ሕግታትን መምርሕታትን ኣብ ስራሕ ዓለም
ሕግታትን መምርሕታትን ኣብ ስራሕ ዓለም
ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ክስዕቡዎ ዘለዎም ሕግታት፡ መምርሕታትን ውዕላትን ኣለው።
ኣብ ባይቶ ኖርወይ (ስቶርቲንግ) ዘለዉ ፖለቲከኛታት ሕግታት ከውጽኡ ከለዉ፡ ማሕበራት ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ድማ ብማሕበራቶም ኣቢሎም ብዛዕባ ውዕላት ይሰማምዑ። እቶም ሕግታት ንኹላቶም ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ ክኾኑ ከለው፡ እቲ ውዕላት ግን ኣብተን ስምምዕ ዝገበራ ፍሉያት ትካላት ጥራይ ዘገልግል እዩ።
ሕጊ ስራሕ ዓለም
ኩላቶም ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ንሕጊ ስራሕ ዓለም ክስዕቡዎ ኣለዎም። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም እዚ ሕጊ ዘተኵረሎም ጕዳያት እዮም፡
- ምቝጻር ሰራሕተኛን ውዕል ስራሕን
- ሰዓታት ስራሕ
- ብኵራት ካብ ስራሕ
- ኣብ ጥዕና፡ ውሕስነት ኣከባብን ምዕያይ (HMS)
እቲ ኣስራሒ ነቲ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘሎ ናይ ስራሕ ሃዋህዉ ቀንዲ ሓላፍነት’ኳ እንተ’ሎዎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ እዚ ዝስዕብ ግቡኣት ኣለዎም
- ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህዉ ኣብ ምፍጣር ምስታፍ
- ነቲ ናይ ስራሕ ሃዋህዉ ንምምሕያሽ ዝተወሰዱ ስጕምትታት ኣብ ግብሪ ምውዓል
- ኣብቲ ትካል ኣብ ዝተወደበ ድሕነት ከባብያዊ ዕዮ ምስታፍ
ሕጊ ዕረፍቲ
ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ነገራት ገለ ይገልጽ
- ክንደይ ዝኣክል ዕረፍቲ ከም ዝግብኣካ
- ዕረፍቲ መዓስ ክውሰድ ከም ዘለዎ
- ዕረፍቲ ኣብ እዋን ምቍራጽ ስራሕ
- ሕማም ኣብ እዋን ዕረፍቲ
- ናይ ዕረፍቲ ገንዘብ
- ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሰሙን + ሓንቲ መዓልቲ ናይ ዕረፍቲ መሰል ኣሎዎም፡ ብዙሓት ግን ናይ ሓሙሽተ ሰሙን ዕረፍቲ ኣሎዎም።
- ኣብ እዋን ዓመታዊ ዕረፍቲ ደሞዝ ዘይኰነ ናይ ዕረፍቲ ገንዘብ ኢና ንረክብ።
- ክንደይ ዚኣክል ናይ ዕረፍቲ ገንዘብ ንረክብ ኣብታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝረኸብናዮ ኣታዊ እዩ ዝምርኰስ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ነቲ ኣብ ኖርወይ ንስራሕ ዝምልከት ሕግታት መን እዩ ዘዳልዎ፧
- እቲ ስርዓታት ብኸመይ ተኣታትዩ፧
- ስለምንታይ እዩ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ነቲ ሕግታትን ስርዓታትን ክፈልጡዎ ኣገዳሲ ዝዀነ፧
- ሕግታትን ስርዓታትን ናጽነት ድዩ ቀይድታት እዩ ዝህብ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንሕጊ ስራሕ ሃዋሁ ክስዕቡዎ ዘለዎም መን እዮም፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሓደ ሰብ ኣብ ኖርወይ ክንደይ ዝኣክል ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወስድ መሰል ኣሎዎ፧
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ክንደይ ዝኣክል ናይ ዕረፍቲ ደሞዝ ከም ንረክብ ኣብ ...
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ ኣበሃህላታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧