ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም
ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም
ኣብ ዓመተ 1905 ኖርወይ ዳግማይ ናጻ ሃገር ኰይና። ሓድሽ እዋን ድማ ተጀሚሩ። ኣብ መጀመርያ ዓመተ 1900 ብዝሒ ህዝቢ ወሲኹ፡ እተን ከተማታት ነበርተን በዚሖም፡ ኢንዱስትሪ ድማ ዓብዩ።
ኖርወይ ብዙሕ መንጫዕጫዕታታት ኣሎዋ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 1800 ከኣ ኖርወይ ካብ መንጫዕጫዕታ ሃይድሮኤለትሪክ ከተመንጩ ጀሚራ። ብርክት ዝበላ ፋብሪካታት ተሃኒጸን፡ ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ዓቢ ዓያዪ ጕልበት ተደልዩ። ብዙሓት ናብታ ከተማታት ግዒዞም። ገለ ኣባይቲ መብራህቲ ክረክብ ጀሚሩ፡ ከተማታት ናይ ጐደናታት መብራህቲ ተገይሩለን፡ ኣብ ገለ ከተማታት ከኣ ናይ ኤለትሪክ ባቡራት (ትሪክ) ተገይሩለን። እተን ጃላቡ ናይ ናፍታ ሞቶር ስለ ዝተገበረለን ነዊሕን ቅልጡፍን ጕዕዞ ክገበራ ክኢለን። እተን ናይ መጀመርያ መካይን ድማ ናብዛ ሃገር መጺአን።
ሓይሊ ኤለትሪክ ብውልቀ ሰባት ክህነጽ፡ ዋንነት ጸጋታት ሓይሊ ማይ ግን ናይ መንግስቲ እዩ ዝብል ሓደ ነብሱ ዝኽኣለ ሕጊ ወጺኡ።
ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ) ብዙሕ ዝፍጸም ስራሕ ነይሩዎ። ማሕበር ሰራሕተኛታት እቶም ሸቃሎ ዝሓሸ ኵነታት ስራሕ ክረኽቡ ስለ ዝደለዩ ለውጢ ንኽገብር ጸቕጢ ገይሮም። ሃገራዊ ባይቶ (ስቱርቲንግ) ዝተፈላለየ ሕግታት ኣውጺኡ። ዝኾነ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ ዓሰርተ ሰዓት ንላዕሊ ክሰርሕ ከም ዘይብሉ ድማ ወሲኑ። ኣብ 1919 ዓ.ም እዚ ናብ ሸሞንተ ሰዓታት ተቐዪሩ። ኩላቶም ሰራሕተኛታት ናይ ሕማም ውሕስነት ተወሂቡዎም። እዚ ማለት ድማ ክሓሙ ከለዉ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ይውሃቦም ማለት’ዩ።
ልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂተባዕትዮ ካብ 1898 ዓ.ም ኣትሒዞም ኣብ ምርጫ ባይቶ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ረኺቦም፡ ካብ 1913 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ልዕሊ 25 ዝዕድመአን ደቂ’ንስትዮ ተመሳሳሊ መሰል ተዋሂቡወን።
ቀዳማይ ውግእ ዓለም
ኣብ መጎ 1914-1918 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባሪዑ። ኖርወይ ኣብዚ ውግእ’ዚ ብንጥፈት’ኳ እንተ ዘይተሳተፈት ቍጠባዊ ሳዕቤኑ ግን ኣብዚ’ውን ብንጹር ይርአ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ከም እኽሊ፡ ቡንን ሽኮርን ዝኣመሰለ ሕጽረት ስለ ዘጋጠመ እዚ ሃለኽቲ ነገራት’ዚ ብመቝነን ክዕደል ጀሚሩ።
ኣብ መንጎ ውግኣት ዝነበረ እዋን
እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ዝነበረ እዋን ኣብ መንጎ ውግእ ዝነበረ እዋን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ’ቲ እዋን፡ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ኣብ ኖርወይ’ውን ቍጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ነይሩ። ብዙሓት ድማ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም።
ካልኣይ ውግእ ዓለም
ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መስከረም 1939 ጀርመን ንፖላንድ ምስ ወረረታ እዩ ጀሚሩ። ኖርወይ ኣብ 9 ሚያዝያ 1940 ብወተሃደራት ጀርመን ተወሪራ። እቲ ኣብ ኖርወይ ዝተገብረ ውግእ ኖርወይ ኢዳ ቅድሚ ምሃባ ንውሑድ ሰሙናት ጥራይ’ዩ ተኻዪዱ። እቲ ንጉስን እቲ መንግስትን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሃዲሞም ብምኻድ ንኖርወይ ሓራ ንምውጻእ ኣብኡ ኰይኖም ቃልሶም ቀጺሎም። ኖርወይ በቲ ምስ ጀርመን ዝተመሓዘወን ብደሞክራስያዊ መንገዲ ዘይተመርጸን ብቪድኩን ኵሽሊን ዝምራሕ መንግስቲ ትመሓደር ነይራ።
ኣብ መሬት ኖርወይ ቀጥታዊ ውግኣት’ኳ እንተ ዘይተኻየደ ሓያሎ ተቓወምቲ ጕጅለታት ግን ኣብ ዕንወት ተጸሚዶም ዘይሕጋዊ ጋዜጣታት ይዝርግሑ፡ ሲቪላዊ ዘይምእዙዝነት ይውድቡን ኣንጻር ወራር ጀርመን ልኡም ተቓውሞ የካይዱን ነይሮም። ብዙሓት ኣባላት እቶም ተቓወምቲ ጕጅለታት ዝነበሩ ካብዛ ሃገር ክሃድሙ ግድን ኰይኑ። ኣብቲ እዋን ውግእ ኣስታት ሓምሳ ሽሕ ዝዀኑ ኖርወጃውያን ናብ ሽወደን ሃዲሞም። ብዙሓት ድማ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉም ስራሓት ፈጺሞም።
ኣብ ሰሜን ኖርወይ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፡ ጀርመናውያን ካብቲ ከባቢ ምስ ረሓቑ ድማ መብዛሕትኡ ፊንማርክን ሰሜናዊ ትሮምስን ዑና ዀይኑ ተሪፉ። ብመሰረት ትእዛዝ ሂትለር መብዛሕትኡ ህንጻታትን መሰረታዊ ትሕተ ቅርጽን ብሓዊ ነዲዱ።
ኣብ መወዳእታ ጀርመናውያን ኣብ ብዙሕ ግንባራት ስዕረት ስለ ዘጋጠሞም ኣብ ግንቦት 1945 ኢዶም ክህቡ ነይሩዎም። ብድምር ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝዀኑ ኖርወጃያውያን ብሰንክ’ቲ ውግእ ሞይቶም።
ቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ ኖርወይ 2,100 ዝዀኑ ኣይሁድውያን ይነብሩ ነይሮም። 773 ካብዚኣቶም ኣብ መዳጐኒ መዓስከራት ክስደዱ ከለዉ፡ ካብዚኣቶም 38 ጥራይ ብህይወት ክወጽኡ ክኢሎም፡ ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ ናብ ኖርወይ ተመሊሶም።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ባይቶ ኖርወይ (ስቱርቲንግ) ንህይወት ሰራሕተኛታት ዘቕልል ሕግታት ዘጽደቐ ለምንታይ ይመስለካ፧
- ኣብ መበቈላዊ ሃገርካ ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ከመይ ነይሩ፧
- ውግእ ንሕብረተሰብን ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባትን ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ብሓባር ተዘራረቡ። ውግእ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ክሕለው ይኽእል፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ደቂ'ንስትዮ መዓስ'የን ኣብ ኖርወይ ድምጺ ምሃብ መሰል ረኺበን፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
እቲ ኣብ "መንጎ-ውግኣት-ዓለም" ዝነበረ እዋን መዓስ'ዩ ነይሩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ወተሃደራት ጀርመን ንኖርወይ መዓስ እዮም ወሪሮም ሒዞማ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ኣብቲ ስእሊ ጠውቕ
ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ናይ ፍጻሜ ግዜ ጠውቕ። ካልኣይ ውግእ ዓለም መዓስ ነይሩ፧