ዘመናዊት ኖርወይ
ዘመናዊት ኖርወይ
ሎሚ ኖርወይ ሓንቲ ዘመናዊትን ብዙሕነት ባህልታት ዘሎዋ ሃገር’ያ። ደረጃ መነባብሮ ክብ ዝበለ እዩ፡ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኸኣ ነቲ ሕብረተሰብ መለለዪኡ እዩ። ኖርወይ ምስ ፖለቲካ ኖርወይ ጽልዋ ኣብ ዘሎዎም ከም ው.ሕ.ሃ፡ ኔቶን ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝኣመሰሉ ውድባት ብምትሕብባር ትሰርሕ’ያ።
ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብ ኖርወይ እንታይ ስነምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘገድስ ብሃውሪ ንሓደ ሓላፍ መንገዲ ሰብ እንተ ንሓቶ፡ ገለ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስነምግባራዊ ስርዓታት ማዕርነት ክብርን ናይ ገዛእ ህይወትካ ምውሳን ናጽነት ዝብል መልሲ ምሰማዕና ኔርና።
ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ይኹን ን ሕብረተሰባት ኣብ ኖርወይ’ውን ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። እቲ ሕግታት ብቀንዲ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ መትከላት ማዕርነት ክብሪ ዝተሃንጸን ንዜጋታት ከኣ ብዙሕ መሰላት ዝህብን እዩ። ኣብ ታሕቲ ንኖርወይ ናብዚ ሎሚ ንፈልጦ ሕብረተሰብ ከም ትበጽሕ ዝገበረ ገለ ረቛሕታት ብቐረባ ክንርኢ ኢና። እቶም ዓበይቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት ኣብ ምዕባለ ዘመናዊት ኖርወይ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም። ብፍላይ ከኣ ምንቅስቓስ ሸቃሎን ምንቅስቓስ ደቂ’ንስትዮን ማእከላይ ዝኾነ ቦታ ኣሎዎም።
ምንቅስቓስ ሸቃሎ
እቲ ኣብ ኖርወይ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሸቃሎ ካብ ዓመተ 1600 ኣትሒዙ ዝጀመረ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ 1880 ታት ኣትሒዙ ግን ዝያዳ ኢንዱስትርያዊ ናይ ስራሕ ቦታታት ምስ ተፈጥረ ዝያዳ ተወዲቡ። ካብ ፈለማ ናይ ዓመተ 1900 ኣትሒዙ እቲ ምንቅስቓስ ዝያዳ ጽልዋ ገይሩ። እቲ ምንቅስቓስ ሸቃሎ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ኵነታት ስራሕ ከም ዝህልዎም ገይሩ፡ ገለ ካብዚ ድማ ሓጺር ናይ ስራሕ መዓልታት፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዝሓሸ ውሕስነት፡ መድሕን ጥዕናን ሽቕለት ኣልቦነት ከጋጥም ከሎ ቍጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰልን እዮም። ሎሚ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ማሕበር ሸቃሎ ዝተወደቡ እዮም።
ምንቅስቓስ ደቂ’ንስትዮ
ምንቅስቓስ ደቂ’ንስትዮ፡ ንመሰላት ደቂ’ንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብን ንደቂተባዕትዮን ደቂ‘ንስትዮን ማዕረ ዕድላት ክህሉ ዝቃለስ ዘሎ እዩ። ኣብ ኖርወይ ምንቅስቓስ ደቂ‘ንስትዮ ካብ 1880 ታት ኣትሒዙ ንጡፍ ነይሩ፡ ኣብ 1913 ዓ.ም ድማ ኣብ ኖርወይ ዝነበራ ደቂ’ንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል ተዋሂቡወን።
ኣብ 1970 ታት ምንቅስቓስ ደቂ’ንስትዮ ከምብሓድሽ እናሓየለ መጺኡ። ኣብ 1978 ዓ.ም እቲ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ወጺኡ። ገለ ካብቲ እዚ ሕጊ እዚ ንደቂ’ንስትዮ ዝህበን መሰላት፡ እታ ጓልኣንስተይቲ እቲ ጥንሲ 13 ሰሙን ከይመልአ ከሎ ክትንጽሎ መሰል ይህባ። ናይ ፍትሕ መሰል፡ መሰል መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ባዕልኻ ምውሳንን እታ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ኣካላታ ናይ ምውሳን መሰል ዝብልን እቶም ቀንዲ ኣገዳሲቲ ጕዳያት ናይቲ ምንቅስቓስ ነይሮም።
ሎሚ ደቂተባዕትዮን ደቂ’ንስትዮን ማዕረ መሰል ትምህርትን ስራሕን፡ ውርሻ ንብረትን፡ መድሃኒትን ጽቡቕ ጥዕናን ኣሎዎም። ናይ ሓደ ሰብ ጾታ፡ ንሳ ወይ ንሱ እንታይ መሰላትን ዕድላትን ከም ዝረኽቡ ኣይውስንን’ዩ። ይኹን’ምበር ገለ ሰባት ኣብ ገለ ዝተፈልዩ መዳያት ምሉእ ማዕርነት ክሳዕ ንረክብ ገና ስራሕ ይጽበየና ኣሎ ይብሉ።
ነዳዲ
ኣብ 1960 ታት ሓያሎ ትካላት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ነዳድን ጋዝን ክፍትሻ ደልየን። ኣብ 1967 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ነዳዲ ተረኺቡ፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ኖርወይ ሓንቲ ናይ ነዳዲ ሃገር ኮይና። እዚ ኣብ ቍጠባ ኖርወይ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ዝነበረ ንምምንጫው ሓይሊ ኤለትሪክ ዝምልከት ሃብቲ ነዳዲ ድማ ዋንነት ህዝቢ ክኸውን ተዓቂቡ። ናይ ብሕቲ ትካላት ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ንዝተወሰነ እዋን ነዳዲ ናይ ምድህሳስ፡ ምዅዓትን ምውጻእን መሰል ክዕድጋ ተፈቒዱለን። ሎሚ ኣብዚ ሕብረተሰብ’ዚ ብዛዕባ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ምይይጥ ይግበር ኣሎ። እዚ ኢንዱስትሪ እዚ ኣብ ተፈጥሮን ከባብን ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤን ዝኾነ ስምምዕ የልቦን።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ቅድሚ 1850 ዓስርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይነብር ነይሩ። ኣብ ከባቢ 1900 35 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይነበር ነይሩ፡ ሕጂ ኸኣ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣብ ንኣሽቱን ዓበይቲን ከተማታት ይነብር። ኣብ ካልኦት ንስኻ ትፈልጠን ሃገራት ተመሳሳሊ ምዕባለ ይርአዶ፧
- ብዛዕባ እወታውን ኣሉታውን መዳያት ምግዓዝ ህዝቢ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ተመያየጡ።
- ምንቅስቓስ ሸቃሎ ኣብ ምዕባለ ዘመናዊት ኖርወይ ዘሎዎ ኣገዳስነት ብሓባር ተዘራረቡ። ኣብ ካልኦት ንስኻ ትፈልጠን ሃገራትከ ተመሳሳሊ ምዕባለ ኣጋጢሙ ይፈልጥዶ፧
- ምንቅስቓስ ደቂ’ንስትዮ ኣብ ምዕባለ ዘመናዊት ኖርወይ ዘሎዎ ኣገዳስነት ብሓባር ተዘራረቡ። ኣብ ካልኦት ንስኻ ትፈልጠን ሃገራትከ ተመሳሳሊ ምዕባለ ኣጋጢሙ ይፈልጥዶ፧
- ብዛዕባ መሰላት ደቂ’ንስትዮ ኣብ ኖርወይ ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ተዘራረቡ።
- ንሕና ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ዘይምዃንና ንኖርወይ ገለ ኣገዳስነት ኣሎዎዶ፧
- ኣብ መወዳእታ 1960 ታት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብዝተረኸበ ነዳድን ጋዝን ንኖርወይ ሃብታም ሃገር ገይሩዋ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናጻ ትምህርቲ፡ ኣብ ሓለዋ ጥዕና ናጻ ወይ ከኣ ሓገዝ ብመንገስቲ ምርካብ፡ ዝሓጸረ ናይ ስራሕ መዓልታትን መድሕን ጥዕናን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ምርካብ ነዳዲ ቅድሚ ምርካቡ ዝነበረ እዩ። ነዚ ውሳኔታት’ዚ መሰረት ገይሮም ብዛዕባ ዘለዉ ስነምግባራዊ ክብርታት ብሓባር ተዘራረቡ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ክንደይ ክፋል ናይቶም ኖርወጃውያን ሰራሕተኛታት ኢዮም፡ ኣባላት ማሕበር-ሰራሕተኛታት ዘለዉ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ነዳዲ ዘይቲ መዓስ ተረኺቡ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ኣብ 1978 ዓ.ም ዝጸደቐ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ እንታይ መሰል ይህብ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧