ሃይማኖትን እምነትን
ሃይማኖትን እምነትን
ኖርወይ ብርክት ዝበሉ ባህልታትን ዓለማዊ ሕብረተሰብን ዘሎዋ ሃገር’ያ። ሓደ ሕብረተሰብ ዓለማዊ ክብሃል ከሎ ብሃይማኖት ዘይልለ ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ውልቀሰባት ኰነ ሕግታት ናይታ ሃገር ክጸሓፍ ከሎ ዘገልግል’ዩ። ኖርወጃውያን ኣብ ሃይማኖት ዘሎዎም ኣረኣእያ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወለዶታት ብዙሕ ተቐዪሩ እዩ። ቅድም ክብል ሃይማኖት ንህይወት ናይ ብዙሓት ሰባት ብዓቢ ደረጃ ይዝውሮ ነይሩ። ሎሚ ብዙሓት ኖርወጃያውያን ምስ ሃይማኖት ዝያዳ ፍዅስ ዝበለ ርክብ’ኳ እንተ’ሎዎም ብዙሓት ግን ከም ጥምቀት፡ ተሓድሶ፡ መርዓን ቀብርን ዝኣመሰለ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ኣገዳሲ ፍጻሜታት ብምትእስሳር ናብ ቤተክርስትያን ይኸዱ እዮም።
ክሳዕ 2012 ዓ.ም ፕሮተስታንትነት ኣብ ኖርወይ ናይ መንግስቲ ሃይማኖት’ዩ ነይሩ፣ ቤተክርስትያን ኖርወይ ከኣ መንግስታዊት ቤተክርስትያን እያ ነይራ። ቅድሚ 1845 ዓ.ም ኖርወጃውያን ካብ ናይ መንግስቲ ቤተክርስትያን ኣባልነት ክወጽኡ ክልኩላት እዮም ነይሮም፡ ኣብ ከባቢ 1850 ዓ.ም ኣብ ኖርወይ ንመጀመርያ ግዜ ኣመንቲ ክርስትና ዘይኰና ሃይማኖታት ክውደባ ተፈቒዱለን። ስለዚ፡ ኖርወይ መንግስታዊ ቤተክርስትያን ወይ ወግዓዊ ሃይማኖት የብላን። እንተዀነ ግን እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኖርወይ ክሳዕ ሕጂ ኣባል ቤተክርስትያን ኖርወይ እዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልእ እምነታት ዘለዉ ወይ ክኣ ፈጺሞም ኣብ ዝዀነ ይኹን እምነት ዘየለዉ እዮም።
ኣብ ኖርወይ ምሉእ ናይ እምነት ናጽነት ኣሎ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ብመሰረት እምነትካ ከይተሰጐጕካ ወይ ከይተቐጻዕካን ከይፈራሕካን እምነትካ ክተተግብር ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ኣባል ኣየናይ እምነት ክኸውን ከም ዝደሊ ብናጻ ክውስን ይኽእል ማለት’ዩ። ብተመሳሳሊ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ኣባል ሓንቲ እምነት ከይከውን ምምራጽ ናጽነት ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ሃይማኖት እምነታትን ናይ ህይወት ኣረኣእያ ፍልስፍና ዝኽተሉን ካብ መንግስትን ምምሕዳራትን ቍጠባዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ተመዝጊበን ተቐባልነት ዝረኸባ ናይ ሃይማኖት እምነታትን ናይ ህይወት ኣረኣእያ ፍልስፍና ዝኽተሉን፡ ንነፍስወከፍ ኣባለን ማዕረ’ቲ ቤተክርስትያን ሃገረ ኖርወይ ንኣባላታ ትረኽቦ ሓገዝ ይወሃቦም እዩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ሃይማኖት ንህይወት ናይቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ፧ ኣብ ካልኦት ንስኻ ትፈልጠን ሃገራትከ እዚ ከመይ ይመስል፧
- ሓደ ሕብረተሰብ ዓለማዊ እንተዀይኑ እወታዊ ድዩ ወይ ኣሉታዊ፧
- ኣብዛ ሎሚ ዘላ ብርክት ዝበለ ባህልታት ዘሎዋ ኖርወይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብኸመይ እየን ሓቢረን ጐድኒ ጐድኒ ዝነብራ፧
- ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ግርጭታት ይለዓል’ዩ። እዚ ኵነታት’ዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከብ፧
- ብኣከዳድና፡ ስልማትን ስነምግባርን ተጠቒምካ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያኻ ምግላጽ ኣገዳስን ቅኑዕን ድዩ፧
ኮረ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቱ ብዛዕባ’ቲ ኣብታ ቅድሚ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ዝወዓሎ ጥምቀት ይነግር። “ባህ ዘብል ናይ መዘምራን መዝሙር ነይሩ፡ እቲ ካህን ከኣ ጽቡቕ ስብከት ኣስሚዑ! ኣነ ምሉእ ብምሉእ ተተንኪፈ” ኢሉ። እቲ መሳርሕቱ፡ “ኣነ ሃይማኖታዊ ምዃንካ ኣይፈልጥን ነይረ” ምስ በሎ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ፡ ኣነ ሃይማኖታዊ ኣይኰንኩን። እንተዀነ እቲ ሃዋህው፡ ማለት እቲ ባህልን በዓልን ገለ ነገር ኣሎዎ።”
- ወላ’ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃይማኖት ንብዙሓት ኖርወጃውያን ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ’ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ግን ኣብ ቤተክርስትያን ቃልኪዳን ክኣስሩን ደቆም ኣብኡ ከጠምቑን ወዘተ እዮም ዝመርጹ። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ልምድን ዘሎ ርክብ ተመያየጡሉ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሓደ ሕብረተሰብ ዓለማዊ (ምድራዊ) እዩ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እንታይ ዓይነት ዝምድና/ርክብ ምስ ሃይማኖት ኣሎዎም መብዛሕትኦም ኖርወጃውያን ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ክሳዕ 2012 ዝነበረ መንግስታዊ ሃይማኖት ኖርወይ እንታይ እዩ
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧