ምምልካት ንስራሕ
ነዛ ፊልም ርኣያ
ምምልካት ንስራሕ
ምልክታ ስራሕን ሲቪን
ኣብ ኖርወይ ሽቕለተኣልቦነት ትሑት’ኳ እንተዀነ ኣብ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ግን ብርቱዕ ውድድር ክህሉ ይኽእል’ዩ። ዝዀነ ይኹን ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ ባዕሉ ብንጥፈት ስራሕ ክደሊ ኣለዎ። ትፈልጦም ሰባትን መርበብ ርክባት ክትጥቀምን ክትሰርሕ ከም ትደሊ ክተርእን ኣገዳሲ እዩ። ክተመልክተሉ ትደሊ ስራሕ ምስ ረኸብካ ብሲቪ ዝተሰነየ ናይ ጽሑፍ ምልክታ ክተቕርብ ኣለካ።
እቲ ናይ ስራሕ ምልክታ ቍሩብ ብዛዕባ ነብስኻን ድሕረባይታኻን ትገልጸሉ ደብዳቤ እዩ። እቲ ሲቪ ድማ ብዛዕባ ትምህርትኻን ተሞክሮ ስራሕካን ኣሕጽር ኣቢልካ ትገልጸሉ ሰነድ’ዩ። እቲ ናይ ስራሕ ምልክታ እቲ ሲቪን ብእሩም ቋንቋ ኖርወይ ክጸሓፍ ይግብኦ። ኵሉ ትህቦ ሓበሬታ ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሰነዳት ንጹር ክኸውን ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ሓድሽ ሰራሕተኛ ዝቘጽር ኣስራሒ፡ እቲ ዝቝጸር ምስቲ ስራሕ ዝኸይድ ዝሓሸ ሰብ ምዃኑ ምፍላጥ ዓቢ ሚዛን ዝህቦ ጕዳይ እዩ። ንሱ ወይ ንሳ እቲ ስራሕ ዝቝጸር ሰብ ቅኑዕ ትምህርቲ ወይ ክእለት ከም ዘሎዎ/ዘሎዋ ክምርምር’ዩ፡ ካልእ ነገራት’ውን ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ዝቝጸር ሰብ እዚ ዝስዕብ ኣሎዎዶ
- ተሞክሮ
- ጽቡቕ መወከስታት
- ምስቲ ቦታ ስራሕ ዝሰማማዕ ባህርያት
- ነቲ ስራሕ ዝበቅዕ ባህርያት
ቃለመሕትት
እቲ ኣስራሒ ስራሕ ዝረክብ መን ምዃኑ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ሓንሳብ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቃለመሕትት ከካይድ ልሙድ‘ዩ። ኣብቲ ቃለመሕትት፡ እቲ ስራሕ ንምርካብ ኣመልኪቱ ዘሎ ሰብ ንነብሱን ክእለቱን ናይ ምልላይ ዕድል ይረክብ፡ እቲ ስራሕ ዝቘጽር ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣመልካቲ ጦብላሕታ የሕድር። ክልቲኦም ሕቶታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ቃለመሕትት ዝኸውን ምኽሪ፦
- እቲ ቃለመሕትት ኣበይ ከም ዝግበርን ብኸመይ ናብኡ ክም ትበጽሕን ፍለጥ።
- እንታይ ዓይነት ክዳን ክትክደን ከም ዘለካን እንታይ ዓይነት ጦብላሕታ ክተሕድር ከም ትደልን ሕሰብ።
- እኹል ግዜ ከሎካ ካብ ገዛ ውጻእ።
- ኢድካ ሰዲድካ ሰላም ምባልን ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማትን ኣድላዪን ቅኑዕን እዩ።
- እወታዊ ዅን፡ ምስቶም ኣብቲ ቃለመሕትት ተዘራርቦም ሰባት ከኣ ፍሽኽታ ይሃሉኻ፡ ጽቡቕ ርክብ ክህልወካ ድማ ጸዓር።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ ሃገርካ ብጽሑፍ ዝቐርብ ናይ ስራሕ ምልክታ ሚዛን ይወሃቦዶ፧
- ሓደ ናይ ስራሕ ምልክታ ጽሑፍ እንታይ ትሕዝቶ ክህልዎ ከም ዘለዎ ተመያየጡ።
- ኣብ ሓደ ቃለመሕትት እንታይ ክንሓትት ከለና እዩ ጽቡቕ፡ እንታይ ምስ ንሓትት እዩኸ ጽቡቕ ዘይከውን፧
- ኣብ እዋን ቃለመሕትት እንታይ ዓይነት ክዳን ክንክደን ከም ዘለና ተመያየጡ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ናይ ስራሕ መመልከቲ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ሲቪ እንታይ እዩ፧
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ኣብ ስራሕ ቃለመሕትት ሕቶታት ከቕርብ ዝኽእል መን'ዩ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጽታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧