ማእከላይ ዘመንን ናይ ሕብረት ግዜን
ማእከላይ ዘመንን ናይ ሕብረት ግዜን
ክርስትና ናብ ኖርወይ ይመጽእ
ክርስትና ናብ ኖርወይ ቅድሚ ምምጽኡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ደቡብ ኤውሮጳ ልሙድ ሃይማኖት’ዩ ነይሩ። ኡላቭ ሃራልድሶን ኣብ 1030 ዓ.ም ኣብ ውግእ ስቲክለስታድ ምስ ተቐትለ ግን ወዲ ኡላቭ ነቦኡ ቅዱስ ንምግባር ካብታ ቤተክርስትያን ሓገዝ ረኺቡ። ቀስ ብቐስ ገለ ካብቶም ሓያላት ሓረስቶትን ሓለፍትን ኣመንቲ ክርስትና ኰይኖም። እቶም ስልጣን ዝነበሮም ሰባት እምነቶም ምስ ቀየሩ ብዙሓት ካብቶም ተራ ሰባት’ውን ከምኡ ገይሮም። ቤተክርስትያን ብኡንብኡ ብዙሕ ስልጣን ረኺባ። እቶም ህዝቢ ንቤተክርስትያን ግብሪ ክኸፍሉ ነይሩዎም፡ ብዙሓት ከኣ ንቤተክርስትያን ካብ መሬቶም ሂቦም። ሃይማኖት ኣብ ንቡር ህይወት ተራ ሰባት ዓቢ ቦታ ሒዙ።
ጸሊም ፌራ
ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ ካብ 1000 ክሳዕ 1300 ዓ.ም ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዘሎ ዓመታት ካብ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ናብ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣቢሉ ደዪቡ፡ ዋላ`ኳ ብዙሕ ሞትን ሕማምን’ኳ እንተ ነበረ ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ዝውለዱ ዝነበሩ ቈልዑ ደቂ ሓደ ዓመት ቅድሚ ምዃኖም ይሞቱ ነይሮም፡ ብዙሓት ደቂ’ንስትዮ ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ ይሞታ ነይረን።
ኣብ መፋርቕ መበል 14 ዘመን ኣብ ዓለም ዝተላበደ ሕማም ኣትዩ። እቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ኣካላቶም ሰማያዊ ጸሊም ዝሕብሩ ዓበይቲ ሕበጥ ኣብ ኣካላቶም ወጺእዎም። ስለዚ እዩ ኸኣ ለብዒ እዚ ጸሊም ሞት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተታሕዙ ኣብ ውሽጢ ውሑድ መዓልትታት ይሞቱ ነይሮም። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰብዓን ሓሙሽተን ሚልዮን ክሳዕ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት በቲ ተላባዒ ሕማም ከም ዝሞቱ ይግመት። ኣብ ኤውሮጳ ዳርጋ ፍርቂ እቲ ህዝቢ ሞይቱ እዩ። ኣብ ኖርወይ ሓደ ሲሶ ካብቲ ህዝቢ በዚ ሕማም’ዚ ሞይቱ።
ቤተክርስትያን፡ ንጉስን መኳንንትን ስልጣን ረኺቦም
ኣብ ማእከላይ ዘመን መብዛሕትኦም ሰባት ሓረስቶት’ዮም ነይሮም። ኣብ ዘመነ ቪኪንግ መብዛሕትኦም ሓረስቶት ሕርሻኦምን መሬቶምን ባዕሎም ይውንኑዎ’ኳ እንተ ነበሩ ሕጂ ግን መብዛሕትኦም ሓረስቶት ንቤተክርስትያንን ንንጉስን ንመኳንንትን ግብሪ ክኸፍሉ ጀሚሮም። እቶም ግብሪ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ሰባት ድማ መሬቶም ይሕደጉ ነይሮም። ብኸምዚ ኣገባብ ቤተክርስትያን፡ ንጉስን መኳንንትን ክህብትሙ ከለዉ እቲ ተራ ህዝቢ ግን ዝያዳ ደኽዩ።
እተን ናይ መጀመርያ ከተማታት ኖርወይ ኣብቲ ግዜ’ቲ እየን ተመስሪተን። እተን ዝዓበያ በርገን (ብዮርግቪን)፡ ትሮንድሃይም (ኒዳሮስ)፡ ኦስሎ፡ ስታቫንገርን ቶንስበርግን ነይረን።
ሕብረት
ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዴንማርክ ኣብ ኖርወይ ዝያዳ ጽልዋ ኣጥርያ፡ ካብ 1397 ዓ.ም ኣትሒዛ ኸኣ ኖርወይ ምስ ዴንማርክን ሽወደንን ሓቢራ። እቲ ሕብረት ሓደ ናይ ሓባር ንጉስ ነይሩዎ። ድሕሪ ገለ እዋን ሽወደን ካብቲ ሕብረት ስሒባ፡ እቲ ኣብ መንጎ ዴንማርክን ኖርወይን ዝነበረ ሕብረት ግን ክሳዕ ዓመተ 1814 ዓ.ም ቀጺሉ። እቲ ፖለቲካ ብዴንማርክ እዩ ዝምራሕ ነይሩ። ኮፐንሃገን ባህላዊ ማእከል ናይቲ ሕብረት እያ ነይራ፡ ኖርወጃውያን ከኣ ብቋንቋ ዴንማርክ የንብቡን ይጽሕፉን ነይሮም። ኖርወጃውያን ሓረስቶት ነቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝነበረ ንጉስ ግብሪ ይኸፍሉ ነይሮም፡ ንኽመሃሩ ኸኣ ናብ ኮፐንሃገን ይኸዱ ነይሮም።
ፕሮተስታንትነት
ኣብ ዓመተ 1517 ሓደ ሃይማኖታዊ ናዕቢ ተላዒሉ። ጀርመናዊ ፈላሲ ማርቲን ሉተር ንስልጣን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቓዊሙ። ማርቲን ሉተር ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥርዩ። ተቓውሞ ስለ ዘበገሱ ፕሮተስታንት ተባሂሎም’ዮም ይጽውዑ ነይሮም። ሓያሎ ነገስታት ሰሜናዊ ኤውሮጳ ንማርቲን ሉተር ደጊፎሞ። ንጉስ ዴንማርክ ናብ ፕሮተስታንትነት ቀዪሩ። ፕሮተስታንትነት ክሳዕ’ቲ ኣብ 2012 ስርዓት ቤተክርስትያንን መንግስትን ደው ዝብል፡ ኣብ ኖርወይ ወግዓዊ መንግስታዊ ሃይማኖት እዩ ነይሩ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሃገርካ ዝነበረ ታሪኽ ከመይ ነይሩ፧
- እቲ ጸሊም ፌራ (ሞት) ናብ ሃገርካ ኸ መጺኡ ነይሩዶ፧
- ኣብ’ዚ ግዜና ምስ እዚ ዝመሳሰል ነገር ክትርኢ ትኽእልዶ፧
- ሃይማኖት ኣብ ህይወት ሰባት ዓቢ ቦታ እዩ ነይሩዎ። ቤተክርስትያን ብዙሕ ሓይሊ ነይሩዋ። እዚ ነቶም ሰባት ብኸመይ ዝጸለዎም ይመስለካ፧ ሎሚኸ ከመይ እዩ ዘሎ፧
- እቲ ምስ ዴንማርክ ዝነበረ ሕብረት ነቲ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ህዝብን ንምዕባለ ሕብረተሰብ ኖርወይን ብኸመይ ዝጸለዎ ይመስለካ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብቲ ብዘበነ "ጸሊም ሞት" ዝፍለጥ ግዜ፡ ክንደይ ክፋል ናይ ህዝቢ ኖርወይ ሞይቱ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኖርወይ ምስ ሽወደንን ዴንማርክን ዝሓበረት ኣብ ኣየናይ ዓመት ነይሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ጀርመናዊ ፈላሲ ማርቲን ሉተር ኣብ መጀመርያ ዓመተ 1500 እንታይ እዩ ተቓዊሙ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧