ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዝለዓለ ትምህርትን
ነዛ ፊልም ርኣያ
ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ
ኣብ መብዛሕትኡ ሞያታት ትምህርቲ ካብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ክህልወካ ኣድላዪ እዩ። ስለዚ፡ መብዛሕትኦም ድሕሪ መባእታዊ ትምህርቲ ትምህርቶም ክቕጽሉ እዮም ዝመርጹ።
- ኣብ መንጎ 16 ን 25 ን ዓመት ዕድመ ዘለዉ ተመሃሮ ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቦታ ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
- መንግስታዊ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብናጻ እዩ።
- ተመሃሮ ኣብ መንጎ’ቲ ትምህርቲ ዘቐጽሎም መስመርን ሞያዊ ስልጠና ዝረኽቡሉ መስመርን ሓዲኡ ይመርጹ።
- ቅድሚ 1 መጋቢት ተመሃሮ ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንምቕጻል ብመንገዲ ኢንተርኔት ከመልክቱ ኣለዎም።
- እቲ ኣብ 10ይ ክፍሊ ዝህሉ ነጥቢ እቲ ተመሃራይ፡ ትምህርቱ ኣብ ኣየናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ክጅምር ከም ዝፍቀደሉ ይውስን።
- ገለ ናይ ብሕቲ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብዘን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ብጽሒትካ ክትከፍል ኣለካ።
መስመር ሞያዊ ትምህርቲ፦ እቶም ተመሃሮ ግብራዊ ሞያዊ ትምህርቲ ይመሃሩ። እቲ ትምህርቲ ምስ ዛዘሙዎ ድማ ምስክር ወረቐት ይቕበሉ። ጽርበት ዕንጨይቲ፡ ስራሕ ምምሻጥ ጸጕሪ ርእሲ፡ ክንክን ጥዕናን መካኒክን ኣብነታት ናይ ሞያዊ ትምህርቲ እዮም።
መስመር ምድላው ንዝለዓለ ትምህርቲ፦ ተመሃሮ ክልሰ ሓሳባዊ ትምህርቲ ይመሃሩ። ካብ መስመር ምድላው ንዝለዓለ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ዘሎዎም ተመሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጃትን ንምእታው ከመልክቱ ይኽእሉ።
ኢንተርኔት
ምንጪ፡ SSB
ዝለዓለ ትምህርቲ
ሓደ ዘበናዊ ውሕስነት ዘሎዎ ሕብረተስብ፤ ኣብ ሰራሕተኛ ብብዝሒ ምቝጻር፡ ቴክኖሎጂ፡ ፍርያትን ሓድሽ ምህዞን’ዩ ዝምርኰስ። ስለዚ፡ ኖርወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝቐሰመ ህዝቢ የድልያ። ገለ ካብኡ ድማ ኣብ ህዝባዊ ትካላት፡ ንዅሉ ሰብ ማዕረ ትምህርታዊ ዕድል ኣብ ምሃብ ኣበርክቶ ገይሩ።
ዳርጋ ሰላሳን ሓሙሽተን ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ዝለዓለ ትምህርቲ ኣሎዎም። ብዝሒ ቍጽሪ ልዑል ትምህርቲ ዝወስዱ መንእሰያት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይ ዘሎ ደረጃ ትምህርቲ ብቐጻሊ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ተመሃሮ ዳርጋ ሱሳ ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ እየን። ደቂኣንስትዮ ኸኣ ካብ ደቂተባዕትዮ ቍሩብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎወን። ኣብ ኖርወይ፡ እቶም ካብ ስደተኛታት ወለዲ ዝተወልዱ ዝያዳ ካብ ኖርወጃውያን ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝኸዱ ይበዝሑ።
ኩላቶም ካብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ መረጋገጺ ምስክር ወረቐት ዘሎዎም ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጃትን ናይ ትምህርቲ ቦታ ንምርካብ ከመልክቱ ይኽእሉ።
- ትምህርቲ ዩኒቨርሲታትን ህዝባዊ ኮለጃትን ብናጻ ኾይኑ፡ ተመሃሮ ግን ነቲ መጻሕፍቲ ባዕላቶም ክገዝኡዎ ኣለዎም።
- ናብ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ንምእታው፡ ዝተወሃሃደ ምቕባል ንትምህርቲ/Samordna opptak ዝብሃል ትካል ብውህደት ይቈጻጸሮ። ንናይ ምልክታ ዝስደደሉ ግዜ ገደብ ዝምልክት ኣብቲ መርበብ ሓበሬትኦም ሰፊሩ ኣሎ።
ኢንተርኔት
ሎነካሰን/ Lånekassen
ኣብ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ትምህርቲ ብናጻ ዝወሃብ’ኳ እንተዀነ፡ ሰብ ክመሃር ከሎ ግን ንኻልእ ወጻእታት ዝኸውን ገንዘብ የድልዮ እዩ። ተመሃሮ ካብ ሎነ ካሰን ገንዘብ ብምልቃሕ ወጻእታት ክራይ ገዛ፡ ምግብን ካልእ ኣድላዪ ነገራትን ክኸፍሉ ልሙድ’ዩ።
ሎነካሰን ነቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ተመሃሮን ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ትምህርቲ ዝወስዱ ኖርወጃውያን ተመሃሮን ሓገዝን ለቓሕን ይህብ። በዚ መንገዲ እዚ ጾታ፡ ዕድመ፡ ማሕበራዊ ኵነታትን ቍጠባዊ ኵነታት ስድራቤትን ብዘየገድስ ዝለዓለ ትምህርቲ ክመሃሩ ንዝደልዩ እዚ ዕድል’ዚ ይረኽቡ። ዓበይቲ፡ ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ይኹን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምርካብ ሓገዝን/ወይ ለቓሕን ክወሃቦም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
ትምህርቲ ምስ ተወድአ እቲ ዕዳ ወርሓዊ እናተኸፈለ ክምለስ ኣለዎ። እቲ ንትምህርቲ ዝተዋህበካ ሓገዝ ኣይትመልሶን ኢኻ፡ እዚ ግን ዝበዝሕ ግዜ ነቲ ትምህርቲ ክትውድኦ፡ ኣብ መርመራ ድማ ክትሓልፍ ኣለካ ዝብል ቅድመ ኵነት ኣሎዎ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኩላቶም መንእሰያት ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም። እዚ ብዛዕባ’ቲ ሕብረተሰብን ኣብ ናይ ስራሕ ህይወት ዝህሉ ትጽቢትን እንታይ ይገልጸልና፧
- እቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝመሃር ኣባል ሕብረተሰብ ኖርወይ ቍጽሩ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ኣብ ሰራሕተኛታት እንታይ ዓይነት ትጽቢታት ይፈጥር፡ ኣብ ኖርወይ ንዝህሉ ናይ ስራሕ ተኽእሎታትከ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ ትብል፧
- ሎነካሰን ኣብ 1947 እዩ ተመስሪቱ። ኵሉ ሰብ ድሕረባይታኡ ብዘየገድስ ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ ከም ዘለዎ ድማ ይገብር። ሎነካሰን ከም ሓደ ባንክን ከም ሓደ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘሎዎ መንግስትን እዩ። ብዛዕባ’ዚ መስርሕ’ዚ እንታይ ትብል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሞያዊ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ብሕታዊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲታት ኣሎዋዶ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ኖርወይ ዓበይቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎዎም ክንደይ እዮም፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ስእሊ ምረጽ
ኣየናይ ስእሊ ክልሰ ሓሳባዊ ትምህርቲ የርኢ ኣሎ፧
ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ
ተመሃሮ ኣበየናይ ዕድመ እዮም መሰል ቦታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎዎም፧