ውልቃዊ ቍጠባ

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Snakk sammen

Eksempler på inntekter: lønn, barnetrygd, pensjon
Eksemplerpå utgifter: boutgifter, strøm, transport, mat, fritidsaktiviteter, klær, reparasjoner, møbler, reiser

For å spare kan man f. eks. redusere forbruket eller kjøpe klær, utstyr og møbler brukt. Barna kan arve klær. En kan spare på strømmen (slå av lyset, redusere innetemperatur), sykle eller gå istedenfor å bruke bil, handle på tilbud og handle matvarer planlagt og sjelden.

Tips til undervisninga

Snakk saman

Døme på inntekter: løn, barnetrygd, pensjon
Døme på utgifter: buutgifter, straum, transport, mat, fritidsaktivitetar, klede, reparasjonar, møblar, reiser

For å spare pengar kan ein til dømes redusere forbruket eller kjøpe klede, utstyr og møblar brukt. Barna kan arve klede. Ein kan spare på straumen (slå av lyset, redusere innetemperaturen), sykle eller gå i staden for å bruke bil, handle på tilbod, planleggje matvareinnkjøp og handle matvarer sjeldan.

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Folkehelse og livsmestring

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

samtale om hvordan arbeid, inntekt og forbruk kan påvirke personlig økonomi, levestandard og livskvalitet

Kjerneelement

Individ og fellesskap

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet
Utforsking

ውልቃዊ ቍጠባ

Sedler, norske penger. Illustrasjonsfoto.
GettyImages

ኣታውታት ዝብሃል ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብና (ደሞዝ፡ ማሕበራዊ ውሕስነት ወይ ካልእ ካብ ናቭ ንረኽቦም ጥቕምታት፡ ወሓዊ ደገፍ ንቈልዑ፡ ኣምሰያ ሓገዝ ብጥረገንዘብ ወዘተ) ዝምልከት’ዩ።

ወጻእታት ዝብሃል ኵሉ ኣብ (ክራይ ገዛ፡ ክፍሊት ባንክ ወለድን ዕዳ ምጕዳልን፡ ክዳውንቲ ምግቢ፡ መጓዓዝያ፡ ኤለትሪክ፡ ኢንተርኔት፡ ንጥፈታት ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ወዘተ) ንኸፍሎ ገንዘብ ማለት’ዩ።

ጠቕላላ ደሞዝ፡ ደሞዝ ቅድሚ ምኽፋል ግብሪ

ጽሩይ ደሞዝ፡ ደሞዝ ድሕሪ ምኽፋል ግብሪ

ኣታውታትን ወጻእታትን

ናብራ ኣብ ኖርወይ ክቡር እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ስድራቤታት ክልቲኦም ወለዲ ካብ ቤቶም ወጻኢ ደሞዝ ኣብ ዝኽፈሎ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ኣብ ገለ ስድራቤታት ቈልዑ ንኣሽቱ ከለዉ ኣደን/ወይ ኣቦን መጠን ስርሖም (ምሉእ ስራሕ ዘይኮነ) ክንክዩዎ ዕድል ኣሎዎም፣ ብዙሓት ድማ እቲ ቍጠባ ምእንቲ ክባጽሓሎም ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክህልዎም ኣለዎ። ክልቲኦም እቶም ዓበይቲ ኣባላት’ቲ ስድራቤት ቍጠባዊ ሓላፍነት ናይቲ ስድራቤት ኣሎዎም።

መብዛሕትኦም ኣብ ኖርወይ ዘለው ዓበይቲ ሰባት ኣብ ወርሒ ደሞዝ፡ ደገፍ ማሕበራዊ ውሕስነት ወይ ጡረታ ይቕበሉ እዮም። ብተወሳኺ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ኣሎዉዎም እንተዀይኖም፡ ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑ ይረኽቡ እዮም። እቶም ንኣሽቱ ቈልዑ ዘሎውዎም እሞ ኸኣ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘይከዱ ምስ ዝኾኑ፡ እቶም ወለዲ ምሉእ ኣምሰያ ብጥረገንዘብ ሓገዝ ይውሃቦም።

ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑ፡ ንዅላቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ዝውሃብ ቍጠባዊ ሓገዝ’ዩ። እዚ ብሰንኪ ህላዌ ቈልዓ ዝመጽእ ወጻእታት ንምሽፋን ኣበርክቶ ንምግባር’ዩ።
ኣምሰያ ብጥረገንዘብ ሓገዝ፡ ነቶም ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘይከዱ ኣብ መንጎ ሓደ ክሳዕ ክልተ ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ዝውሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ’ዩ። ምሉእ ሰዓታት ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ንዘይከዱ ድማ ጐዶሎ ኣምሰያ ሓገዝ ብጥረገንዘብ ይውሃቦም።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናቭ ብዛዕባ ወርሓዊ ደገፍ ንቈልዑን ኣምሰያ ሓገዝ ብጥረገንዘብ ብዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ባንክ ቍጽሪ ሕሳብ

ኵላቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ባንክ ቍጽሪ ሕሳብ ኣሎዎም። ብዙሓት ቈልዑን መንእሰያትን’ውን ኣሎዎም። ደሞዝ፡ ማሕበራዊ ውሕስነት ወይ ጡረታ ክመጽኣና ኸሎ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ናብ ባንክ ሕሳብና እዩ ዝኣቱ። ኣብ ኖርወይ ናይ ባንክ ቍጽሪ ሕሳብ ንምኽፋት ናይ ኖርወይ ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ወይ ድማ ግዜያዊ መለለዩ ቍጽሪ ኖርወይ/ቍጽሪ ዱፍ የድልየካ።

ኔትባንክ

መብዛሕትኦም ዓበይቲ ኔትባንክ እዮም ዝጥቀሙ። እዚ ነቲ ናይ ባንክ ሕሳብና ብቐሊሉ ክንከታተሎ፡ ኣታውታትናን ወጻእታትናን ክንከታተል፡ ወጻእታትና ክንከፍልን የኽእለና። ናብ ኔትባንክና ብኮምፕዩተር፡ ታብሌት ወይ ስማርትፎን ጌርና ክንኣቱ ንኽእል። ኣብቲ ኔትባንክ ንምእታው ግን ናይ ባንክ መለለዪ ምስ ናይ ባንክ ኩደብሪከ ወይ መለለዩ ቍጽሪ ባንክ ብሞባይል ክህልወና ኣለዎ።

ለቓሕ ካብ ባንክ

ኣብ ኖርወይ ዓበይቲ ነገራት ከም መንበሪ ገዛን መኪናን ዝኣመሰለ ንምዕዳግ ካብ ባንክ ገንዘብ ምልቃሕ ልሙድ’ዩ። ገንዘብ ካብ ባንክ ክንልቃሕ ከለና ምስቲ ባንክ ውዕል ንኣቱ። ኣብ ወወርሒ ወይ ርብዒ ዓመት ክንደይ ክንከፍል ከም ዘለና ዝሕብር መደብ ኣከፋፍላ ዕዳ ድማ ይወሃበና። ነቲ ባንክ ኸኣ ወለድን ዕዳ ምጕዳል ክፍሊት ንኸፍሎ።

ዕዳ ምጕዳል፡ እቲ ዝተለቃሕናዮ ገንዘብ ዕዳ በብኽፋል ንኸፍሎ ማለት’ዩ።

ወለድ፡ ነቲ ባንክ ንኸፍሎ ወለድ እዩ። እዚ ወለድ’ዚ ዋጋ ናይቲ ለቓሕ’ዩ።

እቲ ወለድ ካብቲ ዘለና ዕዳ ብሚእታዊት’ዩ ዝጽብጸብ። መብዛሕትኡ ግዜ ወርሓዊ ወይ ርብዒ ዓመት ርእሰማልን ወለድን ንኸፍል።

ባጀት

ሓደ ባጀት ናይ ዝተወሰነ እዋን ኣታውን ወጻእን የርኢ። ትካላትን ውልቀሰባትን ባጀት የዳልው እዮም። ብዙሓት ስድራቤታት ወርሓዊ ባጀት የዳልዉ እዮም። እዚ ኸኣ ኣታውታቶምን ወጻእታቶምን ብቐሊሉ ንምክትታል ይሕግዞም። እቶም ስድራቤታት ገንዘቦም ብኸመይ ክጥቀሙሉ ከም ዝደልዩ መደብ ከውጽኡ ይኽእሉ። እቲ ባጀት ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ሓደ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ዝቕመጥ ወይ ንዘይተሓስበ ወጻእታት ዝኸውን ክህልዎ ኣለዎ።

En mann og en kvinne sitter ved et bord. På bordet er det papirer og en kalkulator og en PC. De ser konsentrerte ut. De lager et budsjett.  Foto
GettyImages

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ሓደ ተራ ስድራቤት ኣብ ኖርወይ እንታይ ኣታውን ወጻእን ኣሎዎ፧
  • ዘይተሓስበ ወጻእታት እንታይ ክኸውን ይኽእል፧
  • ዝበዝሐ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ትጥቀመሉ፧
  • ውሑድ ገንዘብ ንኸትጥቀም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ስድራቤት በርግ ኣብ ሳሎን ብሓባር ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ኣደን ኣቦን ናይዛ ወርሒ’ዚኣ ኣታውታቶምን ወጻእታቶምን ዝሓዘ ባጀት ኣዳልዮም ኣለዉ። ኵሉ የድሊ ዝብሃል ወጻእታት ምስ ተሽፈነ ዳርጋ ኣርባዕተ ሽሕ ክሮነር ተሪፉዎም። ሕጂ ነዚ ገንዘብ’ዚ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዕልዎ ይመያየጡ’ለዉ።

  • እታ ኣደ ሓድሽ ካቦት ትደሊ ኣላ። እቲ ኣረጊት ዘይዘበናውን ምሕሙሕ እዩ።
  • ኣቦ ነቲ ገንዘብ ክቝጥቦ እዩ ዝደሊ። ምናልባሽ ዘይተሓስበ ወጻእታት ይመጽኣና ይኸውን፧
  • እቲ ወዲ ምስ ኣዕሩኽቱ ናብ ኵዕሶ እግሪ ልምምድ ክኸይድ’ዩ ዝደሊ። ስለዚ ሓድሽ ጫማ ናይ ኵዕሶ እግሪ’ውን የድልዮ ኣሎ።
  • እታ ጓል ሓድሽ ናይ ቤትትምህርቲ ቦርሳ የድልያ’ሎ። ዓብያ ስለዝኾነት ድማ ዝያዳ ሓደስቲ ክዳውንቲ’ውን ከድልያ እዩ።

እዛ ስድራ ነቲ ዘሎዋ ገንዘብ ብኸመይ ከከም ኣድላይነቱ ቀዳምነት ሂባ ክትጥቀመሉ ከም ዘለዋ ብሓባር ተዘራረቡ።

Kvinne sitter i stua med nettbrett og papir. Budsjett. Foto
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣታዊ ማለት እንታይ ማለት'ዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ጠቕላላ ደሞዝ እንታይ እዩ?

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ባጀት ማለት እንታይ ማለት'ዩ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ቍጠባዊ ውሕስነት ቈልዑ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ቈልዑ ብመንግስቲ ዝወሃብ ገንዘብ ደገፍ`ዩ።
ናብራ ኣብ ኖርወይ ሕሱር'ዩ።
መብዛሕትአን ስድራቤታት ኣብ ኖርወይ ክልቲኦም ወለዲ ካብ ቤቶም ወጻኢ ደሞዝ እናተኸፍሎም እዮም ዝሰርሑ።
ኣብ ኖርወይ ብመንገዲ ኢንተርኔት ዝግበር ናይ ባንክ ኣገልግሎት ልሙድ ኣይኰነን።
ካብ ባንክ ገንዘብ ክትልቃሕ ከለኻ ነቲ ባንክ እቲ ርእሰማልን ወለድን ኢኻ ትኸፍሎ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ብኢንተርኔት ኣቢልካ ናብ ባንክ ሕሳብካ ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ናይ ባንክ መለለዩ ባንክኢደ ክህልወካ ኣለዎ።
ወለድ ካብቲ ዘሎና ዕዳ ብሚእታዊት ኢዩ ዝጽብጸብ።
ወለድ ካብቲ ዘሎና ዕዳ ብሚእታዊት ዝጽብጸብ'ዩ።
ባጀት ብትካላት ጥራይ ኢዩ ዝዳሎ።
ኖርወጃውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ባንክ ሕሳብ ክህልዎም ልሙድ ኣይኰነን።