ህዝቢ ሳመ

Lærerinnhold

Tips til undervisningen

Læreren kan gjerne finne fram stoff om ulike urbefolkninger/nasjonale minoriteter rundt om i verden og snakke om hvor ulikt disse har blitt behandlet. Dersom det finnes en urbefolkning i deltakernes hjemland, kan man sammenlikne.

Utforsk

Utforsk kartet med samenes utbredelse sammen.

Bok

«Derfor må du vite at jeg er same» av Ella Marie Hætta Isaksen og Randi Helene Svendsen, Cappelen Damm 2021

Tips til undervisninga

Læraren kan gjerne finne fram til litt stoff om urfolk/nasjonale minoritetar rundt om i verda og snakke om kor ulikt desse gruppene har blitt handsama. Dersom det finst urfolk i heimlanda til deltakarane, kan ein samanlikne.

Bok

«Derfor må du vite at jeg er same» av Ella Marie Hætta Isaksen og Randi Helene Svendsen, Cappelen Damm 2021

Læreplan

Grunnleggende ferdigheter

Muntlige ferdigheter
Digitale ferdigheter

Tverrfaglige tema

Demokrati og medborgerskap

Læreplan i samfunnskunnskap for voksne innvandrere etter integreringsloven

gi eksempler på mangfold i Norge med vekt på ulike familieformer, levesett, boformer og folkegrupper, inkludert det samiske urfolket

Kjerneelement

Demokratiforståelse og deltakelse

Læringsaktivitet

Muntlig aktivitet
Utforsking

ህዝቢ ሳመ

ህዝቢ ሳመ ደቀባት ኖርወይ እዮም። ህዝቢ ሳመ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ኣብ ኖርወይ፡ሽወደን፡ ፊንላንድን ሩስያን ዝነበሩ እዮም። ህዝቢ ሳመ ኣብ ኖርወይ ብጥንታውነቶም ቀዳማይ ቦታ ዝሓዙ ጕጅለ ህዝቢ ኮይኖም ዝተፈላለየ ቋንቋታት ሳሚስክ ድማ ኣሎዎም። ቋንቋ ሳሚስክ ካብ ቋንቋ ኖርወይ ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ። ሓደ ኖሽክ ቋንቋ ጥራይ ዝዛረብ ሰብ ቋንቋ ሳሚስክ ፈጺሙ ክርድኦ ኣይክእልን’ዩ። ሎሚ ዳርጋ ኩላቶም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ህዝቢ ሳመ ንቋንቋ ኖርወይ ይመልኩዎ እዮም። ብዙሓት’ውን ሳሚስክ ይዛረቡ እዮም።

Samisk reinflokk. Snøskuter. Foto
NTB/Øyvind Nordahl Næss ከም ባህሊ ህዝቢ ሳመ ብሃድን፡ መጻወድያ ምህዳንን ብምግፋፍ ዓሳ ዝነበሩ ኮይኖም ክሳዕ ሕጂ’ውን ብዙሓት ካብ ህዝቢ ሳመ ዓገዜን/ራይንስዲር ይውንኑ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ህዝቢ ሳመ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኖርወጃውያን ዝነብሩ’ኳ እንተዀኑ፡ ባህሎምን ልምድታቶምን ዝዕቀቡ እዮም።

ሃገራዊ መዓልቲ ህዝቢ ሳመ 6 ለካቲት እያ። ኣብዚ መዓልቲ እዚ ባንዴራ ህዝቢ ሳመ ኣብ ምሉእ’ታ ሃገር ተንበልብል። ህዝቢ ሳመ ኮፍታ/kofta ዝብሃል ባህላዊ ክዳውንቲ ኣሎዎም። ክሳብ ሕጂ ሳመነ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ንኣብነት ኣብ መርዓ ኮፍተ ይጥቀሙሉ እዮም። ገለ ካብኣቶም ድማ ንኮፍተ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ይጥቀሙሉ እዮም።

ቅድሚ ኣስታት ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኖርወጃውያን ንህዝቢ ሳመ “ኖርወጃውያን” ክገብሩዎም ፈቲኖም ነይሮም። እቶም ቈልዑ በስገዳድ ናብ ቤትትምህርቲ ኖርወጃውያን ክኸዱ ተገይሮም፡ ቋንቋ ሳሚስክ ክመሃሩ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ። ኣብ 1959 ዓ.ም ኣብ ቤትትምህርቲ ቋንቋ ሳሚስክ ምጥቃም ተፈቒዱ። ኣብ 1902 ዓ.ም ቋንቋ ኖሽክ ዝዛረቡን ዘንብቡን ዝጽሕፉን ዜጋታት ኖርወይ ጥራይ’ዮም መሬት ክዕድጉ ዝኽእሉ ዝብል ሕጊ ወጺኡ። እዚ ሕጊ እዚ ክሳዕ 1965 ዓ.ም የገልግል ነይሩ። ሎሚ ዘሎ ኵነታት ግን ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ 1989 ዓ.ም ባይቶ ህዝቢ ሳመ ተኸፊቱ። ባይቶ ህዝቢ ሳመ ንመሰላት እቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ህዝቢ ሳመ ብፍላይ ከኣ ምስ ባህልን ትምህርትን ብዝተሓሓዝ ዝሰርሕ’ዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንባይቶ ህዝቢ ሳመ ዝምልከት ምርጫ ይካየድ።

Denis Caviglia ባይቶ ሳሚ

ብሓባር ተዘራረቡ

  • ኣብ ሃገርካ ደቀባት ዝብሃሉ ኣለዉዶ፧ ኵነታት ህይወቶምከ ከመይ እዩ፧
  • ብዛዕባ ኵነታት ዝተፈላለዩ ኣባላት ውሑዳን ኣህዛብ ተዘራረቡ።
Utstyr laget av reinskinn. Foto.
GettyImages

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ሳመ ኣብ ኣየኖት ሃገራት ዝነብሩ እዮም፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ባህላዊ መነባብሮ ሳመ ኣብ ምንታይ ዝተመርኰሰ እዩ፧

ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ኣብ 1902 ዝወጽአ ሓደ ሕጊ ከም ዝሕብሮ ኖሽክ ክዛረቡ፡ ከንብቡን ክጽሕፉን ዝኽእሉ ዜጋታት ኖርወይ ጥራይ'ዮም መሬት ክዕድጉ ዝኽእሉ ይብል። እዚ ሕጊ'ዚ መዓስ ተሰሪዙ፧

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሃገራዊ በዓል ሳመ 6 ለካቲት እዩ።
ኖሽክ ዝርድኣካ እንተዀይኑ ሳሚስክ'ውን ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ።
ባህላዊ ክዳን ህዝቢ ሳመ ቡናድ ይብሃል።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ቈልዑ ሳሚስክ ኣብ ቤትትምህርቲ ኖርወይ ክመሃሩ ክግደዱ እንከለው ፡ ቋንቋ ሳሚስክ ክመሃሩ ግን ኣይፍቀደሎምን ነይሩ።
ባይቶ ሳመ ንመሰላት ህዝቢ ሳመ ኣብ ኖርወይ ዝሰርሕ እዩ።

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ

ነዚ መግለጽት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፧ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧

ሳመ ኣብ ኖርወይ ብጥንታውነቶም ቀዳማይ ቦታ ዝሓዙ ጕጅለ ህዝቢ እዮም።
ኣዝዮም ውሑዳት ሳመ ጥራሕ'ዮም ቋንቋ ኖርወይ ክዛረቡ ዝኽእሉ።
ብዙሓት ሳሚ ዓጋዜን/ራይንስድይር ይውንኑ።
ክሳዕ 1959 ኣብ ቤትትምህርቲ ቋንቋ ሳሚስክ ምጥቃም ኣይፍቀድን እዩ ኔሩ።
ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ዓመት ንኣባልነት ባይቶ ሳሚስክ ምርጫ ይካየድ።