ውሕስነት ዘሎዋ ሃገር
ውሕስነት ዘሎዋ ሃገር
ኖርወይ ማዕርነት ኣብ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘሎዎ ሕብረተሰብ ዝተሃንጸት ሃገር እያ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ኩላቶም ሰባት ብማዕረ ኣገዳስነት ኣሎዎም፡ ኵሉ ሰብ ድማ ጽቡቕ ህይወት ንኽነብር ተኽእሎ ክህልዎ ኣለዎ ማለት’ዩ። መንግስትን ምምሕዳራትን ንህዝቢ ማሕበራዊ ውሕስነት ናይ ምሃብ ቀንዲ ሓላፍነት ኣሎዎም። ስለዚ ኢና ንሕና ኖርወይ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘሎዋ ሃገር ንብላ።
ማሕበራዊ ውሕስነት ብቐሊል ዝተፈጥረ ኣይኮነን። እዚ መንግስታዊ ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት መደብ ብመደብ ዝተሃንጸ እዩ። እዚ ዅሉ መደባት ንመንግስቲ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ወጻእታት ክገብር ዝሓቶ እዩ። ፖለቲከኛታት እንታይ ዓይነት መደባት ክንረክብ ከም ዘለና ይውስኑ። ስለዚ፡ እቲ ዝውሃበና መደባት ብመሰረት እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰልፍታትን ኵነታት
ቍጠባ ናይ’ቲ ሕብረተሰብን ክቀያየር ይኽእል።
ሓደ ብማሕበራዊ ውሕስነት ዝምራሕ መንግስቲ ብዝተኻኣለ መጠን ኣብ ብዙሓት ዝሰርሑን ግብሪ ዝኸፍሉን ሰባት ዝምርኰስ’ዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ርእሶም ክኽእሉን ኣብ ካልእ ዘይምርኰሱን ክኾኑ እዮም ዝደልዩ። እንተዀነ፡ እቲ ሃገራዊ ማሕበራዊ ውሕስነት ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ቍጠባዊ ሓገዝ ክገብረሎም ይኽእል እዩ።
ኣብነታት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት መደባት -
- ኣብ እዋን ሕማም ትኽፈሎ ደሞዝ
- ኣብ እዋን ሽቕለት ኣልቦነት ዝውሃብ ሓገዝ
- ደገፍ ኢንትሮ
- ናጻ ትምህርቲ
- ብዘይ ክፍሊት ኣብ ሆስፒታል ምጽናሕ
- ውሕስነት ቈልዑ
ምጥቃም ረብሓታት ማሕበራዊ ውሕስነት ብዓቢኡ ኣብ ምትእምማን ዝተመርኰሰ እዩ። መንግስትን እቶም ዜጋታታን ነንሓድሕዶም ይተኣማመኑ እዮም። እቶም ነበርቲ መንግስቲ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከም ዝሕግዞም ይኣምኑሉ እዮም፡ እቲ መንግስቲ ድማ ዜጋታቱ ነቲ ረብሓታት ውሕስነት ብዘይግቡእ ከም ዘይጥቀሙሉ እምነት ኣሎዎ።
ናቭ
ኵላተን ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ምምሕዳራት ቤትጽሕፈት ናቭ ኣሎወን። ኣብ ቤትጽሕፈት ናቭ፡ ናብ ስራሕ ንምጅማር ብቕዓት ከነጥሪ ክንሕገዝ ወይ ኣብ እዋን ሕማም ወይ ኣብ ካልእ ኣጸጋሚ እዋናት ቍጠባዊ ሓገዝ ዘድልየና እንተዀይኑ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ናቭ ናይ ኵሉ’ቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ መስርሕ ማሕበራዊ ውሕስነት ሓላፍነት ኣሎዎ። ብተወሳኺ ናቭ ማሕበራዊ ሓገዝ ናይ ምግባር፡ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ዝኽፈል ገንዘብ፡ ናይ እዋን ሕማም ደሞዝ፡ ጡረታ፡ ንውሕስነት ቈልዑ ተባህሊ ዝወሃብ ገንዘብ ኮንታንት ስቶተን ናይ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘሎዎ ይጥቀስ።
ናቭ ዳርጋ ንሓደ ሲሶ ሃገራዊ ባጀት የመሓድር፡ ዳርጋ ናብ 22000 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታት ድማ ኣሎዎ።
ማሕበራዊ ውሕስነት ዘሎዎ ሕበረተሰብ ስራሕ ይፈጥር
ብማሕበራዊ ውሕስነት ዝምራሕ ሕብረተሰብ ብዙሓት ሰራሕተኛታት የድልዩዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ሰላሳ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ እዮም። ማሕበራዊ ውሕስነት ኖርወይ ብግቡእ ንኽሰርሕ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሞያውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ክሰርሑ ኣለዎም።
ገለ ኣብነታት እንሆ፦
- መምህራን፡ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈታት፡ ሰራሕተኛታት ጽሬትን ካልኦት ሰራሕተኛታት ኣብያተትምህርትን
- ሓካይም፡ ነርሳት፡ ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት፡ ሰራሕተኛታት ጽሬትን ካልኦት ኣብ ሕክምናን መናበዪ ኣረጋውያንን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት
- ኣለይቲ ጕዳያት፡ ሰራሕተኛታት ኣብያተጽሕፈት ከምኡ’ውን ካልኦት ሰራሕተኛታት ናቭ
ብሓባር ተዘራረቡ
- ማዕርነት እንታይ እዩ፧ ማሕበራዊ ውሕስነት እንታይ እዩ፧ ጽቡቕ ህይወትከ እንታይ እዩ፧
- ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ዘሎ ጽቡቕ ነገር ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ተመያየጡ።
- ናቭ ኣብ ሃገራዊ ውሕስነት ኖርወይ ዘሎዎ ኣገዳስነት ብሓባር ተዘራረቡሉ።
- ናቭ ነቲ ሓደ ሲሶ ናይ መንግስቲ ኖርወይ ባጀት ዘካይድ’ዩ። እዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ማሕበራዊ ውሕስነት ኖርወይ እንታይ ይነግረና፧ እቲ ገንዘብ ካበይ’ዩ ዝመጽእ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንህዝቢ ኖርወይ ረብሓታት ድሕነት ምቕራብ ቀንዲ ሓላፍነት ዘሎዎ መን እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ ።
ኣብነታት መዳባት ድሕነት ዝብሃሉ ኣየኖት እዮም፧ ብዙሕ መልስታት ምሃብ ይከኣል'ዩ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ቀንዲ ዕዮ ናቭ እንታይ እዩ፧ ብዙሕ መልስታት ቅኑዕ ኣሎ።
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ
ኣየናይ ሞያታት ኢና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንግስታዊ/ምምሕዳራዊ ትካላት ንረክብ፧ ብዙሕ መልስታት ምሃብ ይከኣል'ዩ።