ደሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Utforsk den interaktive illustrasjonen av maktfordelingsprinsippet.

Se filmen

Videoen består av 14 klipp. Det første klippet viser et digitalt kart over Norge, før vi ser slottet og Stortinget. Deretter vises et klipp fra en juridisk avtale som inngås, og vi ser et klipp med flagg fra forskjellige nasjoner i verden, før vi ser et nytt klipp av Stortinget. De neste åtte klippene viser eksempler på velferdsstaten og hva politikerne jobber for: skoler, sykehus, vannkraft og veier.

Forslag til spørsmål

Hva mener du Norge burde bruke mer penger på? Hva mener du Norge burde bruke mindre penger på?
Hva er positivt med at skoler og sykehus er gratis? Finnes det noe negativt?
Hvem burde bestemme hva man lærer om på skolen? Hva bør de som bestemmer tenke på?

Snakk sammen

Folket velger politikere som bestemmer ting som igjen påvirker hverdagen til folket. Hvilke partier flertallet stemmer på, får betydning for politikken i Norge og dermed folks hverdag.

Vi er alle med på å påvirke små og store saker både lokalt og nasjonalt gjennom stemmene våre. Alt er politikk: barnehagepriser, ordninger hos Nav, skatter og avgifter osv.

Tips til undervisninga

Utforsk den interaktive illustrasjonen av maktfordelingsprinsippet.

Sjå filmen

Videoen er sett saman av 14 klipp. Det første klippet viser eit digitalt kart over Noreg, før vi ser Slottet og Stortinget. Deretter ser vi inngåing av ein juridisk avtale og flagg frå forskjellige nasjonar i verda, før vi ser eit nytt klipp av Stortinget. Dei neste åtte klippa viser døme på velferdsstaten og kva politikarane jobbar for: skular, sjukehus, vasskraft og vegar.

Framlegg til spørsmål

Kva meiner du Noreg burde bruke meir pengar på? Kva meiner du Noreg burde bruke mindre pengar på?
Kva er positivt med at skular og sjukehus er gratis? Finst det noko negativt?
Kven burde bestemme kva ein lærer om på skulen? Kva bør dei som bestemmer tenkje på?

Snakk saman

Folket vel politikarar som avgjer ulike ting, og desse avgjerdene påverkar så kvardagen til folket. Kva for parti fleirtalet stemmer på, har mykje å seie for politikken i Noreg og såleis for folk sin kvardag.

Vi er alle med på å påverke store og små saker, både på det lokale og det nasjonale nivået, gjennom stemmene våre. Alt er politikk: barnehageprisar, ordningane til Nav, skattar og avgifter osv.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Digitale ferdigheter
Muntlige ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på hvordan demokratiet i Norge fungerer, knyttet til de tre statsmaktene og prinsippet om maktfordeling, politiske partier og valgordningen

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet
Utforsking
Video

ነዛ ፊልም ርኣያ

ደሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

Oslo sett i fugleperspektiv. Bildet er tatt fra luften over vannet ved Oslo Rådhus. På bildet kan vi se tusenvis av tusenvis av boliger og bygg i Oslo. Foto
GettyImages

መንግስቲ፡ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከበባዊ ምምሕዳራትን/ኮሙነታት

  • ኣብ ኖርወይ 15 ዞባዊ ምምሕዳራትን 356 ከበባዊ ምምሕዳራት/ኮሙነታትን ኣለዋ። (1.1.2024)።
  • ዞባታዊ ምምሕዳራትን ከበባዊ ምምሕዳራት/ኮሙነታት ጆግራፍያዊ ቦታታትን ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዘሎወን ኣሃዱታት’የን።
  • ወላኳ’ቲ መንግስቲ ነቲ ዝበዝሐ ጕዳያት ዝውስን እንተዀነ ምምሕዳራትን ዞባዊ ምምሕዳራትን ኣብ ገለ ጕዳያት ባዕላተን ናይ ምውሳን መሰል ኣሎወን።
  • መንግስቲ ንምምሕዳራዊ ዞባታትን ንምምሕዳራትን ደረት ይገብረሎም’ዩ።
  • መንግስቲ ኣብ ምልእቲ ሃገር ክውስን ከሎ ዞባዊ ምምሕዳራትን ምምሕዳራትን ግን ኣብ ከባቢእን ጥራይ’የን ዝውስና።

ገለ ካብ መንግስቲ ዘሎዎ ሓላፍነታት

  • ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት
  • ሆስፒታላት
  • ሕግታት
  • ውጥን ትምህርቲ ንኣብያተ ትምህርቲ

ገለ ካብ ሰበ ስልጣን ዞባዊ ምምሕዳራት ዘሎዎም ሓላፍነት

  • ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ
  • ዞባዊ መንገድታት
En sykehuskorridor. En mann i sykepleieruniform går med ryggen mot kameraet. Han triller en tom sykehusseng. To personer i sykepleieruniform går mot kamera og snakker sammen. Foto
En bil i fart kjører på en vei. Langs veien er det autovern. I bakgrunnen kan vi se natur og et vann. Foto
GettyImages

ገለ ካብ ምምሕዳራት ዘሎዎም ሓላፍነት

  • መባእታውን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ
  • መውዓሊ ሕጻናት
  • ምክንኻን ኣረጋውያን
  • ምሕዳስ መስመራት ማይን መትረባት ረሳሕ ማይን
  • ምምሕዳራዊ መንገድታት
Elever i klasserom som rekker opp hånda. Foto
Hjemmehjelper og eldre kvinne. Foto
GettyImages

ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ኣመራርሓ

መንግስትቲ፡ ዞባዊ ምምሕዳራትን ምምሕዳራትን በቶም ብህዝቢ ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ዝምርሑ እዮም። ከምዚ ክብሃል ከሎ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጕዳያት ይመያየጡን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣየናይ ፖሊሲታት ከም ዘገልግል ድማ ይውስኑ ማለት’ዩ። እንተዀነ እቶም ቤትጽሕፈት ዘለዉ - ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ዞባዊ ምምሕዳራትን ምምሕዳራትን ዘለው ሰራሕተኛታት እዮም ነቲ ፖለቲካ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉዎ ።

ኣብነታት ፦

  • ፖለቲከኛታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘገልግል ውጥን ትምህርቲ ይውስኑ። እቶም መምህራን ከኣ ብመሰረት’ዚ መደባት’ዚ ይምህሩ።
  • ፖለቲከኛታት ነቲ ዝኽፈል ማሕበራዊ ሓገዝ ወሲኖም መምርሒ ይህቡ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ናቭ ድማ ነዚ ሕግታት እዚ ተኸቲሎም ይሰርሑ።

ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ)

ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ ስቱርቲንግ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ስቱርቲንግ ኣብ ሓደ እዋን ንኣርባዕተ ዓመት ዘገልግሉ 169 ተወከልቲ ብህዝቢ ይምረጹ። እቶም ኣብ ስቱርቲንግ ተመሪጾም ዘለው ተወከልቲ ንዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝውክሉ እዮም። ስቱርቲንግ ኣብ ኖርወይ እቲ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዘሎዎ እዩ።

እቶም ኣገደስቲ ስራሓት ስቱርቲንግ፡

  • ሓድሽ ሕግታት ምጽዳቕን ኣረገውቲ ሕግታት ምቕያርን
  • ሃገራዊ ባጀት ምውሳን
  • ንመንግስትን ሰብመዚ መንግስትን ምቍጽጻር
  • ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ምምይያጥ

ኣብ ኖርወይ ዘሎ ደሞክራሲ ክፉት’ዩ። ዝዀነ ድሌት ዘሎዎ ሰብ ኣብ ስቱርቲንግ ብምኻድ እቶም ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጕዳያት ክመያየጡ ከለው ክሰምዖም ይኽእል’ዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ስቱርቲንግ ሰብ ከይዱ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ጕዳያት ምዝራብ ወይ ሓሳብ ምሃብ መሰል የብሉን። መብዛሕትኦም ጕዳያት ርእይቶ ንምርካብ ናብ ህዝቢ ይስደዱ እዮም። ድሕር’ዚ ክኢላታት ይኹኑ ተራ ሰባት ኣብቲ ጕዳይ ርእይቶኦም ክህቡ ይኽእሉ።

Bilde av Stortinget. Bygget består av et stort, rundt bygg med fløyer på begge sider. Foran ligger en åpen plass som heter Eidsvolls plass. Foto
GettyImages ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ)
Stortingssalen med representantene. Foto.
Morten Brakestad/Stortinget

መንግስቲ

ድሕሪ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ሓንቲ ሰልፊ ንበይና ወይ ብዙሓት ሰልፍታት ብሓባር ሓድሽ መንግስቲ የቝሙ። መንግስቲ በቶም ሚኒስተራትን (ናይ ነፍስወከፍ ሚኒስትሪ ፖለቲካዊ መራሒ) ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝቘመ እዩ። ሓደ ካብ ስራሓት መንግስቲ ሓድሽቲ ሕግታት ሓሳብ ምቕራብን ነቲ ዘሎ ሕግታት ድማ መመሓየሺ ሓሳባት ምቕራብ ክኸውን ከሎ፡ እንተኾነ ስቱርቲንግ እዩ ንሓደሽቲ ሕግታትን ንዝመሓየሸ ሕግታትን ዘጽድቖ። እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ብስቱርቲንግ ዝተገብረ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ይገብር። ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ንሃገራዊ ባጀት ዝኸውን እማመ የቕርብ’ዩ።

ሚኒስተር

kongen, kronprinsen og regjeringen i statsråd. Foto
Håkon Mosvold Larsen/NTB

ነፍስወከፍ ዓርቢ መንግስቲ ምስቲ ንጉስ ኣኼባ ኣለዎም። ሽዑ እቶም ሚኒስተራት ነቲ ንጉስ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጕዳያት ሓበሬታ ይህቡዎ። እዚ ኣኼባታት’ዚ ስታትስሮድ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ውሑድ ፖለቲካዊ ስልጣን’ኳ እንተ’ሎዎ፡ እዚ ኣኼባታት’ዚ ግን ኣገዳሲ እዩ።

መትከል ምክፍፋል ስልጣን

መትከል ምክፍፋል ስልጣን ኣብ መንጎ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን የከፋፍሎ፡

  • ሓጋጊ ኣካል - ስቱርቲንግ ሕግታት የጽድቕ።
  • ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ - ሓደሽቲ ሕግታት የቕርብን ኣብ ግብሪ ከም ዝውዓሉን ዝተተግበሩን የረጋግጽን።
  • ሓደ ፈራዲ ኣካል - ብመሰረት እቲ ስቱርቲንግ ዘጽደቖ ሕግታት ኣብ ቤትፍርዲ ዝቐርብ ጕዳያት ይፈርድ።

ኣብ መንጎ’ዞም ሰለስተ ሰብመዚ እቲ ስልጣን ምስ ተመቓቐለ ወላ ሓደ ካብኣቶም በይኑ ዓብላሊ ስልጣን ኣይረክብን እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ድማ ደሞክራሲ ተረጋጊጹ ኣሎ ንብል።

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ብዛዕባ ናይ ትፈልጠን ሃገራት ምምሕዳራዊ ኣካላት ተዛረብ።
  • ኣብ ኖርወይ ስልጣን ከመይ ከም ዝከፋፈል ተመያየጡ።
  • ናይ መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከባብን ስራሓት ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ተመያየጡ።
  • ነቲ ትነብረሉ ሕብረተሰብ ብኸመይ ክትጸልዎ ትኽእል፧
  • ካብ ሃገራዊ ጕዳያት ኣብ ከባብያዊ ጕዳያት ጽልዋ ምግባር ዝቐለለ ዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ ይኸውን ወይ ስለምንታይከ ኣይከውንን፧
Folk som demonstrerer og roper slagord. Foto.
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ካብዞም ዝስዕቡ ኣማራጽታት ኣየኖት እዮም ናይ መንግስቲ ሓላፍነት፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሚኒስተር (ስታትስሮድ) እንታይ እዩ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ዝዀነ ይኹን ኣብ ስቶርቲንገ ብምኻድ እቶም ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጕዳያት ክመያየጡ ከለዉ ክሰምዖም ይኽእል'ዩ።
ስቱርቲንገ ኣብ ፍርዳዊ ጕዳያት ይብይን እቲ ፍርዲ ክህብ ስልጣን ዘሎዎ እዩ።
መትከል ምክፋል ስልጣን ማለት፡ እቲ ስልጣን ኣብ መንጎ ሰለስተ ነብሶም ዝኸኣሉ ኣካልት ስለ ዝከፋፈል ዝኾነ ኣካል ንበይኑ ዓቢ ስልጣን ኣይረክብን'ዩ።
መንግስቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓርቢ ምስ ንጉስ ርክብ ኣሎዎ።
ንጉስ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ሃገራዊ ባጀት እማመ የቕርብ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሃገራዊ ባጀት ምጽዳቕ ሓደ ካብ ቀንዲ ስራሓት ስቱርቲንገ እዩ።
ኣብ ስቶርቲንገ ኣብ ሓደ እዋን ንሸሞንተ ዓመት ዘመሓድሩ 169 ተወከልቲ ኣለዉ።
መንግስቲ፡ ምምሕዳራት ዞባታትን ምምሕዳራትን ከባብን በቶም ህዝቢ ዝመረጾም ፖለቲከኛታት እየን ዝምርሓ።
ኣብ ኖርወይ 16 ዞባዊ ምምሕዳራት ኣለዋ።
ዞባዊ ምምሕዳራትን ከበባዊ ምምሕዳራትን ጆግራፍያዊን ፖለቲካዊ ምምሕዳራት ዘሎወን ኣሃዱታት'የን።