ሓቅታት ብዛዕባ ኖርወይ

ነዛ ፊልም ርኣያ
ሓቅታት ብዛዕባ ኖርወይ

- ኖርወይ ንጉሳዊ ስርዓት ትኽተል ሃገር’ያ። ርእሰ ሃገር ንጉስ ሃራልድ ይብሃል። መዓርግ ንግስነት ዝወራረስ’ዩ።
- ኣብ ኖርወይ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ሰባት ይነብሩ (01.01.2024)። ዳርጋ ሰብዓን ሓሙሽተን ሚእታዊት ካብቶም ተቐማጦ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ እዮም። ፍርቂ ካብቲ ህዝቢ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ’ዩ ዝነብር።
- ኣብ ኖርወይ ክልተ ሃገራዊ ተፈላጥነት ዘሎዎም ወግዓውያን ቋንቋታት ኣለዉ፡ ኖርወይኛ (ኖሽክ) ከምኡ’ውን ቋንቋ ሳሚስክ። ኖርወይኛ (ኖሽክ) ቡክሞልን ኒኖሽክን ዝብሃሉ ክልተ ናይ ጽሑፍ ቋንቋታት ኣሎዉዎ።
- ስፍሓት ኖርወይ 385,178 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ህንዲ ዳርጋ ብዓሰርተ ዕጽፊ ካብ ኖርወይ ትዓቢ።
- ኖርወይ ምስ ሽወደን፡ ፊንላንድን ሩስያን ትዳወብ።
- ርእሲ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ትበሃል። ኦስሎ ኣብ ኖርወይ እታ ዝዓበየት ከተማ ኮይና ዳርጋ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ተቐማጦ ኣሎዋ (2024)።
- እተን ኣርባዕተ ዝዓበያ ከተማታት ኦስሎ፡ በርገን፡ ትሮንድሃይም፡ ስታቫንገር እየን።
- እቲ ደቡባዊ ጫፍ ናይ ኖርወይ ሊንደስነስ ይብሃል።
- እቲ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ኖርወይ ኣብ ሰሜናዊ ክቢ ዝርከብ ክኒቭሼልደን ይብሃል።
- ስቫልባርድ ብኖርወይ ዝውነና እኩባት ደሴታት’የን።
- ኖርወይ ኣብ 15 ዞባታት/ፊልከ ዝተመቐለት’ያ።
- ኖርወይ ኣብ 356 ምምሕዳራት/ኮሙነታት ዝተመቐለት’ያ።


ምንጪ፡ www.ssb.no, www.fn.no, www.oslo.kommune.no
ቅርጺ መሬት

ኖርወይ ብዙሕ ኣኽራን ዘሎዎ ዓቢ ቦታታት ኣሎዋ፡ ብዙሕ ዱር’ውን ኣሎ። እቶም ዓበይቲ ዱርን ናይ ኣኽራን ቦታታትን በረኻ ሰብ ዘይነብረሎምን እዮም። ኣብ ገለ ኣኽራን ዘሎዎ ከባብታት እምባ-በረድን ፈጺሙ ዘይመክኽ ውርጭ በረድ ንረክብ።
ገማግም ባሕሪ ኖርወይ እንተ ዘርጊሕናዮ 25,148 ኪሎ ሜተር ንውሓቱ ኣሎዎ። እዚ ርሕቀት’ዚ ማዕረ ክልተ ዕጽፊ ዙርያ ቅናት ምድሪ ዝመዓራረ እዩ! እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ተፈጥሮ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንኣሽቱን ዓበይትን ወሽመጣትን ፍዮርድታትን ኣጸቢቖም ናብ ውሽጢ እቲ ቅርጺ መሬት ይኣትው። ኣብ ገማግም ባሕሪ ከባቢ ሓምሳ ሽሕ ዝዀና ደሴታት ኣለዋ፡ እንተኾነ ሰብ ዝነብረለን ውሑዳት ደሴታት ጥራይ’የን። ገለ ካብተን ደሴታት ምስ ቀንዲ መሬት ዘራኽበን ድንድል ወይ ገለርያ ኣሎወን፡ እተን ካልኦት ደሴታት ግን ብመሰጋገሪ ጃልባ/ፋርየ ጥራይ’የን ዝራኸባ።
ኣብ ኖርወይ ምጋሽ ቀሊል’ዩ። እቲ መስመር መራኸቢ ህዝባዊ መጐዓዝያ ብጽቡቕ ኣገባብ ዝተሃንጸ እዩ። ሰብ ብመኪና፡ ኣውቶቡስ፡ ባቡር፡ መርከብ ወይ ነፋሪት ክጐዓዝ ይኽእል።







ምንጪ፡ SSB
ቅርጺ መሬት ኖርወይ መርምር
ክሊማ

ኣብ ኖርወይ ኣርባዕተ ወቕትታት ኣሎ፡ ክረምቲ፡ ጽድያ፡ ሓጋይን ቀውዕን።
ኖርወይ ንሸነኽ ሰሜን ኣዝያ ርሒቓ እያ ትርከብ። ይኹን’ምበር እቲ ኣብዚ ዘሎ ኵነታት ኣየር ካብቲ ንሓስቦ ንላዕሊ ፍዅስ ዝበለ እዩ። ከምዚ ምዃኑ ውቅያኖስ ዜቋርጽ ውዑይ ዋሕዚ/Golfstrømmen ከነመስግኖ ንኽእል። ንፋስ ጋልፍ ካብ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ናብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ኣዝዩ ውዑይ ማይ ተሰኪሙ ይመጽእ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብዚ ካባቢ ክርአ ዝግብኦ ዓቐን ሙቐት ክብ ከም ዝብል ይገብሮ።
ክሊማ ካብ ሓደ ክፋል ሃገር ናብ ካልእ ክፋል ሃገር ይፈላለ። ኣብ መንጎ’ቲ ገማግም ባሕርን ውሽጣዊ ክፋል ሃገርን’ውን ዓቢ ፍልልይ ኵነታት ኣየር ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኖርወይ እቲ ክረምቲ ኣዝዩ ነዊሕ ቈራርን ጸልማትን’ዩ። ሓጋይ ሓጺር’ኳ እንተኾነ ብሰንኪ ፍርቂ ለይቲ ጸሓይ ምህላው ግን ብርሃን ደስ ዝብልን’ዩ። ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ኣብ ክረምቲ ኣብ ውሽጢ ክፋል ሃገር ብዙሕ ውርጪ ክህሉ ከሎ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግና ሒደት ውርጪ እዩ ዘሎ። ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኖርወይ መብዛሕትኡ ግዜ ባህ ዘብልን ምዉቕን ሓጋይ እዩ ዘሎ። ኣብ ምዕራባዊ ኖርወይ ጽድያ ቀልጢፉ እዩ ዝጅምር። ካብ ኣብ ምብራቓዊ ኖርወይ ካብ ምዕራባዊ ኖርወይ ዝያዳ ዝናብ ይርአ። ኣብ እዋን ቀውዒ ኣብ ምሉእ ገማግም ባሕሪ ካብ ምዕራባዊ ኖርወይ ናብ ሰሜን ገጹ ህቦብላ ንፋስ ክህሉ ይኽእል።
ኣብ ኖርወይ እቲ ቴርሞሜተር 25 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ሙቐት ምስ ዘርኢ ብርቱዕ እዩ ንብል። እቲ ዝለዓለ ኣብ ኖርወይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቐን ሙቐት +35.6 ዲግሪ ሰንቲግረይድ እዩ። እዚ ኣብ 20 ሰነ 1970 ዓ.ም ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ኖርወይ ትርከብ ኔስብየን/Nesbyen ትብሃል ቦታ ዝተዓቀነ እዩ። እቲ ዝተሓተ ኣብ ኖርወይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቐን ሙቐት -51.4 ዲግሪ ሰንቲግረይድ እዩ። እዚ ኣብታ ኣብ ሰሜን ኖርወይ ትርከብ ካራስሾክ/Karasjok ትብሃል ቦታ ኣብ 1 ጥሪ 1886 ዓ. ም ዝተመዝገበ ነይሩ።
.jpg)
ብሓባር ተዘራረቡ

- ብዛዕባ ሓንቲ ጸቡቕ ጌርካ ትፈልጣ ሃገር ግለጽ፡ ኵነታት ኣየር ናይ’ታ ሃገር ከመይ ይመስል፧ እቶም ህዝቢ ኣበይ ይነብሩ፧ ተፈጥሮን ክሊማን ኣብቶም ነበርቲ እንታይ ትርጕም ኣሎዎ፧
- ብዛዕባ ክሊማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ስራሕ ህይወትን ኣብ ማሕበራዊ ምዕባለን ጽልዋ ኣሎዎ እንተዀይኑ ተመያየጡ።
- ናይ ትነብረሉ ዘለኻ ክፋል ኖርወይ ኵነታት ክሊማን ሙቐትን ከመይ’ዩ፧
- ኣብ ኖርወይ፡ ክሊማ ኣብ ህይወት እንታይ ዓይነት ተኽእሎታትን ደረታትን ይፈጥር፧

ዓባየይ፦ ኣይፋሉን፡ ሕጂ ንብዝሕ ዝበለ መዓልትታት ይዘንብ ኣሎ። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክቕጽል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኪ፧
ኣደ፦ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል ኣይኮነን። እንተዀነ ኣብ ሬድዮ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ክንበዩ ከለዉ ኵነታት ኣየር ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ክመሓየሽ’ዩ ይብሉ ነይሮም።
ጓል፦ ኣትን ሰባት፡ ኵሉ ግዜ ዲኽን ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ትዛረባ!
ኣደ፦ ኵላቶም ኖርወጃውያን ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ክዛረቡ ይፈትዉ እዮም።
ስለምንታይ እዮም ኖርወጃውያን ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ክዛረቡ ዝፈትዉ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ክንደይ ሃገራዊ ተፈላጥነት ዘሎዎም ወግዓዊ ቋንቋታት ኣለዉ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ዝነውሐ ፈለግ መን ተባሂሉ ይጽዋዕ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ዝተሓተ ኣብ ኖርወይ ዝተዓቀነ መጠን ሙቐት ክንደይ እዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ
ኣየናይ ስእሊ እዩ ቀውዒ ዘርኢ፧