ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Snakk sammen

Det er foreldrene som har tatt valget om å flytte seg og familien til et nytt land og en ny kultur. Det er viktig å snakke om uunngåelige følger av dette. Barna vil vokse opp i et samfunn med kanskje helt andre verdier og normer enn det foreldrene er vant med. Nyankomne foreldre må tenke gjennom mulige konsekvenser av det valget de har tatt på vegne av barna og seg selv.

Det finnes minoritetsrådgivere på noen ungdomsskoler og på noen videregående skoler. Minoritetsrådgiverne har kompetanse på problemstillinger knyttet til negativ sosial kontroll, tvangsekteskap og æresrelatert vold, og samarbeider tett med skolens elevtjeneste. Minoritetsrådgiverne kan gi råd og veiledning til elevene.

Tips til undervisninga

Snakk saman

Det er foreldra som har teke valet om å flytte seg sjølve og familien til eit nytt land og ein ny kultur. Det er viktig å snakke om dei uunngåelege følgjene av dette. Barna vil vekse opp i eit samfunn som kan ha heilt andre verdiar og normer enn dei foreldra er vane med. Foreldre som nyleg har kome til Noreg, må tenkje gjennom kva følgjer det valet dei har teke på vegner av barna og seg sjølve, kan få.

Det finst minoritetsrådgjevarar på nokre ungdomsskular og vidaregåande skular. Minoritetsrådgjevarane har kompetanse på problemstillingar som gjeld negativ sosial kontroll, tvangsekteskap og æresrelatert vald, og dei samarbeider tett med elevtenesta på skulen. Minoritetsrådgjevarane kan gje elevane råd og rettleiing.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om hva negativ sosial kontroll, vold i nære relasjoner, tvangsekteskap og kjønnslemlestelse er, om juridiske og personlige konsekvenser av dette, og om aktuelle hjelpetilbud

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet

ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር

En ung kvinne sitter i vinduskarmen. Hun er trist og betenkt mens hun ser ut av vinduet. Bildet illustrerer en persons manglende frihet når hun blir utsatt for negativ sosial kontroll. Foto
GettyImages

ማሕበራዊ ምቍጽጻር ብዛዕባ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ስሩዕ ባህርያትን ኣካይዳን ንጥቀመላ ኣምር’ያ። ንኣብነት ወለዲ ንደቆም ኣብ እዋን ኣተዓባብያኦም ኣብ ህይወቶም ከምዚ ዝመስል ደረት ይገብሩሎም’ዮም፡ ሕብረተሰብ ድማ ብዝተጸሓፈን ዘይተጻሕፈን ስርዓታትን ሕግታትን ኣቢሉ ተቐባልነት ዘሎዎ ደረት ይገብር።

ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ፡ መንእሰያት ወይ ዓበይቲ እቲ ናይ ቀረባ ስድራቤት ዘውጽኦ ሕግታት ኣዝዩ ጽኑዕ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል’ዩ። ሽዑ እቲ ሕግታት ከም ዘይምኽንያታዊ ጌርካ ይውስድ’ሞ እቲ ማሕበራዊ ቍጽጽር ድማ ከም ኣሉታዊ ይርአ። እቲ ወለዲ ወይ ካልእ ናይ ቀረባ ርክብ ዘሎዎም ሰባት ዝገብሩዎ ደረት ምስቲ ሕብረተሰብ ከም ባህርያዊ ገይሩ ዝርእዮ ደረታት ዝጋጮ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር እቲ ውልቀሰብ ዘሎዎ ብሕታዊ/ውልቃዊ ናጽነትን ነብሱ ክኢሉ ናይ ምንባርን መሰል ክኽልክሎ ይኽእል’ዩ። ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር ቈልዑን መንእሰያትን ምስቲ ዓቢ ሕብረተሰብ ኖርወይ ንኸይውሃሃዱ ክዓግቶም ይኽእል’ዩ።

ብሓባር ተዘራረቡ

መርሄት ጓል 14 ዓመት ኮይና ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ትምሃር። ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ናጻ ህይወት ትነብር ነይራ፡ እቶም ወለዳ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ደረት እዮም ዝገብሩላ ነይሮም። ሕጂ ኣብ ብጽሕና ምስ በጽሐት ግና ወለዳ ዝያዳ ጥብቂ ከም ዝዀኑ ተስትብህል ኣላ። ምስ መሓዙታ ናብ ገዝአን ክትከይድ ኣይፍቀደላን ድሕሪ ትምህርቲ ድማ ትኽ ኢላ ንገዛኣ ክትመጽእ ኣለዋ። ምኽንያቱ ኣቦኣ ክትጻወት ከላ ሓጺር ስረ ክትገብር ስለ ዘይፈቱ ኵዑሶ ኢድ/ሆንድባል ምጽዋት ኣቋሪጻቶ። ምሸት ምሸት ኣዲኣ ምስ መን ከም ዝተዛረብትን ንመን መልእኽቲ ትልእኽ ከም ዘላ ንምፍላጥ ቴለፎና ትፍትሻ።

ሓዋ ካብኣ ብኽልተ ዓመት ይዓቢ። ንዑኡ ግና ብጥብቂ ኣይከታተሉዎን’ዮም። መርሄት በዚ ጕህያ፡ ወለዳ ድማ ዘይኣምኑዋ ዀይኖም ይስምዑዋ ኣለዉ። ብሓቂ ወትሩ እንተ ዘይተቘጻጺሮማ ጌጋ ክትገብር’ያ ኢሎም ድዮም ዝኣምኑ፧

ብዛዕባ ኵነታት መርሄት ተመያየጡ።

  • ወለዳ ብኸመይ እዮም ዝሓስቡ ዘለዉ፧
  • ከምዚ ዝኣመሰለ ምቍጽጻር ምግባር እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል፧
  • መርሄትን ወለዳን ብኸመይ መዓልታዊ ናብርኦም ከመሓይሹ ይኽእሉ፧

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡
መርሄት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ጀሚራ። ህይወታ ኣዝዩ እኛኸበደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ መንጎኣን እተን ኖርወጃውያን ቤትትምህርቲ መሓዙታን ዘሎ መዓልታዊ ህይወት ዓቢ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣስተብሂላ። እተን ኣብ ክፍላ ዝርከባ ካልኦት ኣዋልድ ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ትምህርቲ ይራኸባን ደስ ዝብለን ነገራት ድማ ይገብራ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ብሓንሳብ ይሓድራ ብዛዕባ ምርኻበን ምስ ኣወዳትን ድማ የዕልላ። መርሄት ካብቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ማሕበረሰባዊ ህይወት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትወጽእ ዘላ ኰይኑ ይስምዓ። ሽሕ’ኳ ንስድራቤታ ተፍቅሮም እንተዀነት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝኣተወትን ዝተሓበሰትን ኮይኑ ይስምዓ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ ንወጻእተኛታት ተመሃሮ ኣማኸሪት ከም ዘላ ሰሚዓ ኣላ። ንዓኣ ደፊራዶ ክተዘራርባ፧

  • ንመርሄት እንታይ ምኽሪ ምሃብኩማ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ማሕበራዊ ቍጽጻር እንታይ ማለት'ዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር እንታይ ማለት'ዩ፧

ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ

ሓደ ሰብ እቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤት ዘውጽኡዎ ሕግታት ተረርቲ እዮም ኢሉ ክሓስብ ከሎ....................ይኽእል

ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ

ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር ....... ይኽእል

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ኣሉታዊ ማሕበራዊ ምቍጽጻር ነቲ ውልቀሰብ ንህይወቱ ከም ድላዩ ክመርሓ ዘሎዎ መሰል ክኽልክሎ ይኽእል'ዩ።
ወለዲ ዘውጽኡዎ ገደብ ምስቲ እቲ ሕብረተሰብ ዘውጽኦ ገደብ ክራጸሙ ይኽእሉ እዮም።
ሓደ ሰብ ንኣሉታዊ ማሕበራዊ ቍጽጽር ምስ ዝግበረሉ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ክወሃሃድ ዝቐለለ እዩ።
ማሕበራዊ ቍጽጽር ማለት ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ኣብ ዘሎ ባህርያትን ኣነባብራን ዝውስን ገደብ ኢዩ።