብቲ ምስሊ ጠውቕ

ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ግዜ መስመር ጠውቕ። መዋእል ሓጺን መዓስ ነይሩ፧

choice-image

ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ

ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ናይ ግዜ መስመር ጠውቕ። ዘበነ ቪኪንግ መዓስ ነይሩ፧

choice-image

ኣብቲ ምስሊ ጠውቕ

ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ናይ ግዜ መስመር ጠውቕ። መዋእል ብሮንዞ መዓስ ነይሩ፧

choice-image