ተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን
ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ኖርወይ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ዝሃብተማ ሃገራት ኰይና’ላ። መሰረት ናይ’ዚ ሃብቲ እዚ እቲ ሃብታም ባህርያዊ ጸጋታትን ህዝቢ ኖርወይ ነዚ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሉ ዝወሰድዎ ተሞክሮን እዩ። ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ቅድም ቀዳድም ዓሳ፡ ጫካታትን ነዳድን’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ወሓይዝን መንጫዕጫዕታታትን ኤለትሪክ ንምፍራይ ዘገልግል ብዙሕ ማይ ኣሎ። ኣብዚ መወዳእታ ዓመታት’ውን ናይ ንፋስ ተርባይናት ተጠቒምካ ሓይሊ ኤለትሪክ ክፈሪ ጀሚሩ’ሎ።
ኣብ ኖርወይ ንመጀመርያ ግዜ ነዳዲ ኣብ መወዳእታ 1960 ታት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ እዩ ተረኺቡ። ነዳዲ ኣብ ቍጠባ ኖርወይ ዓቢ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ።
ኖርወይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ተመርኲሳ ብዙሕ ኣቕሑ ንደገ ትልእኽ’ያ። ሓደ ካብቲ ናብ ወጻኢ ብብዝሒ ዝስደድ ኣቕሓ ሓጺን ኮይኑ ብፍላይ ከኣ ኣሉሚንየም እዩ። ናይ ሓጺን/ሜታል ኢንዱስትሪ ብዙሕ ኤለትሪክ ዝሓትት’ዩ። ካብ ማይ ዝምንጩ ኤለትሪክ ከኣ ብዝሒ ዘሎዎ ሓጺን ንኽነፍሪ ኣኽኢሉና እዩ። ኣብ ኖርወይ ዓሳ’ውን ኣገዳሲ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እዩ። ዓሳ ናብ ብዙሓት ሃገራት ንልእኽ ኢና፡ ሰደድና ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ብዙሕ ዱር ኣሎ። ገለ ካብቲ ዕንጨይቲ ክሳዕ ሕጂ ሕዙእ’ዩ። ዕንጨይቲ ወረቐትን ናውቲ ህንጻን ንምስራሕ ዘገልግል’ዩ። ገለ ካብቲ ዕንጨይቲ’ውን ናብ ወጻኢ ይስደድ’ዩ።
ተፈጥሮን ህይወት ኣብ ደገ ትናፈሰሉ ከባቢን
ተፈጥሮ ንባዕሉ’ውን ሃብቲ እዩ። በጻሕቲ ሃገር ነቲ ወሽመጣትን ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሓይን ንምርኣይ ካብ መላእ ዓለም ይመጹ እዮም። ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ናብ ተፈጥሮ ቦታታት ብምኻድ ክዘናግዑን ሓድሽ ሓይሊ ክረኽቡን ይፈትዉ እዮም። ኣብ ኖርወይ ኣበይ ከም ንነብር ብዘየገድስ ናብ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ንምኻድ ኣዝዩ ሓጺር መንገዲ እዩ ዘለና፡ ኵሉ ሰብ ድማ ናብ ዝደለዮ ቦታ ክኸይድ ይኽእል። እዚ ናይ ኵሉ ሰብ መሰል ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ግዳም ቦታ (ገምገም ባሕሪ፡ ረግረግ መሬት/ዓዘቕቲ፡ ዱርን ከምኡ’ውን ኣኽራን) ብእግርና ከምኡ’ውን ብስኪ/ski ክንጐዓዝን ኣብ ዝደለናዮ ክነዕርፍ ንኽእል። ኣብ ደገ ኣብ ትሕቲ ከዋኽብቲ ወይ ቴንዳ ተኺልና ክንሓድር ንኽእል’ኳ እንተዀንና፡ ካብ መንበሪ ገዛ ወይ ጎጆ ትሕቲ 150 ሜተር ኣብ ዝቐርብ ቦታ ግን ክንገብር ኣይፍቀደናን እዩ። ኣብ ሓደ ቦታ ልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክንገብር እንተ ደሊና ነቲ ዋና መሬት ፍቓድ ክንሓቶ ኣለና። ኵሉ ሰብ ክጥቀመሉ መሰል ዘለዎ ክንጥቀም ከለና፡ ግቡኣት’ውን ኣሎዉና። ንእንስሳታት ወይ ንተፈጥሮ ክንጐድእ የብልናን። ባዕልና ዝተጠቀምናሉ ኵሉ ኣጽሪና ብድሕረና ዝኾነ ይኹን ነገር ወይ ጐሓፍ ክንገድፍ የብልናን። ኣብ ምእጓድ ሓዊ ድማ ክንጥንቀቕ ኣለና። ካብ 15 ሚያዝያ ክሳዕ 15 መስከረም ኣብ ዱር ወይ ኣብ ጥቓ ጫካ ሓዊ ምውላዕ ክልኩል እዩ። ንሓደ እዋን ጥራይ መጥበሲ ክንጥቀም ንኽእል’ኳ እንተዀንና ኣዚና ክንጥንቀቕ ግን ኣለና።
መብዛሕትኡ ቦታታት ፍረታት፡ ቃንጥሻን ዕምባባታትን ክንኣርየሉ ንኽእል’ዩ። ብዙሓት ኖርወጃውያን ኣብ ናጻ ግዜኦም ናብ ምግፋፍ ዓሳ ወይ ሃድን ይኸዱ እዮም። ኣብ ወሓይዝን ማያትን ዓሳ ንምግፋፍ ፍቓድ ንኸተውጽእ ክትከፍል ኣሎካ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ዓድኻ እንታይ ባህርያዊ ጸጋታት ኣሎ፧ እዚ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል፧
- ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን ምህርቲ ነዳድን ሓይሊ ንፋስን ተዘራረቡ።
- ብዛዕባ መሰል ኵሉ ሰብ ተዘራረቡ። ኣብ ትፈልጠን ሃገራት ተመሳሳሊ ሕግታት ኣሎዶ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኖርወይ ብብዝሒ ንወጻኢ ትሰዶ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ናብ ዝደለኻዮ ተፈጥሮዊ ከባቢ ክትናፈስ ምኻድ መሰል እንታይ ኢልና ንጽውዖ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ተፈጥሮዊ ከባቢ ክትከይድ ከለኻ እንታይ ግቡኣት ኣሎካ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ ኣቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ
ኣብ ቅኑዕ ቦታ ናይቲ ስእሊ ጠውቕ። ካብ 15 ሚያዝያ ክሳዕ 15 መስከረም ኣብ ዱር ወይ ኣብ ጥቓ ኣግራብ እንታይ ክንገብር ኢና ዘይንኽእል፧