ደሞክራስያዊ መሰላትን ግቡኣትን

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

I et demokrati har menneskene både rettigheter og plikter, ansvar og frihet. Alle disse fire faktorene bør være til stede for at demokratiet skal fungere på en god måte.

Hva skjer om ett av beina blir borte?

En demokratisk plikt er å følge de lovene som gjelder i samfunnet. Dette kan være plikt til å gi riktige og sannferdige opplysninger til offentlige etater (Nav, Skatteetaten, folkeregisteret o. l.).

Tips til undervisninga

I eit demokrati har menneske både rettar og plikter, ansvar og fridom. Alle desse fire faktorane bør vere til stades for at demokratiet skal fungere på ein bra måte.

Kva hender om eitt av dei fire «beina» blir borte?

Det er ei demokratisk plikt å følgje lovene som gjeld i samfunnet. Det kan til dømes vere plikta til å gje rette og sanne opplysningar til offentlege etatar (Nav, skatteetaten, folkeregisteret og liknande).

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om menneskerettigheter som ytringsfrihet og vern mot diskriminering
gi eksempler på hvordan demokratiet i Norge fungerer, knyttet til de tre statsmaktene og prinsippet om maktfordeling, politiske partier og valgordningen

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ደሞክራስያዊ መሰላትን ግቡኣትን

ኣብ ደሞክራሲ ዝነብሩ ሰባት ናጽነት፡ ሓላፍነት፡ መሰላትን ግቡኣትን ኣሎዎም። መጀመርያ ነቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ መሰላት ንርአ።

ሰብኣዊ መሰላት

AdobeStock

ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ኣብ 1948 ዓ.ም ዝጸደቐ ኮይኑ ንዅሉ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድማ ይምልከት።

ማዕርነት

AdobeStock

ዕድመ፡ ቀቢላ፡ ስንክልና፡ ጾታ፡ ሃይማኖትን ጾታዊ ዝንባለ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ማዕረ መሰልን ዕድልን ክህልዎ ኣለዎ።

ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት

Kvinne roper inn i en megafon. Hun har høyre hånd hevet og ser engasjert ut. Foto
GettyImages

ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት ክብሃል ከሎ ብዛዕባ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘሎካ ርእይቶ ብናጻ ክትገልጽ፡ ምስ ካልኦት ከይተሰከፍካ ክትመያየጥን፡ ከይተቐጻዕካ ብዛዕባ ርእይቶኻ ብናጻ ክትጽሕፍ ምኽኣል ማለት’ዩ። ንናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት ደረት ዝገብረሉ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣሎዉና። ንኣብነት ብኣፍ ኰነ ብጽሑፍ ዓሌታዊ ጽልኢ ይኹን ካልእ ናይ ጽልኢ መግለጺ ምግባር ኣይፍቀድን’ዩ። ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት ንውልቀሰባት ይኹን ንሬድዮ፡ ቴለቪዥንን ጋዜጣታትን ዝምልከት’ዩ።

ድምጺ ምሃብ

En hånd legger en stemmeseddel inn i en stemmeurne. Foto
GettyImages

ኣብ ደሞክራሲ ነበርቲ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ድምጺ ምሃብ መሰል ኣሎዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ድምጺ ምሃብ ደረት ዕድመ 18 ዓመት እዩ። እቲ ምርጫታት እቲ ድምጺ ምሃብ ብምስጢር እዩ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ካልኦት ሰባት እቲ ውልቀ ሰብ እንታይ ከም ዘድመጸ ኣይፈልጡን’ዮም ማለት’ዩ። ኣብ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ድምጺ ንምሃብ (ስቱርቲንግ) ናይ ኖርወይ ዜጋ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ምምራጽ ኣመሓደርቲ ዞባን ምምሕዳርን ድምጺ ክትህብ ግን ቅድሚ እቲ ምርጫ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ።

ፍርዳዊ ውሕስነት

Det norske flagget, klubbe og justicia-vekten. Foto.
GettyImages

ፍርዳዊ ውሕስነት ክብሃል ከሎ፡ ዝኾነ ሰብ ፍርዳዊ መስርሕ ከይተፈጸመ ንማእሰርቲ ክፍረድ የብሉን ማለት’ዩ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገር ዝፍጸም ፍርዳዊ መስርሕ ሻራ ዘይብሎም ደያኑ እቲ ተኸሳሲ ገበነኛ ድዩ ኣይኮነን ኢሎም ይውስኑ። እቲ ክሱስ ገበነኛ ኮይኑ እንተ ተረኺቡ ድማ እዞም ሻራ ዘይብሎም ደያኑ ነቲ መቕጻዕቲ ይውስኑሉ። ኩላቶም ተኸሰስቲ ዝከላኸለሎም ጠበቓ ምርካብ መሰል ኣሎዎም።

ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን

Religiøse symboler. Islam, jødisk, kristen. Foto.
GettyImages

ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ክብሃል ከሎ፡ ሰባት ዝደልይዎ ሃይማኖት ወይ እምነት ክስዕቡ ክመርጹ ናጽነት ኣሎዎም ማለት’ዩ።፣ እዚኣቶም ነቲ ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ብናጻ ከተግብሩዎ ይኽእሉ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዝኾነ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ናብ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ወይ ቤተክርስትያን ኣገዲዱ ከእትዎም ወይ ከውጽኦም መሰል የብሉን ማለት’ዩ። ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ሃይማኖቱ ሓሳረ መከራ ክረክብ ወይ ክቕጻዕ ኣይክእልን’ዩ። ወዲ 15 ዓመት ካብ ትኸውን ኣትሒዝካ ካልኦት ዝሓስቡዎ ብዘየገድስ ኣብ ዝደለኻዮ እምነት ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ክትሕወስ ወይ ክትገድፎ መሰል ኣሎካ። ብማዕረ ናይቲ ኵሉ ሰብ ሃይማኖትን እምነትን ባዕሉ ምምራጽ መሰል ዘሎዎ፡ ኣባል ናይ ዝኾነ እምነትን ወይ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያን ዘይምዃን ናጽነት ድማ ኣሎና።

ናይ ምውዳብ ናጽነት

ናጽነት ኣባል ሓደ ማሕበርም ምዃን ክብሃል ከሎ ዝተፈላለየ ነገራት ማለት’ዩ። ገለ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዚ እዩ፦

  • ሓደ ሰብ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘሎዎ ውድባት ምዃን መሰል ኣሎዎ ብዘይ ዝኾነ ምክልባት ወይ መቕጻዕቲ ስግኣት ከየጋጠሞ ።
  • ሓደ ሰብ ምክልባት ወይ መቕጻዕቲ ከየጋጠሞ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃን መሰል ኣሎዎ። ኣብ ውሱን ኵነታት’ውን ናይ ምእዳም መሰል ኣሎዎ።
  • ሓደ ሰብ ብመንገዲ ሕጋዊ ሰላማዊ ሰልፊ ርእይቶኡ ናይ ምግላጽ መሰል ኣሎዎ።

ሓላፍነትን ግቡእን

ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኣብ ደሞክራሲ ዘለዉ ዝነብሩ ሰባት ብዙሕ መሰላት ኣሎዎም። ምስ ሓርነትን መሰላትን ተተሓሒዞም ሓላፍነታትን ግቡኣትን ይመጽኡ እዮም። ነቶም ብብዙሓት ዝተወሰኑ ሕግታትን ስርዓታትን ክንስዕቦም ኣለና። ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ዘይንፈትዎ ነገራት ንምቕያር ክንፍትን መሰል ኣለና፡ እንተዀነ ነቶም ናይ ደሞክራሲ ሕግታት ጸወታ ክንስዕቦም ይግብኣና። ሕብረተሰብ ኖርወይ ብዓቢኡ ኣብ ነንሓድሕድካ ምትእምማን ዝተመርኰሰ እዩ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዜጋታት ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዝህቡ፡ ነቲ ሕግታትን መምርሕታትን ከም ዝስዕቡዎ ይኣምኑ፡ እቶም ዜጋታት ከኣ ከም ንኣብነት ካብ ፖሊስን ካብ ኣገልግሎት ድሕነት ቈልዑ ግቡእ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ ማለት’ዩ።

ንዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ዚኽእል ነገር እንታይ እዩ፧

እዞም ባእታታት እዚኣቶም ንዲሞክራሲ ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ፦
ትሑት ተሳታፍነት ምርጫ።
ምድኻም እምነት ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት።
ናይ ሓሶት ዜናታትን ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ነቲ ብግህዶ ዚግበር ክትዕ ይዓግቱ።
ዓበይቲ ሃገራዊ ቅልውላዋት ነቲ ደሞክራስያዊ መስርሓት ጎስዮም ከም ዝኸዱ ይገብሩ ።
ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘገልግል ሕግታትን መምርሕታትን ካብቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዘወጸ ሕግታት ብቕድሚት ይስራዕ።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገር ምንባር ከመይ ይመስል፧
  • ኣብ ሓንቲ ደሞክራስያዊት ዘይኰነት ሃገር ምንባር ከመይ ይመስል፧
  • ኣብ ደሞክራሲ ኣየኖት ግቡኣት ምስ ኣየኖት መሰላት ብሓደ ዝኸዱ ኮይኑ ዝስምዓካ ተዛረብ።
  • ኣየኖት ደሞክራስያዊ መሰላትን ግቡኣትን ካብ ቅድም ትፈልጥ ኔርካ፧
  • ትሑት ተሳታፍነት ምርጫን ምጉዳል እምነት ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ስለምንታይ ስግኣት ዲሞክራሲ ከም ዝኾነ ተመያየጡ።
  • ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ እምነት/ምትእምማን በየናይ መዳይ እዩ ኣገዳሲ መለለዪ ዝዀነ፧ እዚ ብኸመይ ከም ዝግለጽ ኣብነታት ኣሎኩም ዶ፧
LØvebakken. Stortinget. Foto.
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ምሉእ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት ኣሎናዶ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ ኖርወይ ድምጺ ናይ ምሃብ ዕድመ ክንደይ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ገበን ፈጺሞም ዝተኸሰሱ መን እዮም ዝከላኸለሎም ጠበቓ ክህልዎም (ክግበረሎም) መሰል ዘሎዎም፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኣብ ደሞክራሲ ዝነብሩ ሰባት ናጽነት፡ ሓላፍነት፡ መሰላትን ግቡኣትን ኣሎዎም ።
ኣብ ኖርወይ ሓሳብካ ምግላጽ ዘሎ ናጽነት ኵሉ ዓይነት መግለጺታት ዘጠቓልል ኢዩ ።
ኣብ ደሞክራሲ ዝነብሩ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ከድምጹ መሰል ኣሎዎም ።
ኩላቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ከድምጹ ይኽእሉ እዮም ።
ኣብ ናይ ዞባን ናይ ምምሕዳርን ምርጫ ንምድማጽ ቅድሚ እቲ ምርጫ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ኖርወይ ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ከቢድ ገበን እንተ ፈጺምካ ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ክትእሰር ትኽእል ኢኻ።
ኩላቶም ተኸሰስቲ ዝማጐተሎም ጠበቓ ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
ዝኾነ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ናብ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ወይ ቤተክርስትያን ኣገዲዱ ከእትዎም ወይ ከውጽኦም መሰል የብሉን።
ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንካ ኣብ ዝደለኻዮ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ ናይ ህይወት ፍልስፍና እምነት ዘለዎም ኣባል ክትከውን ወይ ክትወጽእ መሰል ኣሎካ።
ኣብ ኖርወይ ሃይማኖት ክርስትና ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።