ህይወት ኣብ ኖርወይ
ነዛ ፊልም ርኣያ
ግዜ ቍልዕነት
- ኣብ መንጎ ሓደ ኣብ ሃገርካ ዝነብር ሰብን ሓደ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ኖርወጃውን እንታይ ዝመሳሰልን ፍልልይን ናይ ህይወት ኣሎ፧
- ኣብ ኖርወይ ምንባርካ ህይወትካ ብኸመይ ክጽሎ ይኽእል፧ እንታይ ዝቕየር ነገር ይህሉ ይኸውን፧
ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ግድነት ዝተፈላለየ ህይወት’ዮም ዘሕልፉ። ዋላ ሓደ ከምቲ ሓደ የሎን። ብዝኾነ፡ ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ሰባት ከመይ ከም ዝነብሩ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ።
- ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት፡ ሓምሳን ሓሙሽተን ሽሕ ቈልዑ ይውለዱ፡ ነፍስወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ብገምጋም 1,4 ቈልዑ ትወልድ (2023)።
- ኖርወጃውያን ደቂ’ንስትዮ ቀዳማይ ቈልዓ ክብኰራ ከለዋ ብገምጋም ደቂ ሰላሳ ዓመት ኣቢለን ምስ ኮና እየን።
- ኣብ ኖርወይ ንኣወዳት ምኽንሻብ ልሙድ ኣይኰነን። ንኣዋልድ ምኽንሻብ ግን ብጥብቂ ክልኩል እዩ። ከምዚ ምግባር ወይ ኣብዚ ኢድካ ምሕዋስ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዕ ይኽእል። እዚ ካብ ኖርወይ ምስጓጕ’ውን ከስዕብ ይኽእል’ዩ።
- ክልቲኦም ደሞዝ እናተኸፈሎም ዝሰርሑ ወለዲ ምስ ዝኾኑ ምስ ምውላድ ቈልዓ ብዝተሓሓዝ ክሳዕ 61 ሰሙን ዝኣክል ደሞዝ ናይ ወለድቲ ክኽፈሎም መሰል ኣሎዎም (1.7.2024)። ብዛዕባ ናይ ወለዲ ክፍሊት ኣብ ግዜ ምውላድ ቈልዓ ኣብ መርበብ ገጻት ናቭ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
መውዓሊ ሕጻናት፡ ኣምሰያ ሓገዝ ብጥረገንዘብ/kontantstøtte ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑ/barnetrygd
ደቆም ናብ መውዓሊ ሕጻናት ዝሰዱ ወለዲ ካብቲ ወርሓዊ ወጻኢታት ብጽሒቶም/ egenandel ይኸፍሉ። ወለዲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ናይ ምሉእ ግዜ ቦታ ዘይተመደበሎም ካብ 13 ክሳብ 19 ኣዋርሕ ዝዕድሚኦም ህጻናት ብጥረ ገንዘብ ንሓልዮት ዝኸውን ጥቕምታት ክረኽቡ ይኽእሉ። ብዘይካዚ ወለዲ ኵላቶም ደቆም 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልኡ ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑ/barnetrygd ይወሃቦም።
ኢንተርኔት
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ኖርወይ ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ቈልዑ ናብ መውዓሊሕጻናት ዝኸዱ፧
- ብዛዕባ መውዓሊሕጻናትን ምዕባለ ቋንቋን ተመያየጡ።
- ስለምንታይ እዮም ንኣሽቱ ቈልዑ ዘሎውዎም ስድራቤታት ኣምሰያ ሓገዝ ብጥረገንዘብ/kontantstøtte ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑ/barnetrygd ዝወሃቡ፧
ዕድመ ትምህርትን ናይ ንእስነትን/መንእሰይ ግዜ
እቲ ግዴታዊ ትምህርቲ (ግሩንስኩለ) ኣብ መባእታዊ ደረጃ ቤትትምህርቲ (1ይ-7ይ ክፍሊ) ፡ ማእከላይ ደረጃ/ጁንየር ከኣ (8ይ-10ይ ክፍሊ) ዝተኸፈለ እዩ። ልዕሊ ሰብዓ ሚእታዊት ካብቶም ካብ 1ይ ክሳዕ 4ይ ክፍሊ ዝመሃሩ ቈልዑ ናብ ቅድምን ድሕሪ ትምህርትን መደብ ንጥፈታት ኣብ ነጻ ግዜ Skolefritidsordningen (SFO) ይኸዱ (2023/2024። እዚ ናይ ቅድምን ድሕሪ ትምህርትን መደብ ንጥፈታት ኣብ ነጻ ግዜ ብድሌት’ዩ። ትምህርቲ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ፡ ግን ነቲ ናይ ቅድምን ድሕሪ ትምህርትን መደብ ንጥፈታት ኣብ ነጻ ግዜ ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ወለዲ ይኸፍሉ እዮም።
ብዙሓት ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ቈልዑ ኣብ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝተወደበ ናይ ግዜ ዕረፍቲ ንጥፈታት ይሳተፉ እዮም። መብዛሕትኡ’ቲ ንጥፈታት ወለዲ ብናጻ ብወለትነት ዘካይዱዎ እዩ። እቶም ወለዲ ደሞዝ ኣይክፈሉን’ዮም።
ዳርጋ ኩላቶም መንእሰያት መባእታውን ማእከላይን/ዩንዮር ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይቕጽሉ። ዳርጋ ፍርቂ ዝዀኑ ኣብቲ መደብ መስመር ምድላው ንዝለዓለ ትምህርቲ ክመርጹ ከለው እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ መደብ ሞያዊ ትምህርቲ ይመርጹ። ዳርጋ ሰማንያ ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝመሃሩ መንእሰያት ትምህርቶም ይውድኡ።
ዕድመ እኹል ሰብ ኣብ ኖርወይ 18 ዓመት እዩ። ድሕሪኡ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ነብሱ ናይ ምውሳን መሰል ኣሎዎ። እቲ ዕድመ እኹል ሰብ ዝበጽሐ ሰብ ናይ ምድማጽ መሰል ኣሎዎ፡ ፍቓድ መምርሒ መኪና ክወስድ’ውን ይኽእል’ዩ። መብዛሕትኦም ደቂ ዕስራ ዓመት ምስ ኰኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንኽመሃሩ ወይ ድማ ክሰርሑ ኢሎም ካብ ቤት ስድራቤቶም ይግዕዙ። መብዛሕትኦም ትምህርቶም ዝቕጽሉ ሰባት በቲ ዝረኽቡዎ ናይ ትምህርቲ ለቓሕን ብጐድኒ ድማ ቍሩብ እናሰርሑን ይነብሩ። ብዙሓት ተመሃሮ ትምህርቶም ክውድኡ ከለው ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ክሮነር ዕዳ ኣሎዎም።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ናይ ቅድምን ድሕሪ ትምህርቲ መደብ ንጥፈታት ግዜ ዕረፍቲእንታይ ጥቕሚ ኣሎዎ፧
- ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ኖርወይ ክትሳተፉዎ ትድልዩ ዝተወደበ ናይ ግዜ ዕረፍቲ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧
- እኹል ሰብ በጺሕካ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧
- ኣብ ካልኦት ንስኻ ትፈልጠን ሃገራት ዕድመ እኹል ሰብ ዝብሃል ክንደይ’ዩ፧
- ብዛዕባ ስርዓት ትምህርታዊ ለቓሕ ንተመሃራይ እንታይ ትሓስብ፧
ህይወት ዓበይትን ጡረታ ምውጻእን
ማእከላይ ዕድመ ናይቶም ንመጀመርትኦም ዝምርዓዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ይኹኑ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሰላሳ ክሳብ ኣርብዓ ዓመት እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ቅድሚ መርዓኦም ንዝተወሰነ እዋን ብሓባር ይነብሩ። ደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ካብ ገዛ ወጻኢ ክሰርሑ ልሙድ’ዩ። ደቂ’ንስትዮን ደቂተባዕትዮን ከኣ ንስራሕ ገዛ ብማዕረ ይካፈሉዎ። ይኹን’ምበር ደቂ’ንስትዮ ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ግዜአን ዝያዳ ኣብ ስራሕ ገዛ የሕልፎኦ። መንበሪ ገዛን መኪናን ንምዕዳግ ካብ ባንክ ገንዘብ ምልቃሕ ንቡር’ዩ። ሓንቲ ቈልዑ ዘሎውዋ ስድራቤት ብገምጋም ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝኸውን ዕዳ ናይ ገዛ ኣሎዋ።
ኣብ ኖርወይ ናይ ጡረታ ዕድመ ንደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን 67 ዓመት’ዩ። ብዙሓት ሰባት ቅድሚ እዚ ዕድመ’ዚ ጡረታ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣሎዎም፡ ካልኦት ከኣ ክሳዕ 70 ዓመት ዝመልኦም ክሰርሑ ይመርጹ። ጡረታ ክብሃል ከሎ ጡረታ ምስ ወጻእካ ትኽፈሎ ገንዘብ ማለት’ዩ። ክንደይ ዝኣክል ደሞዝ ክትረክብ ከም ዘለካ በቲ ክትሰርሕ ከለኻ ትረኽቦ ዝነበርካ ደሞዝ’ዩ ዝውሰን። እቶም ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ዘይነበሮም ሰባት፡ ንኣብነት ኣብ ገዛ ሓዳር ዘልዕላ ዝነበራ ኣደታት ከይተረፋ 67 ዓመት ምስ መልኣ ጡረታ/መልዕሎ ይወሃበን።
ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንጡፍ ህይወት’ዮም ዘሕልፉ። ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣባላት ኰይኖም ይናጠፉ፣ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ብሓባር ብዙሕ ግዜ የሕልፉ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት መብዛሕትኦም ጽቡቕ ቍጠባ ኣሎዎም። ብዙሓት ዕዳኦም ከፊሎም ዝወድኡን ዝናበዩ ቈልዑ ዘይብሎምን’ዮም።
መብዛሕትኦም ጡረታ ዝወጽኡ ሰባት ብዘይ ሓገዝ ናይቲ ዝነብሩሉ ምምሕዳር ኣብ ገዝኦም ዝነብሩ እዮም። ውሑዳት ክፋል ካብቶም ጡረታ ዝወጽኡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ይረኽቡን/ወይ ከኣ መዓልታዊ ዘድልዮም ሓገዝ ይግበረሎም።
መብዛሕትኦም ኣብ ኖርወይ ዝሞቱ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተክርስትያን ዝርከብ መቓብር’ዮም ዝቕበሩ። እንተዀነ ቍጽሪ ናይ’ቶም ሬሳኦም ዝነድድ’ውን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ገለ ኣብያተክርስትያን መቓብር ንዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኸውን ነናቶም መቕበሪ ቦታታት ኣሎዎ። እቲ ዝሞተ ሰብ በዓልቤት/በዓልቲ ቤትን ውላድን ዘሎዉዎ እንተዀይኑ ነቲ ዝውንኖ ንብረት ንሳቶም ይወርሱዎ። ደቂ’ንስትዮን ደቂተባዕትዮን ማዕረ ናይ ውርሻ መሰል ኣሎዎም። ንውርሻ ዝምልከት ውሱን ሕግታት ኣሎ። ንዝተወሰነ ክፋል ናይቲ ዝውረስ ዝምልከት ኑዛዜ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ መንጎ ደሞዝን ጡረታን ዘሎ ምትእስሳር ተመያየጡሉ።
- ኣብ ኖርወይ ጡረተኛ ምዃን ምስ ካልኦት ትፈልጠን ሃገራት ክነጻጸር ከሎኸ ከመይ ይመስል፧
- ኣብ ገለ ናይ ቤተክርስትያን መቓብራት ዝተፈላለየ እምነታት ነናተን መቕበሪ ቦታ ምህላወን እንታይ ይመስለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ክንደይ ሕጻናት ይውለዱ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኖርወጃውያን ደቂ'ንስትዮ በዅሪ ውላድ ክወልዳ ከለዋ ብገምጋም ደቂ ክንደይ ዓመት ይኾና፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ናይ ጡረታ ዕድመ ክንደይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ
ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ቅኑዕ ሰብ ጠውቕ። ኣብ ኖርወይ ዕድመ እኹል ሰብ (ዓቕሚ-ኣዳም በጺሑ) ዝብሃል መዓስ እዩ፧