ስልጠና ንዓበይቲ
ስልጠና ንዓበይቲ
ሕብረተሰብ ኣብ ቀጻሊ ለውጢ እዩ ዘሎ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሳዕቤን ኣሎዎ። እዚ ኸኣ ሰራሕተኛታት ምስ እዋናዊ ኵነታት ክኸዱን ሓድሽ ክእለታት ክመሃሩን ዝሓትት’ዩ። ዓበይቲ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ትምህርቲ ክመሃሩ፡ ነቲ ዝጸንሖም ትምህርቲ ዝያዳ ክብ ከብሉዎ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝቕልቀል ሓድሽ ጠለባት ንኽገጥሙዎ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ዓበይቲ ስርሖም እናሰርሑ’ውን ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ይቕጽሉ እዮም። ምሉእ ህይወትና ኢና ንመሃር ማለት ኣብ ምሉእ ህይወትና ንቐስሞ ትምህርቲ ማለት’ዩ።
መዳለዊን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ንዓበይቲ
ዓበይቲ ኣቐዲሞም መባእታዊ ትምህርቲ ዘይወድኡ እንተነይሮም፡ መዳለዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክወሃቦም መሰል ኣሎዎም። ንዓበይቲ ዝወሃብ መዳለዊ ትምህርቲ ብናጻ እዩ። እቲ ምምሕዳር/ኮሙነ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዕድል ክህብ ሓላፍነቱ’ዩ።
ደቂ 25 ዓመትን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ዓበይቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከየማልኡዎ እንተ ጸኒሖም ንኸማልኡዎ መሰል ኣሎዎም። ቅድሚ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምጅማር ግን ኣብ ኖርወይ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር መባእታዊ ቤትትምህርቲ ዝወድኡ ክኾኑ ኣለዎም።
ነዚ ስልጠና’ዚ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ምምሕዳር ዞባ እዩ። ንዓበይቲ ዝወሃብ ላዕለዋይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስታዊ ናይ ትምህርቲ መስርሕ ምስ ዝኸውን ብናጻ ዝወሃብ እዩ። ብተወሳኺ ብዙሕ ብሕታዊ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝህባ ትካላት’ውን ኣለዋ። እዚ ግና ብናጻ ዝወሃብ ኣይኰነን።
ሽሕ’ኳ ትምህርቲ ብናጻ እንተዀነ ዓበይቲ ሰባት ንመነባብሮኦም ዝኸውን ገንዘብ ክህልዎም ኣለዎ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት ትምህርቲ ኣብ ዝመሃሩሉ እዋን ካብ ሎነካሰን ትምህርታዊ ሓገዝን/ወይ ለቓሕን ክወሃቦም ይኽእል።
ምጽዳቕ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ
ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ኣሎካ እንተዀይኑ፡ ኣብ ኖርወይ ንኽጸድቀልካ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ብመንገዲ ዳይሬክቶሬት ላዕለዋይ ትምህርትን ክእለትን HK-dir ኢኻ ትገብሮ። ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ዳይረክተር ጥዕና ኖርወይ ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ ከመልክቱ ይኽእሉ።
ብዛዕባ ዘሎካ ዕድላት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ቤትትምህርቲ ምስ ዘሎ ኣማኻሪ ወይ ምስ ኣማኻሪ ስደተኛታት ተዘራረብ።
ሓቀኛ ናይ ብቕዓት ገምጋም
ብትምህርቲ ዀነ ብኻልእ ዓይነት ተሞክሮ ክእለት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። እቶም ምስ ዓበዩ ናብ ኖርወይ ዝመጽኡ ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ብምቕራብ ክእለት ከም ዘሎዎም ምርግጋጽ ከጸግሞም ይኽእል’ዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ሓቀኛ ክእለቶም ምግምጋም ይከኣል እዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ክእለት ብግብሪ ምስቲ ዘሎ ቀዋሚ መለክዕታት ብምንጽጻር ምግምጋም ማለትዩ። እዚ ገምጋም’ዚ ምሕጻር ስልጠና፡ ትምህርቲ ምቕሳም፡ ንዝተወሰነ ክፋል መደብ ትምህርቲ ሕድገት ምግባር፡ ሓድሽ ስራሕ ምርካብ ወይ ዝለዓለ ደሞዝ ምርካብ ከስዕብ ይኽእል’ዩ። ሓደ ተመሃራይ ብኽልተ ደረጃ ክግምገም ይኽእል፣ ምስ ሞያዊ ትምህርቲ ብዝተኣሳሰር ደረጃ መባእታ ቤትትምህርቲ፣ ከምኡ’ውን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ብዛዕባ ትምህርቲ ምሉእ ህይወት ዝብል ሓረግ እንታይ ትሓስብ፧
- ምዕባለ ማሕበረሰብ ነቲ ውልቀሰብ ሓድሽ ፍልጠትን ክእለትን ንምርካብ ዘሎዎ ድሌት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብሓባር ተዘራረቡ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ዓበይቲ መባእታዊ ትምህርቲ ብነጻ ንክመሃሩ መሰል ዘለዎም መዓስ'ዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
መባእታዊ ትምህርቲ ኣቕርቦ ምሃብ እንተላይ ንዓበይቲ ሓላፍነት ዘሎዎ መን እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ደቂ 25 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ዓበይቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይረኸቡ እንተ ነይሮም ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም። ነዚ መሰል'ዚ ንክትረክብ እንታይ ዓይነት ደረጃ ትምህርቲ ክህልወካ ኣለዎ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዞም ኣበሃህላታት እዚኣቶም ኣንብቦም። ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧