ዘቤታዊ ዓመጽ

Lærerinnhold

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om hva negativ sosial kontroll, vold i nære relasjoner, tvangsekteskap og kjønnslemlestelse er, om juridiske og personlige konsekvenser av dette, og om aktuelle hjelpetilbud

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ዘቤታዊ ዓመጽ

GettyImages

ዓመጽ እንታይ እዩ፧

  • ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጐነጽ ምፍጻም’ዩ።
  • ዓመጽ ኣካላዊ፡ ስነኣእምሮኣዊ፡ ጾታዊ ወይ ንብረት ክኸውን ይኽእል።

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ መንጎ መቕርብ ዝፍጸም እንታይ’ዩ፧

  • ዓመጽ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ወይ ኣብ ንሓድሕዶም ዝቀረራረቡ ዝፍጸም
  • ዓመጽ ኣብ መንጎ ዓበይቲን ቈልዑን ማለት ዓብይቲ ነቶም ቈልዑ ናይ ምንባይ ሓላፍነት ኣብ ዘሎዎም ዝፍጸም

ሕግታት ኖርወይ ንዅሉ ዓይነት ምጥቃም ዓመጽ ይኽልክል። እዚ ሕብረተሰብ’ዚ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ፡ ወላ ነቲ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ወይ ካልእ ናይ ቀረባ ርክብ ዘሎዎም ሰባት ኣይቅበሎን’ዩ። እዚ ንዝዀነ ይኹን ጠንቂ እቲ ዓመጽ ብዘየገድስ ዘገልግል’ዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ዘቤታዊ ዓመጽ ብሕታዊ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር’ውን ዓመጽ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ንቈልዑ ዓመጽ ክገብር ከሎ ምርኣይ ማዕረ’ቲ ከም ኣብ ልዕለኦም ዝወርድ ዓመጽ ጐዳኢ እዩ። ብፍላይ ጓል ምስ ጓል ወይ ወዲ ምስ ወዲ ስሕበት ዘለዎም፡ ጾታኦም ዘይንጹር ዝኾኑ፡ ካልኦት LHBTIQ+ ሰባትን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝተቓልዑ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ግዱድ መውስቦን ምኽንሻብ ደቂ’ንስትዮን’ውን ዓመጽ ስለ ዝዀነ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ሕብረተሰብ’ዚ ንኹላቶም እቶም ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ክከላኸለሎምን ክጥንቀቐሎምን ሓላፍነት ኣሎዎ። ኵሉ ሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ዝሳተፍን ከም ዝውህሃድን ምግባር ሓላፍነት ድማ ኣሎዎ።

“ዘቤታዊ ዓመጽ ከቢድ ገበን’ዩ፡ እዚ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት መጥቃዕቲ ኮይኑ ሓደ ህዝባዊ ጥዕና ጸገም እዩ ።”

ምንጪ፡ ዓመጽ ዘይብሉ ህይወት፡ ኣብ 2014 - 2017 ዘቤታዊ ዓመጽ ንምግታእ ዘውጸ መደብ ስጕምትታት ብሚኒስትሪ ፍትሒን - ህዝባዊ ድሉውነትን።

ኢንተርኔት

En bekymret og alvorspreget kvinne holder telefonen til øret. Bildet illustrerer en kvinne som oppsøker hjelp etter å ha blitt utsatt for vold i hjemmet. Foto
GettyImages

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ዓመጽ ኣብ መንጎ መቕረብ ዝፍጸምን ካልእ ዓመጻትን ዘሎ ፍልልይ ተመያየጡ።
  • ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ዓመጽ ዝፍጽመሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
  • ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ዓመጽ ዝፍጽም መጻምድቱ (በዓል/ቲ ሓዳሩ/ሓዳራ) ክነብር ዝቕጽለሉ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል፧
  • ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ብዛዕባ ዓመጽ ዘሎ ኣረኣእያ ክፈላለ ይኽእል ዶ፧
  • ኣብ ሓደ ዓመጽ ዝዝውተረሉ ስድራቤት ዘለዉ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለዉ ይመስለካ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ሕግታት ኖርወይ ብዛዕባ ዓመጽ ሰፊሩ ዘሎ እንታይ ይብል፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

እንታይ ዓይነት ዓመጽ'ዩ ዘሎ፧ ብዙሕ ቅኑዕ መልስታት ኣሎ።

ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ

እዚ ሕብረተስብ 'ዚ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ፡ ...........................ኣይቅበልን'ዩ።

ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ

ዘቤታዊ ዓመጽ ...

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ቈልዑ ዓመጽ ኣብ ልዕለኦም ክወርደምን ኣብ ካልኦት ክወርድ ከሎ ክርእዩን ማዕረ ጐዳኢ እዩ።
ብግዳደ መርዓን፡ ምኽንሻብ ጓልኣንስተይትን ዓመጽ'ዩ፡ ተቐባልነት ከኣ የብሉን።
ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ዓመጽ ስነኣእምሮኣዊ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ኣካላዊ ጥራይ'ዩ።
ብናይ ኖርወይ ሕግታት ዘቤታዊ ዓመጽ ምጥቃም ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን።