መንነት
ነዛ ፊልም ርኣያ
መንነት
ብዛዕባ እንታይነትና ዘሎና ኣረኣእያ ብዙሕ ግዜ መንነትና ኢልና ንጽውዖ። መንነትና ካብ ባህርያትናን ውልቃዊ ኣካያይዳናን ዝቕረጽ’ዩ። ኣበይ ቦታ ንነብር፡ ምስ መን ንቀራረብን ተገዳስነትናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ረቓሕታት’ውን ተራ ኣሎዎም።
ጾታዊ መንነት
ንመን ከም ተፍቅርን ብጾታዊ ስምዒት ምስ መን ስሕበት ኣሎካ ብዛዕባ ጾታዊ መንነትካ ይነግር። ገለ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ናንጻር ጾታ ዝብህጉ ወይ ከም ከምቲ ናቶም ጾታ ዝብህጉ ገይሮም ንነብሶም ክገልጹዋ ከለዉ፡ ገለ ሰባት ግን ንኣየናይ ጾታ ከም ዝብህጉ ውሱን ጌሮም ክገልጹ ኣይደልዩን’ዮም።
መንነት ጾታ
ጾታ ሓደ ክፋል መንነትና እዩ። ከም ልምዲ ኣካላዊ ሰብነትና ክንውለድ ከለና ወዲ ወይ ጓል ተባሂሉ ዝተወሰነ እዩ። ንጹር ተራ ጾታ ድማ ነዚ ኣሕዪሉዎ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን እዚ ኣብ ክልተ ምኽፍል’ዚ ንዅሉ ሰብ ብልክዕ ከም ዘይውክሎ ብክፉት ርድኢት ይርአ’ሎ። ገለ ሰባት ንገዛእ ርእሶም እቲ ክውለዱ ከለው ዝነበሮም ጾታ ዘይኮነ ካልእ ጾታ ከም ዘሎዎም ወይ ንነብሶም ኣብ መንጎ እቲ ክልተ ልሙድ ጾታታት ከም ዘለዉ ገይሮም ይገልጹዋ። ብኣከዳድናና ወይ ብኻልእ ኣገባብ ንጾታ ዘጕልሓሉ መንገዲ ንገብሮ ነገራት መግለጺ ጾታና ኢልና ንጽውዖ።
ብሓባር ተዘራረቡ
- ኣብ መንጎ መንነትን ብዙሕነትን ዘሎ ምትእስሳር ተመያየጡሉ።
- ጾታ ኣብ ክልተ ምክፍል እንታይ ጕድኣት ክህልዎ ይኽእል፧ ረብሓታትከ ኣሎዎዶ፧
- መግለጺ ጾታና ኣብ ዝብል ኣምር እንታይ ርድኢትካ፧
- ሓደ ሰብ ነቲ ባህላዊ ርድኢት ናይ ጾታን ወሲባውነት ክጥሕሶ ከሎ እንታይ ብድሆታት ይርኣዩኻ፧
- እዚ «LHBTQI+» ዝብል ነቶም ንቡር ስርዓታት ጾታን ጾታዊ ርክባትን ዝጥሕሱ ሰባት ንጥቀመሉ እዩ። እቶም ኣሕጽሮት ፊዳላት እንታይ ማለት ምዃኖም ኣናዲኻ ርኸብ።
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
መንነትና ብባህርያትናን ብ................... እዩ ዝቕረጽ።
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ንመን ከም ተፍቅርን ጾታዊ ስምዒት ኣብ መን ከም ትሰሓብን ብዛዕባ...................... ይገልጽ።
ነዚ ምሉእ ሓሳባት መልኣዮ
ከመይ ከም ትኽደን ወይ ብኻልእ መንገድታት ንጾታ ብኸመይ ከም ተጕልሖ........................... ኢልና ንጽውዖ።
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ
ንጾታዊ ተግባራትና እንታይ ኣደልዲሉዎ ክኸውን ይኽእል፧
ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምረጽ
ነዚ መግለጺታት ኣንብቦ። ኣየናይ'ዩ እቲ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ እቲ ጌጋ፧